ኣብ ‘ራንወይ’ መዓርፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ዘስደምም ስርቂ

“ኩስቶ’ኮ ካብ ኣፍካዩ ማስቲካ ዘውጽእ”፡ “እገለ’ውን ካብ ዓይንኻ’ዩ ኦክያለ ዝሰርቕ” ዝብላ ዘረባታት ንኣዝዮም ዝተራቐቝ ወይ ንገለ ዓይኒ ዘይብሎም ሰረቕቲ ንምግላጽ ሰባት ዝጥቀሙለን ኣበሃህላታት ንሰምዕ ኢና።

ኣብ ናይጀርያ ከኣ ካብዚ ዘይፍለ ስርቂ’ዩ ተፈጺሙ። ስርቂ ማስቲካ ወይ ኦክያለ ግን ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ጻዕቂ በረራታት ዝካየደሉ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙርታላ መሓመድ ዝነበረ መብራህቲታት - ባውዛ ‘ራንወይ’ ብሰረቕቲ ከምዝተዘምተ ወሃቢ ቃል በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ናይጀርያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ መብራህቲ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ብሓድሽ ዝተተክአ ኰይኑ፡ ነቶም ሰረቕቲ ንምርካብ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ወሃቢ ቓል እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ያኩቡ ፉንትዋ ንቢበሲ ገሊጹ።

እቲ በዓል መዚ “ነቶም ሰረቕቲ ብምሓዝ ነቲ ንብረት ናብ ቦታኡ ክንመልሶ ኢና” ኢሉ።

እቲ መብራህቲ ካብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሙርታላ መሓመድ መዓስ ከምዝተሰረቐ ግን ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።

እንተኾነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ እቲ ስርቂ ኢድ ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ’የን ዝገልጻ ዘለዋ።

ኣብ መበገስን መወድእን ከምኡ ከኣ ኣብ ወሰን እቲ ‘ራንወይ’ ዝነበረ ባውዛ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ብምሉኡ ብሓድሽ ከምዝተቐየረ’ዩ ዝግለጽ።

ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸመ ስርቂ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበር ዝነበረ በረራታት ውሽጢ ሃገር ናብቲ ዓለምለኻውያን ነፈርቲ ዝዓልባሉ ‘ራንወይ’ ከምዝቕየር ስለዝተገበረ፡ ሓያለ በረራታት ከምዝተዓናቐፈን፡ ተጓዓዝቲ ኣብ ውሽጢ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ 4 ኪሎሜተር ብእግሮም ክጕዓዙ ከምዝግደዱን ይሕበር ኣሎ።

ወሃቢ ቃል በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ናይጀርያ ያኩቡ ፉንትዋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ናይጀርያ፡ "ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ክስተታት ንኸየጋጥም ኵሉ ሃጓፋት ክንዓብሶ እዩ” ኢሉ።

እቲ ስርቂ፡ እቲ ራንወይ ንኽጽገን ተዓጽይሉ ኣብ ዝነበረ፡ እቶም ሰረቕቲ ነዚ ከም ጽቡቕ ዕድል ተጠቂሞም ከምዝሰረቕዎ ጋዜጣ ናይጀርያ ፓንች ስሙ ካብ ዘይገለጸቶ ምንጪ መበገሲ ብምግባር ኣቃሊሓ።

እታ ጋዜጣ፡ እቲ ስርቂ “ካብ ደገ ዝመጽኡን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ተሓባቢሮም” ዝፈጸምዎ ከምዝዀነ ሓቢራ።