ኵሊቱ ንምውሳድ ዝተጨውየ ዳንኤል መወዳእታኡ እንታይ ኰነ?

ኣብ ለንደን፡ ሓደ ሰብ ጸምልዩን ብድኹም ኣካይዳን፡ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮም ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ምስ ከደ፡ ፖሊስ ቃሉ ሰሚዖም ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኰይኑ ዝተመዝገበ ገበን ፈተነ ምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰብ ክምርምሩ ጀሚሮም።

ቢቢሲ፡ ፖሊስ ነዚ ሰብ ንምርማር ዝሓለፍዎ ኵሉ መስርሓት ዘርኢ ሰነድ ብዘይደረት ንኽርኢ ተፈቒድዎ።

እቲ ሰብ ዳንኤል’ዩ።

ዳንኤል፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሮያል ፍሪ ዝበሃል ሆስፒታል፡ ምኽርን ማዕዳን ይወሃቦ ኣሎ፤ ንሱ በቲ ጽቡቕ ገይሩ ዘይመልኮ እንግሊዝኛ ንዝተሓተቶ ይምልስ።

ዳንኤል ወዲ 21 ዓመት ኰይኑ ኣብ ጐደናታት ሌጎስ እናሰርሐ’ዩ ዝናበር ነይሩ።

“ህይወትካ ዝቕይር ዕድል” ተረኺቡ ምስ ተበሃለ፡ ኣብ ለንደን ስራሕ ክረክብ’የ ኢሉ ብምሕሳብ፡ ቅድሚ መዓልታት’ዩ ናብ ለንደን መጺኡ።

እንተዀነ፡ ሕጂ ሓካይም ብዛዕባ እቲ ክግበረሉ ዝተሓሰበ መብጣሕትን ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን’ዮም ዝነግርዎ ዘለዉ።

ከምዚ ዓይነት መርመራታት እናተገበረሉ እንከሎ’ዮም ነቶም ዝምርምርዎ ዝነበሩ፡ ናብ ለንደን ምስ መጽአ ከምቲ ዝሓሰቦ ስራሕ ከምዘይረኸበን እቶም ዘምጽእዎ ሰባት ንሱ ንዘይፈልጣ ሰብ ኵሊት ክህባ ከምዘምጽእዎን ዝነገሮም።

ኣባል ፍትሕን ጸረ ዘመናዊ ግልያነትን ዝዀነት ክሪስቲን ሁድልስቶን፡ “ከም ቆርበት እንስሳ ክበጥሕዎን እቲ ዘድልዮም ነገር ካብ ውሽጢ ኣካላቱ ወሲዶም፡ ተመሊሶም ክሰፍይዎ’ዮም” ትብል።

ዳንኤል ዕድል ክገብር ግን እቶም መብጣሕቲ ክገብርሉ ዝተዳለዉ ዶካትር ገለ ስግኣት ስለዝሓደሮምን ተገዲዱ ይገብሮ ከይህሉ ስለዝጠርጠሩን ነቲ መብጣሕቲ ኣየካየድዎን።

ካብቲ ሕክምና ወጺኡ ናብ መንበሪኡ ተመሊሱ።

ይዅን ግን ዳንኤል ካብቶም ኣካላቱ ክነግድሉ ካብ ናይጀርያ ናብ ለንደን ዘምጽእዎ ሰባት ነጻ ኣይወጽአን።

ክልተ ሰባት ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ ብምምጻእ፡ መርመራ ክገብርሉ ጀሚሮም።

ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሰባት ከኣ፡ ናብ ናይጀርያ መሊሶም፡ ኵሊቱ ኣብ ናይጀርያ ክወስድሉ ከምዝሓይሽ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘረባ ክለዋወጡ ሰሚዕዎም።

ነዚ ምስ ሰምዐ ዳንኤል ካብቲ ገዛ ሃዲሙ ወጺኡ፡ ክልተ መዓልታት ኣብ ጐደናታት ድሕሪ ምሕዳር’ዩ ናብቲ ኣብ ጥቃ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮው ዝርከብ መደበር ፖሊስ መጺኡ።

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ቃሉ ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ኰይኑ ዝተመዝገበ ገበን ፈተነ ምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰብ ክምርምሩ ጀሚሮም።

እዚ ኣብ ግንቦት 2022 ዘጋጠመ’ዩ፤ ሓቀኛ ስም እቲ ግዳይ ከኣ ዳንኤል ኣይኰነን፡ ዳንኤል ሕጂ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ከለላ ፖሊስ’ዩ ዝነብር ዘሎ።

ጉዳይ ዳንኤል፡ ፖሊስ እታ ሃገር ንካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያት ተመሊሱ ንኽምርምሮም ቀሲብዎ’ዩ።

ኵሊቱ ንምውሳድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምእታው ዝተገበረ ሽርሒ

ጉዳይ ዳንኤል፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣካላት ደቂ ሰባት፡ ንግዳያቶም እንታይ ሽርሕን መጠበሪ ቃላትን ተጠቒሞም ኣብ መርበቦም ከምዘእትውዎም ዘቃልዕ’ዩ ነይሩ።

ዳንኤል ኣብ ናይጀርያ እንከሎ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ስራሕ ክወሃቦ ምዃኑ ምስ ነገርዎ’ሞ ምስ ተሰማማዐ፡ ቀዳማይ ክገብሮ ዘለዎ ኢሎም ዝሓበርዎ መርመራ ደም’ዩ።

ንሱ፡ እቲ መርመራ ምስ ጉዳይ ቪዛ ዝተኣሳሰር ስለዝመሰሎ ዕጥይጥይ ኣይበለን።

እንተዀነ እቲ መርመራ ኵሊቱ ንኽውሰዳ ዘብቅዕ ጥዕና ኣለዎ ድዩ ንምርግጋጽ ዝተገበረ መርመራ’ዩ ነይሩ።

መርመራ ገይሩ ጥዕናኡ ምስ ተረጋገጸ፡ ትኬት ተቘሪጽሉ ናብ ለንደን ተበጊሱ። እንተዀነ ኣብ ኢዱ ሰልዲ ከይሕዝን ፖስፖርቱ ብኻልእ ሰብ ክትሓዝ ምዃኑን’ዩ ተሓቢርዎ። ኵሉ ምንቅስቓሳቱ ከኣ ኣብ ምሉእ ምቍጽጻር እቶም ኣሰጋገርቱ ኮነ።

እቲ ናብ ለንደን ሒዝዎ ዘመጽአ ሰብ ኣብ ለንደን ምስ ሓንቲ ናይጀርያዊት መንእሰይ ኣላልይዎ፤ እዛ ሰብ እዚኣ እታ ካብ ዳንኤል ኵሊት ትጽበ ዝነበረት ሰብ’ያ።

ሽማ ሶንያ ይበሃል።

ሶንያ ኣብቲ እዋን ጓል 25 ዓመት’ያ ነይራ።

ብርቱዕ ሕማም ኵሊት ስለዝነበራ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፉ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወስድ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ግዜ ‘ድያሊስስ’ ትገብር ነበረት።

እቶም ንዳንኤል ኣታሊሎም ናብ ለንደን ዘምጽእዎ ሰባት፡ ከም መርትዖ ክዀኖም ዳንኤልን ሶንያን ክራኸቡ እንከለዉ ደጋጊሞም ሰኣልዎም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክፋላት ውሽጣዊ ኣካላትካ ንኻልእ ሰብ ክትህብ ዝፍቀድ’ኳ እንተዀነ፡ ንገንዘባዊ ረብሓ ኢልካ ክትገብሮ ግን ብሕጊ ኩልኩል’ዩ።

ዳንኤል ንሶንያ ወዲ ሓወቦኣ ኰይኑ ብሰናይ ፍቓዱ ኵሊቱ ክህባ ከምዝዀነ’ዩ ድራማ ዝስራሕ ዘሎ፤ ኵሉ ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ዳንኤል’ዩ።

እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ብሕጊ እታ ሃገር፡ ንሓደ ሕማም ኵሊት ዘለዎ ሰብ፡ ቤተሰቡ ብሰናይ ፍቓድ ክህቦ እንተዘይኰይኑ ኵሊት ብሰልዲ ተገዚኡ ክሰጋገረሉ ስለዘይፍቀድ’ዩ።

ብሕጊ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣካላት ሰባት፡ ብኣፍልጦ ይዅን ብዘይ ኣፍልጦ እቲ ዘሰጋግር ዘሎ ሰብ ንገንዘባዊ ረብሓ ኢሉ ምስ ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ብገበን ዘሕትትን ክሳብ ንሕልፈት ዘእስርን’ዩ።

ዓንቀጽ 15 ሕጊ ብሪጣንያ፡ ዘመናዊ ጊላነት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝሰፈረ ኰይኑ፡ ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተዛሚዱ’ዩ ሰፊሩ ዘሎ።

ዳንኤል ኣብ ሮያል ፍሪ ሆስፒታል ምስ ዝርከቡ ዶካትር ብተደጋጋሚ ምኽሪ እናተዋህቦ፡ እቲ ክብሎ ዝግባኦ ንኽብል ተርጓሚ ተቘጺሩሉ ይሕተት ነይሩ።

ፍርሒ ዓዚምዎ ብዙሕ ክዛረብ ስለዘይክኣለ ግን ፖሊስ ንጉዳዩ ብዕቱብ ክርእይዎ ከምዘለዎም ኣብ መደምደምታ በጽሑ።

ዳንኤል ቀስ እናበለ ከውጽኦ ዝጀመረ ምስጢር፡ እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ናብ ኣቦ ሶንያ ዘመርሕ’ዩ ነይሩ።

ኣቦ ሶንያ፡ ኢከ ኢከወረማዱ ዝበሃል ኣብ ናይጀርያ ኣዝዩ ተፈራሒ ላዕለዋይ ኣባል ባይቶን ሚልዮነርን እዩ።

ከም መርኣያ ሃብቱ፡ ደቁ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ዝልዓለ ክፍሊት ዝሓትት ኣብያተ ትምህርቲ’ዩ ዘምህሮም።

ኢከ ኢከወረማዱ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ ንዳንኤል ንምትላል ኢሉ ዝገበሮ ከምዘይነበረን እቶም ንዳንኤል ናብ ለንደን ዝወሰድዎ ሰባት፡ ዳንኤል ብሰናይ ፍቓዱ ይገብሮ ኣሎ ኢሎም ከምዘእመንዎ ቃሉ ሂቡ።

ኢከ ኢከወረማዱ ኣብቲ ቤት ፍርዲ፡ ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይጀርያ ምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰባት ብትሪ ዘቕጽዕ ሕጊ ዘጽደቝ ኣባላት ባይቶ ምዃኑ ብምምጓት’ዩ ነቲ ተግባር ብቐጥታ ከምዘይወዓሎ ተዛሪቡ።

እቲ ኣራኻቢ

ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ኣካላቱ ንኽዝመት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተወሰደ ሰብ ዳንኤል ጥራይ ከምዘይኮነ’ዩ ተቓሊዑ።

ኣብ 2021’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተወሲዱ ኵሊቱ ዝተመንዘዐ ሰብ ነይሩ’ዩ።

እቲ ኵሊት ዝተቐበለ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ጐድኒ ኢከ ኢከወረማዱ ደው ኢሉ ኣሎ።

እዚ፡ ንስድራ ኢከ ኢከወረማዱ ዘመዶም ኮይኑ ዶክተር ኦቢና ኦበታ ይበሃል፤ ንዳንኤል ኣታሊሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘእተዎ ኸኣ ንሱ’ዩ።

ዶክተር ኦቢና ኦባታ ኣብ ሮያል ፍሪ ሆስፒታል’ዩ ምስግጋር ኵሊት ተገይርሉ።

ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ሮያል ፍሪ ሆሰፒታል፡ እቲ ንዶክተር ኦቢና ኦባታ ዝተገበረሉ ምስግጋር ኵሊት፡ ሕጂ ብዝገበርዎ መርመራ እቲ ዝቐረበ ሰነዳት ሓሶት ምንባሩ ከረጋግጹ ምኽኣሎም ቃሎም ሂቦም።

እቲ ንዶክተር ኦቦና ኦባት ኵሊት ዝለገሰሉ ሰብ፡ ኣብቲ ሰነድ ምስ ዶክተር ኦቦና ደቂ ኣኮታት ምዃኖም እዩ ሰፊሩ ዘሎ። እንተዀነ፡ ሕጂ ዝዀነ ዓይነት ዝምድና ከምዘይብሎም’ዩ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ኣብቲ ቤት ፍርዲ ካልእ ዝተቓልዐ ነገር፡ ዳንኤል ብምትላል ክግበረሉ ዝተሓሰበ መብጣሕቲ’ኳ ደው እንተበለ፡ ሮያል ፍሪ ሆስፒታል ግን ነቲ ጉዳይ ብህጹጽ ናብ ፖሊስ ዘይምሕባሮም ንህይወት ዳንኤል ናብ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ነይሩ’ዩ።

ሮያል ፍሪ ሆስፒታል ንቢቢሲ፡ ኣብ ጉዳይ ዳንኤል ወግዓዊ መምርሒ ተጠቒሞም ነቲ መብጣሕቲ ደው ከብልዎ ከምዝኽኣሉ’ዮም ሓቢሮም።

እቲ ሆስፒታል ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንምግታእ “ምስ ፖሊስ ብቕርበት ክንሰርሕ ኢና፡ ሰራሕተኛታትና ዝዀነ ዘይሕጋዊ ዝመስል ነገር ምስ ዝርእዩ ብኸመይን ንመንን ክሕብሩ ከምዘለዎም ምሉእ ኣፍልጦ ኣለዎም” ኢሉ።

ቱሪዝም ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰባት

ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስኮትላንድን ዌልስን ካብ ወጻኢ ሃገራት መጺኦም ኣብ ውሽጢ እዘን ሃገራት ውሽጣዊ ኣካላት ‘ክንልግስ ኢና’ ዝብሉ ሰባት ብዓይኒ ጥርጣረ ክርኣዩን፡ ገበን ተቘጺሩ ናብ ፖሊስ ክሕበርን ተሪር መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።

ኣብ በርኒንግሃም ዝመደበሩ ክኢላ ኵሊት ዶክተር ኣዳም ሻሪፍ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት [ካብ ወጻኢ መጺእካ ኣካላት ምልጋስ] ገበን ክትብሎ’ኳ ከቢድ እንተዀነ “ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከምዝፍጸም ግን ንፈልጥ ኢና” ኢሉ።

ነቲ ‘ንፈልጥ ኢና’ ዝበሎ ንምርጓድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ብሪጣንያ፡ መብዛሕትኦም ምስግጋር ኵሊት ዝተገብረሎም ኣስታት 150 ኣብ ‘ኤንኤችኤስ’ ዝተመዝገቡ ሰነዳት ከምዘለዉ ይሕብር።

ንብህሎ ዶክተር ኣዳም ሻሪፍ ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ናብ ‘ሂዩማን ቲሹ ኣውቶሪቲ’ ንምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰባት ዝምልከት ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ሕጊ ካብ ዝተኣታቶ፡ ክንደይ ግዳያት ናብ ፖሊስ ከምዝሓበሩ ሓቲትናዮም።

ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ትካል ዶክተር ኮሊን ሱሊቫን “ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ” ጉዳያት ናብ ፖሊስ ከምዝተሓበሩ ብምግላጽ መብዛሕትኦም ብዶካትርን ብክኢላታት ላባራቶርን ዝተጠርጠሩ ከምዝዀኑ ኣብሪሁ።

'ገበነኛ ክንብል እንከለና እንታይ ማለት’ዩ?'

ኣብ ዘመናዊ ጊላነት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንሓደ ፍጻመ ገበን’ዩ ኢልካ ንኽትምድቦ መርትዖ ትስእነሉ ኣጋጠሚታት ኣሎ።

ናብ ናይ ዳንኤል ጉዳይ ምስ እንምለስ፡ መርመራኡ ኣብ ሰዓቱ ኣይጀመረን፤ ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ኣብ ዝበጽሓሉ ገበነኛ ድሮ ካብታ ሃገር ወጺኡ’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ 21 ሰነ 2022 መርማሪ ገበን ሰርጀንት ኣንዲ ኦውን፡ ኢከ ኢከወረማዱን በዓልቲ ቤቱ በትሪስን ካብ ናይጀርያ ናብ ለንደን ይመጽኡ ከምዘለዉ ዝሕብር ጻውዒት ተሌፎን በጺሕዎ።

ሰርጀንት ኣንዲ ኦውን፡ ጕጅለኡ ብምውህሃድ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ብምምራሕ ነቶም ጥርጡራት ካብ ነፋሪት ከይወረዱ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ገይሩ።

መርትዖ ዝኸውን ነገር እንተተረኸበ ንምርግጋጽ ተሌፎን ኢከ ኢከወረማዱ ምስ ተኸፈተት ነቲ ንምስግጋር ኵሉት ምዃኑ ዝሕብር 4.5 ሚልዮን ነይራ [4317 ፓውንድ ወይ 5487 ዶላር] ሰልዲ ከምዝተሰጋገረ ዝሕብር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ረኺቦም።

ሰርጀንት ኣንዲ ኦውን “ኣዝዩ ብዙሕ ንመርትዖ ዝኸውን ነገራት ክንረክብ ጀሚርና” ይብል።

እንተኾነ እቲ ጥርጡር ምስ ዘለዎ ሓይልን ስልጣንን ኩሉ ነገራት ከምቲ ዝተሓሰቦ ቀሊል ኣይነበረን።

መርመራ ኣብ ዝተፋረቐሉ፡ ጥርጡር ጉዳይ ሃገሩ ናይጀርያ ክርአ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ኣብ ልዕሊኡ ምስቲ ግዳይ ገጽ ንገጽ ከራኽብዎ’ውን ሕጋዊ ሕቶ ኣቕሪቡ።

እዚ ንዳንኤል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝነበረ፡ ፖሊስ ናብ ቤት ፍርዲ ብዘቕረብዎ ሕቶ፡ ኢከ ኢከወረማዱ ምስ ዳንኤል ክራኸብ ከምዘይክእል ብቤት ፍርዲ ረቲዖምዎ።

ቢቢሲ ነቶም ካብ ናይጀርያ ንጉዳይ ኢከ ኢከወረማዱ ንምርኣይ መሪሑ ዝመጽአን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ዝረኸቦን ሰነተር ኣዳሙ ቡልካቹዋ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ “ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብሪጣንያ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ጸቕጢ ብምፍጣር ነቲ ጉዳይ ባዕልና ክንኣልዩ ንኽእለሉ መገዲ ኢና ንደሊ ዘለና” ኢሉ።

እንተዀነ፡ ኣዳሙ ቡልካቹዋ ንመሳርሕቶም ኢከ ኢከወረማዱ ጉዳዩ ኣብ ናይጀርያ ኰይኑ ንኽርአ ዘሎ ተኽእሎ ግን ቀሊል ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ “ ምኽንያቱ ንሕና ባዕልና ኣንጻር ምስግጋር ኣካላት ደቂ ሰባት ክታምና ዘንበርና ብዓለምለኻዊ ሕጋጋት ንቕየድን ሰባት ኢና” ኢሉ።

ንጉዳይ ዳንኤል ኣብ ዝምልከት 23 መጋቢት ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ፡ ሰለስተ ሰባት ገበነኛታት ምዃኖም ቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

ኢከ ኢከወረማዱ ንትሽዓት ዓመትን ሸሞንት ወርሕን ክእሰር፡ በዓልቲ ቤቱ በትሪስ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ክትእሰር፡ እቲ ኣራኻቢ ኰይኑ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምስላጥ ዝሰርሐ ዶክተር ኦበታ ከኣ ንዓሰርተ ዓመት ክእሰር ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ሶንያ ግን ካብ ዝዀነ ገበን ነጻ ምዃና ቤት ፍርዲ ደንጊጉ ኣሎ።

ሰርጀንት ኦውን ኣብ እዋን እቲ ብይን ኣብ ጐድኒ ዳንኤል’ዩ ደው ኢሉ ነይሩ።

“ዳንኤል እቲ ብይን ምስ ተወሃበ ‘ገበነኛ ክንብል እንከለና እንታይ ማለት’ዩ 'What does guilty mean? ኢሉ ሓቲቱኒ፡ እዚ ብዛዕባ ፍርድን ገበንን ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ’ዩ ዘርኢ” ይብል።

ሰርጀንት ኦውን፡ “እቶም ጥርጡራት ንዳንኤል ኵሉ ዝደልዮ ካሕሳ ክንህቦ ዝብል መማጐቲ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም’ዮም” ድሕሪ ምባል፡ “ዳንኤል ግን ዝኾነ ካሕሳ ኣይቅበልን’የ ብምባል ህይወቱ ብነጻ ክመርሕ’ዩ ድሌቱ” ይብል።

ዝተበታተነት ስድራ

ኣብ ናይጀርያ፡ ኢከ ኢከወረማዱ ፍሉጥ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ብዙሕ ኣቓልቦ’ዩ ረኺቡ።

ስደራ ዳንኤል ከኣ ካብቲ ተኣሲሩ ዘሎ ተፈራሒ ፖለቲኸኛን ሚልዮነርን ኢከ ኢከወረማዱ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ከይውሰዶም ብፍርሒ’ዮም ተለልዮም ዘለዉ።

ንሓዊ ዳንኤል፡ ኣብቲ ዳንኤል ዝሽቅጠሉ ዝነበረ ጐደናታት ሌጎስ ረኺብናዮ።

ዳንኤል ኣብ ለካቲት 2022 ብሃንደበት ካብ ዝጠፍእ ብተሌፎን ረኺብዎ ከምዘይፈልጥ ብምሕባር፡ ብዛዕባ ሓዉ ብይን ቤት ፍርዲ ምስ ተወሃበ ከምዝፈለጠ ይዛረብ።

“ምሉእ መዓልቲ ኢና ክንበኪ ንውዕል፣ ኣቦይ’ውን ብብርቱዕ ጓሂ ኣብ ብርቱዕ ሕማም’ዩ ወዲቁ ዘሎ” ኢሉ።

“ንዳንኤል ሓወይ ኣታሊሎም’ዮም ወሲዶሞ” ይውስኽ።

ኣካራዪ ዳንኤል ዝነበረ ብወገኑ፡ ንዳንኤል መዓልታዊ የዕልሎ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ዳንኤል ህርፋን ገንዘብ ከምዘይብሉ’ዩ ሓቢሩና።

“ዳንኤልሲ ንገንዘብ ኢሉ ኵሊቱ ክሸይጥ!? ዘይሕሰብ’ዩ፡ ዳንኤል ዋላ ቅሩብ ይዅን ብኸመይ ገንዘብ ትረክብ ዝፈልጥ ጻዕራም መንእሰይ’ዩ፡ ዋላ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ክንህበካ እንተዝብልዎ ኣይምተሰማመዐን” ይብል።

ዳንኤል ኣብዚ እዋን ስግኣት ስለዘለዎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ከለላ ፖሊስ’ዩ ዘሎ፤ ናብ ናይጀርያ ክምለስ ከምዘይክል ወዲእዎ’ዩ፡ ምናልባት’ውን ንስድራኡ ንዘልኣለም ኣይርእዮምን ይኸውን።

ዳንኤል ንኵሊቱ ካብ ገበትቲ ብምድሓን ኣብ ሕጊ ታሪኽ ሰሪሑ’ዩ፡ ህይወቱ ግን ፋሕ ብትን’ዩ ኣትይዎ።

መዘኻኸሪ፡ እቲ በዓል ዛንታ ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ናብ ዳንኤል ክቕየር ተገይሩ'ዩ።