ሞት ሩስያዊ ምኒስተር፡ መፈራርሒ ንዝተረፉ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ሩስያ ሓደ ድራማ እዩ ተኸሲቱ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሰኑይ ንግሆ ንምኒስተር መጓዓዝያኡ ሮማን ስታሮቮይት ካብ ስልጣኑ ኣባሪሩዎ።
ስታሮቮይት፡ ዜና ካብ ስልጣን ምእላዩ እናተጋውሐ እንከሎ ኣብታ ዕለት ድሕሪ-ቐትሪ ህይወቱ ሓሊፋ። ሬሳኡ ኣብ ወሰን ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ተረኺቡ። ሽጉጥ ኣብ ጐድኒ እቲ ሬሳ ከም ዝጸንሐት ድማ ተገሊጹ።
መርመርቲ፡ እቲ ምኒስተር ነበረ ነብሰ-ቕትለት ከም ዝፈጸመ ገሊጾም።
ሰሉስ ንግሆ፡ ኣብታ ሞስኮቭስኪ ኮምሶሞሌትስ እትበሃል ጋዜጣ ናይ ስንባደ ስምዒት ተራእዩ።
"ነብሰ-ቕትለት ሮማን ስታሮቮይት፡ ብፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ሒደት ሰዓታት ምስዓቡ፡ ኣብ ታሪኽ ሩስያ ፍሉይ ተርእዮ እዩ፡" ዝብል ጽሒፋ።
ከምዚ ዘበላ ምኽንያት ክርድኣካ እንተዀይኑ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንድሕሪት ግልጽ ኢልካ ታሪኽ ምውካስ የድልየካ - ናብ ቅድሚ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት። ንኣብነት፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ሓደ ምኒስተር ነይሩ ነብሱ ዝቐተለ።
ኣብ ነሓሰ 1991፡ ጽኑዕ መርገጺ ብዘለዎም ዴሳውያን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍሻሉ፡ ሓደ ካብ መራሕቱ ዝነበረ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶቭየት ቦሪስ ፑጎ ገዛእ-ርእሱ ብጥይት ቀተለ።
ክረምሊን ብዛዕባ ሞት ስታሮቮይት ብዙሕ ኣይተዛረበትን።
ንወሃቢ-ቓል ቭላድሚር ፑቲን ድሚትሪ ፔስኮቭ፡ "ሓደ ምኒስተር ፈደራል፡ ብፕረዚደንት ካብ ስራሕ ምስ ተባረረ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ሞይቱ ምርካቡ ክሳብ ክንደይ ሰንቢድኩም?" ኣብ ዋዕላ ክረምሊን ሕቶ ቀሪብሉ።
"ንቡር ዝሓስቡ ሰባት በዚ ከይሰንበዱ ክተርፉ ኣይክእሉን እዮም፡" ክብል መለሰ፣ "እዚ፡ ብርግጽ ንዓና'ውን ኣሰንቢዱና'ዩ።"
"ንዅሉ እቲ ዝቐርብ ሕቶታት መልሲ ክህብ ዝኽእል ውጽኢት ናይቲ መርመራ እዩ። ገና መርመራ እናቐጸለ እንከሎ ሓደ ሰብ ግምቱ ጥራይ እዩ ክህብ ዝኽእል። እዚ ድማ ብዝያዳ ንመራኸቢ ብዙሓንን ፖለቲካውያንን ምሁራትን እዩ፣ ንዓና ኣይኰነን።"
ብርግጽ፡ መራኸቢ ብዙሓን ሩስያ፡ ብዝዋሃብ ግምታት መሊኡ ኣሎ።
ገለ ጋዜጣታት ሩስያ እቲ ኣብ ልዕሊ ሮማን ስታሮቮይት ዘጋጠመ፡ ምስቲ ኣብታ ምስ ዩክረይን እትዳወብ ዞባ ኩርስክ ዘጓነፈ ፍጻመታት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ገሊጸን። ስታሮቮይት ኣብ ግንቦት 2024 ምኒስተር መጓዓዝያ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣመሓዳሪ ዞባ ኩርስክ እዩ ነይሩ።
ሓላፊ ኣብ ዝነበረሉ፡ ከምኡ'ውን ብዙሕ ገንዘብ መንግስቲ ኣብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣመሓዳሪ ስታሮቮይት ኣብ ዶብ መከላኸሊ ዕርድታት ክሃንጽ ጀመረ። እዚ መናድቕ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሒሶሞ ብምእታው ኣብ ዞባ ኩርስክ መሬት ንኸይቈጻጸሩ ክዓግቶም ኣይከኣለን።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ስታሮቮይት ከም ኣመሓዳሪ ኰይኑ ዝተክኦ ኣሌክሲ ስሚርኖቭን ምክትሉ ነበር ኣሌክሲ ደዶቭን ኣብ ቀይዲ ብምእታው፡ ምስ ህንጸት ናይቲ ዕርድታት ብዝተኣሳሰር ሰፊሕ ምጥፍፋእ ተኸሲሶም።
ናይ ንግዲ ጋዜጣ ኮመርሳንት፡ "ሚስተር ስታሮቮይት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣብዚ ጉዳይ ዝተኸሰሱ ሰባት ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢላ።
ሰብመዚ ሩስያ ነዚ ኣየረጋገጹን ኣለዉ።
መልእኽቱ ነዛ ናይ ሎሚ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፍርሒ ክሲ ንሓደ ምኒስተር ህይወቱ ከጥፍእ ዝገብሮ እንተዀይኑ፡ እዚ ፍጻመ'ዚ ብዛዕባ እዛ ናይ ሎሚ ሩስያ እንታይ እዩ ዝነግረና?
ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ጉዳያት ኣብ ዘ ኒው ስኩል ኒውዮርክ ኒና ክሩሽቸቫ፡ "እቲ ኣዝዩ ድራማዊ ክፋል ናይዚ ፍጻመ፡ ምስቲ ኵሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሩስያ ዝፍጸም ዘሎ ዳግመ-ስታሊናውነት፡ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ካብቲ ስርዓት ክወጽእ ካልእ መንገዲ ስለ ዘይብሉ [ንነብሱ ይቐትል]፡" ትብል።
"ምናልባት ናብ መርመራ እንተ ቀሪቡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝእሰር መሲሉዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ስድራኡ ድማ ኣዝዮም ከይሳቐዩ ፈሪሑ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ዘምልጠሉ መንገዲ ኣይተራእዮን። ንእለቱ ብዛዕባ ሓደ ካብ ምኒስተራት ስታሊን ዝነበረ ሰርጎ ኦርድሆኒኪድዘ ሓሰብኩ፣ መውጽኢ ከም ዘየሎ ስለ ዝሓሰበ ብ1937 ነብሱ ቀተለ። ኣብ ሎሚ ኴንካ ብዛዕባ 1937 ክትዝክር ክትድረኽ ከለኻ ዝን የብለካ።"
ሞት ሮማን ስታሮቮይት ኣብ ሩስያ ኣብ ዝወጽኣ ጋዜጣታት ኣርእስተ ዜና ኰይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ሩስያ "ዳርጋ ፍሉይ" ፍጻመ'ዚ ግን ብመንግስታዊ ተለቭዥን ንኡስ ሸፈነ እዩ ተዋሂቡ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት ክረምሊን ተለቪዥን ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ምምእዛን ዘለዎ ሓይሊ ስለ ዘለለየት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሩስያ ቲቪ ካብ ጋዜጣታት ንላዕሊ ጽልዋ ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ ተለቪዥን ክኸውን ከሎ፡ እቶም ሰበስልጣን ኣብቲ መልእኽቲ ዝያዳ ንቑሓትን ጥንቃቐን ክህሉን እዮም ዝፍትኑ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝቐረበ ቀንዲ ዜና ኣብ ሩስያ-1፡ ፑቲን ሓድሽ ግዝያዊ ምኒስተር መጓዓዝያ ኣንድሬይ ንኪቲን ከም ዝሸመ ዝገልጽ ናይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ጸብጻብ እዩ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምኒስተር መጓዓዝያ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተባረረ ፈጺሙ ኣይጠቐሰን። ወይ ድማ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ኣይሓበረን።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ድሕሪ ኣርብዓ ደቓይቕ፡ እቲ ኣቕራቢ ዜና ንሞት ሮማን ስታሮቮይት ኣመልኪቱ ን18 ካልኢታት ጥራሕ ተዛሪቡ።
እዚ ማለት፡ መብዛሕትኦም ሩስያውያን ነቲ ድራማዊ ፍጻመ ከም ዓቢይ ምዕባለ ንኸይርእዩዎ ተደልዩ ይኸውን።
ንፖለቲካውያን መራሕቲ ግን ካልእ ዛንታ እዩ። ንምኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ከምኡ'ውን ኣካል ናይቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ክዀኑ ንዝደለዩ ሰበስልጣን ሩስያ፡ እቲ ኣብ ስታሮቮይት ዘጋጠመ ከም መጠንቀቕታ ከገልግል እዩ።
ኒና ክሩሽቸቫ፡ "ቀደም ነዞም ስራሓት ክትረክብ፡ ሃብታም ክትከውን፡ ወይ ካብ ዞባ ናብ ፈደራላዊ ደረጃ ክትሰጋገር ትኽእል ነይርካ። ሎሚ ግን፡ ብህይወት ክትጸንሕ እንተ ደሊኻ፡ ውሑስ ናይ ሞያ መንገዲ ኣይኰነን፡" ትብል።
ወሲኻ፡ "ንላዕሊ ክትሓኵር ዕድል የሎን። ዋላ ንታሕቲ እንተ ወረድካ ድማ ናብ ሞት ከብጽሓካ ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምኻድ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







