ጕርዝውና ክሳብ ሰላሳታት ይጸንሕ - ንሓንጐልና ዝቐርጹዎ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዕድመታት

ሓንጐል፡ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ዕቤት ዝሓልፍ ኮይኑ፡ እዚኦም ኣዝዮም ወሰንቲ ደረጃታት ዕድመና ከም ዝዀኑ ተመራመርቲ ኣረዲኦም።

እዞም ኣገደስቲ መቐይሮ ዝርኣየሎም ዕድመታት ትሽዓተ፡ 32፡ 66ን 83ን ዓመት ምዃኖም ተመራመርቲ ገሊጾም።

ክሳብ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣስታት 4000 ሰባት፡ ኣብ መንጐ ዋህዮታት ሓንጎሎም ዘሎ ምትእስሳር ንምፍላጥ ስካን ተገይሩሎም።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ከም ዝብሉዎ፡ ሓንጐል ኣብ እዋን ጕርዝውና ክሳብ መጀመርታ ሰላሳታት "ኣብ ዝለዓለ ደረጃ" ከም ዝጸንሕ ኣረጋጊጾም።

እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ ሓደጋ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ሕማም ረስዒን ንምንታይ ከም ዝፈላለ ንምርዳእ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ሓንጐል ንሓድሽ ፍልጠትን ተመኩሮን ምላሽ ብምሃብ ብቐጻሊ ይቕየር - እዚ ግን ካብ ልደት ክሳብ ሞት ሓደ ልሙጽ ቅዲ ከም ዘይኰነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

"ሓንጐል ኣብ ምሉእ ዕድመ ሰብ ምቅይያር ይገብር፡ እዚ ሓደ ርጉእ ቅዲ'ውን ኣይኰነን - ምልውዋጥን ምዕራፋትን ምትእስሳርን ሓንጐል ኣሎ፡" ክትብል ዶክተር ኣሌክሳ ሞስሊ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ገለ ሰባት ካብ ካልኦት ኣቐዲሞም ወይ ድሒሮም ናብዞም ምልክታት ይበጽሑ - እንተዀነ እዞም ተመራመርቲ፡ እዞም ዕድመታት ኣብቲ ክሳብ ክንደይ ብንጹር ጐሊሖም ከም ዝረኣዩ ክግንዘቡ ምኽኣሎም ኣገሪሙዎም ኣሎ። ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ ኣብ መጽሄት ኔቸር ኮሚዩኒኬሽን ዝተሓትመ እዩ።

ሓሙሽተ ምዕራፋት ሓንጐል

ቍልዕነት - እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓጐል ብቕልጡፍ ብዓቐን እናወሰኸ ዝኸደሉ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ መጀመርታ ህይወት ዝፍጠር ልዕሊ ዓቐን ምትእስሳር ኣብ መንጐ 'ሲፕናሰስ' ዝበሃሉ ዋህዮታት ሓንጐል ዝረቐሉ እዋን እዩ።

ኣብዚ ደረጃ ሓንጐል ዘለዎ ብቕዓት ይንኪ። እዚ፡ ከም ሓደ ኣብ ፓርክ ዝጻወት ዘሎ ቈልዓ እዩ ሓንጐል ዝሰርሕ።

ጕርዝውና - እዚ ካብ ትሽዓተ ዓመት ዕድመ ጀሚሩ ዝቕየር፡ ኣብ ሓንጐል ዝርከቡ ምትእስሳራት ብልዑል ብቕዓት ክሓልፉ ከለዉ እዩ።

ዶክተር ሞስሊ፡ ኣብ መንጐ ምዕራፋት ሓንጐል ዘሎ ኣዝዩ ዓሚቕ ለውጢ ክገትልጽ እንከላ፡ "ዓቢ ለውጢ'ዩ፡" ትብል።

እዚ እዋን እዚ እውን እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዝጅምረሉ እዋን እዩ።

ጕርዝውና ኣብ ከባቢ ምጅማር ዕድመ ንእስነት ዝጅምር ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን።

እዚ ግን ካብቲ ዝገመትናዮ ኣዝዩ ድሒሩ ከም ዝውዳእ ዝሕብር መርትዖ ተረኺቡ ኣሎ።

ቅድም ኢሉ፡ እዚ ደረጃ ዕድመ ምስ ናይ ንእስነት ዕድመ ጥራይ (ኮተቴ) ዝተሓጽረ እዩ ተባሂሉ ይግመት ነይሩ። መጽናዕቲታት ኒውሮሳይንስ ግን ዚ ክሳብ 20ታትካን ሕጂ ድማ ኣብ መጀመርታ 30ታት ዝቕጽል ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ምዕራፍ እዚ፡ መርበባት ኒውሮን ሓጐንል ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ እንኰ እዋን እዩ።

እዚ ኣብ መጀመርታ ሰላሳታት ዕድመና፡ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጽሕ ዝሕብር ብዙሓት መለክዒታት እንተለው'ኳ፡ ሓንጎል ኣብ መንጎ ትሽዓተ ክሳብ 32 ዓመት ኣብ ሓደ ምዕራፍ ምጽናሑ ግን የግርመላ።

ሓሙሽተ ምዕራፋት ሓንጐል፤

  • ቍልዕነት - ካብ ልደት ክሳብ ትሽዓተ ዓመት
  • ዕድመ ንእስነት - ካብ ትሽዓተ ክሳብ 32
  • ዕድመ ጕርዝውና - ካብ 32 ክሳብ 66
  • ብኣጋ ዕድመ ምድፋእ - ካብ 66 ክሳብ 83
  • ዝደጐየ እርጋን - ካብ 83 ዓመት ንድሓር

ንዕድመ ብጽሕና ስዒቡ ሓንጐል ናብ ዝነውሐ ዘመኑ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፡ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምርግጋእ እዋን ይመጽእ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ለውጢ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ ዝተሓተኰይኑ፡ ኣብዚ ግን እቲ ምምሕያሽ ብቕዓት ሓንጐል ንድሕሪት ክግልበጥ ንርኢ።

ዶክተር ሞስሊ እዚ "ምስ ብዙሓት ዝረኣናዮ ወይ ዘሕለፍናዮ ብልሕን ስብእናን ዝተኣሳሰር እዩ፡" ኢላ።

ብኣጋ ዕድመ ምድፋእ - እዚ ኣብ 66 ዓመት ዝጅምር ኰይኑ፡ ሃንደበታዊን ቅልጡፍን ምንቁልቋል ግን ኣይኰነን። እኳ ድኣ ኣብ ቅድሚ ምትእስሳር ሓንጐል ለውጢ ይርኣይ።

እዚ ማለት፡ ኣብ ክንዲ ከም ሓደ ምሉእ ሓንጐል ዝወሃሃድ፡ እቲ ኦርጋን ናብ ብሓባር ብጽኑዕ ዝሰርሑ ዞባታት እናተፈላለየ ይኸይድ - እዚ ኣብ ሓደ ባንድ ዝጸንሑ ስነ-ጥበባውያን ናይ ርእሶም ፕሮጀክትታት ክጅምሩ እንከለው ገይርኩም ሕሰቡዎ።

እቲ መጽናዕቲ ጥዑይ ሓንጐል እኳ እንተረኣየ፡ እዚ ዕድመ እዚ ንጥዕና ሓንጐል ዝጸሉ ሕማም ረስዒን ልዑል ጸቕጢ ደምን ክረአ ዝጅምረሉ ዕድመ'ውን እዩ።

ዝደጐየ እርጋን - እዚ ደንጉዩ ዝመFeእ እርጋን፡ ኣብ 83 ዓመት ዕድመና፡ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ንኣቱ።

ኣብዚ ዙርያ፡ ስካን ንምግባር ጥዑይ ሓንጎል ምርካብ ዝያዳ በዳሂ ስለ ዝነበረ፡ ካብቶም ካልኦት ጉጅለታት ዝወሓደ መረዳእታ ኣሎ።

እቲ ናይ ሓንጐል ለውጢ ምስ ብኣጋ ዝመጽእ እርጋን ዝመሳሰልኰይኑ፡ ዝያዳ ግን ጐሊሑ ይርአ።

ዶክተር ማውስሊ፡ እቲ ብሓቂ ዝገረማ፡ እቶም ዝተፈላለዩ "ኣገደስቲ ምዕራፋት" ምስ ዕድመ ንእስነት፡ ኩነታት ጥዕናን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ።

ኣብ መጀመርታ 30ታት ዝረኣዩ ከም ፍርያምነት ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ዓበይቲ ማሕበራዊ ለውጥታት ክሳብ ክንደይ ምስዚ ምዕራፍ ዝስማምዑ ከም ዝዀኑ ድማ ተዓዚባ።

እቲ መጽናዕቲ ብብዙሓት ዝነኣድ እንተዀነ'ኳ፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፈላልዩ ኣይረኣየን፤ እንተኾነ ግን ከም ጽልዋ ንፅፈተ-ጽግያት ዝኣመሰሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድን እዩ።