ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብወግዒ ተፈጺሙ

ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብክብ ዝበለ ወግዒ ሎሚ ሰኑይ 19 መስከረም ተፈጺሙ።

እቲ ቀንዲ ወግዓዊ ህዝባዊ ስነስርዓት፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ህንጻ ፓርላማ ዌስትሚኒስተርን፡ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ፓላስን ዝርከበ ጥንታዊ ቤተክርስትያን ዌስትሚኒስተር ኣቢ እዩ ተፈጺሙ።

ፈለማ እቲ ኣብ ህንጻ ፓርላማ ብህዝቢ ክብጻሕ ዝቐነየ ሬሳ ንግስቲ፡ ቅድሚ ሰዓት 11 ናብቲ ቤተክርስትያን ኣምሪሑ። ወዲ ንግስቲ ኤልቤጥ ሓድሽ ንጉስ፡ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ኣሕዋቱ፡ ደቁን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ንግስነትን ዝርከብዎም ነቲ ሬሳ ኣሰንዮም ነቲ ሓጺር ጉዕዞ ተጓዓዚኦም።

ሬሳ ንግስቲ ዝሓዘ ሰረገላ፡ ኣብ ክንዲ ብኣፍራስ፡ ብልዕሊ 100 ዝኾኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተሳሒቡ’ዩ ተጓዒዙ።

ኣስታት 500 ዝኾኑ መራሕቲ መንግስታት፡ ነገስታት፡ ንግስትታት፡ ሰበስልጣንን ውልቀሰባትን ዝርከብዎም ዕዱማት ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፎም።

ኣብ ስልጣን ዘላ ሊዝ ትራስ እትርከቦም፡ 7 ቀዳሞት ሚኒስተራት ብሪጣንያ ነበር'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፎም።

ወግዓዊ መደብ ተወዲኡ፡ ልክዕ 12፡15 ምስኮነ ኸኣ፡ ሬሳ ዝሓዘ ሰገላ ብኣባላት ሓይሊባሕሪ እናተሳሕበ ናብቲ ሃይድፓርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ታሪኻዊ ሓወልቲ ዘለዎ መናፈሻ በጺሑ።

ካብኡ፡ ሬሳ ኣብ ፍልይቲ መኪና ተሰቒሉ፡ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ወገን፡ ካብ ለንደን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መንበሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ፍሉጥ ቤተንግስነት ዊንድዘር ኣምሪሑ። 

ሬሳ ንግስቲ ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ክሳብ ዝበጽሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ተሰሪዑ ዘለዎ ክብርን፡ ዝተሰምዖ ሓዘንን ክገልጽ ውዒሉ።

ግብኣተ መሬት

ብመዛሙር ዝተሰነየን ውሱናት ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ ስነስርዓት ጸሎት ኣብቲ ቀጽሪ ቤተንግስነት ዊንዘር ዝርከብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተክርስትያን ተኻይዱ። 

ዘውድን በትረስልጣን እታ ንግስትን ካብ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሓዋሩ ተላዒሉ፡ ናብ ዌስት ሚኒስተር ኣቢ ክምለስ ተረኪቡ። 

እቲ ንግስነት ኣዲኡ ተረኪቡ ዘሎ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ሓዘኑ ምስ ወድአ ብወግዒ ዘውዲ ክደፍእ ትጽቢት ይግበር። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዓቢ ጽንብል ዝካየደሉ ዕለት ዛጊት ኣይተቖጽረን።

እቲ ናይ ቀረባ ስድራቤት ንግስቲ ጥራይ ዝሳተፍሉ ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬት ግን ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ መካነ-ዝኽሪ ንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ (King George VI memorial chapel) ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ተፈጺሙ። 

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ጎኒ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2021 ኣብ መበል 99 ዓመቱ ዝዓረፈ ብዓል ቤታ ልኡል ፊሊፕ እያ ተቐቢራ ዘላ።

ኣብ ልዕሊ መቓብራ ድማ “Elizabeth 1926-2022” ክጸሓፎ’ዩ።

ብመራሕቲ ሃገራትን ሓዘንተኛታትን ዘዕለቕለቐት ከተማ ለንደን

ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ሓዘን ድባብ’ዩ ቀንዩ። ኣብ በቦትኡ’ውን ዝተፈላለዩ ንክብርን ዝኽርን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝምልከት መደባት ክካየዱ’ዮም ጸኒሖም።

ብዓቢኡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት እታ ሃገርን ወጻእን ዝመጸ ህዝቢ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ወጋሕታ፡ ክሳብ 24 ሰዓታት ዝወስድ ኣስታት 8 ኪሎሜትር ዝተዘርግሐ መስርዕ ተጸሚሙ ኣብ ኣደራሽ ዌስትሚኒስተር ዝነበረ ሬሳ ንግስቲ ብምብጻሕ ሓዘኑ ክገልጽ ቀንዩ። 

ማእከል ከተማ ለንደን ዳርጋ ብሓዘንተኛታት’ያ ኣዕለቕሊቓ ቀንያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቤተንግስነታት ድማ ኩምራ ዕንባባታት ይንበር ኣሎ። 

ብዘይካ’ዚ፡ ኣስታት 500 ዝኾኑ መራሕቲ መንግስታት፡ ነገስታት፡ ንግስትታት፡ ሰበስልጣን፡ ተሓጋገዝቶምን ናብዛ ከተማ ብምውሓዞም፡ ሓያል ጸጥታ’ዩ ክካየድ ቀንዩ።

ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ተሳቲፎም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ናይ ታንዛንያ ሱሉሁ ሳሚያ ሓሰን፡ ናይ ርዋንዳ ፓል ካጋመ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርን፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቁጽሮም ስለዝበዝሐ ናብ ዌስትሚኒስተር ብኣውቶቡስ ምዃዶም ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ’ሎ። 

ዓበይቲ ጎደናታትን ድልድላትን እታ ከተማ ተረጊጦም፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ለይትን ቀትርን ኣብ ጎደናታት ተዋፊሮም ቀንዮም።