እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ምሃብ ከምዝጅመር ኣሚቱ
ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውድብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ውድብ ተጠቀምቲ ረዲኤት ዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ከም ዝምረጹ ዝለዓለ ስልጣን እንተረኺቡ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ምዕዳል ሓገዝ መግቢ ክጅምር ተስፋ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ረድኤት ኣብ ዘይምዓላኡ ይውዕል ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ፡ መጀመርታ ኣብ ትግራይ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ምዕዳል ምቍራጹ ይፍለጥ።
ብጥሜት ንዝተሃስዩ ሰባት ዝተላእከ ሓገዝ ብብዝሒ ከምዝተዘመተን ከምዝተሸጠን ዝኸሰሰ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት መንግስቲ ኣሜሪካ (USAID) እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ኰይኑ፡ ብዓቢኡ ብሰንኪ ድርቂን ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድን ዘንቀሎ እዩ።
ውድብ መግቢ ዓለም ካብኣቶም ንኣስታት 6 ሚልዮን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ክህብ ከምዝጸንሐ ይግለፅ።
ተሓጋጋዚት ዳይረክተር፡ ምምዕባል ፖሊሲታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ቫለሪ ጓርኒየር፡ እቲ ትካል ኣብ ረድኤት መን ክወስድ ከምዘለዎ ኣብ ምውሳን ተራ ሰበስልጣን መንግስቲ ከባብያውን ክልላውን ከጐድል ከምዝደሊ ገሊጻ።
"ኣብ መስርሕ ምምራጽ ተጠቀምቲ፡ ንሕና ከም ውድብ መግቢ ዓለም፡ ከምኡ'ውን መሻርኽቲ ዝዀና ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝያዳ ቀጥታዊ ተሳትፎ ክህልወና ንደሊ" ትብል እታ ዳይረክተር።
መርመርቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ እቲ ትካል ኣብ ስርዓት ምክትታል ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ድኽመታት ከምዝነበሮ ምቅልዑ’ውን ሓቢራ።
እቲ ትካል፡ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣወንታዊ ምላሽ እንተረኺቡ፡ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ኣብ ትግራይን መዓስከራት ስደተኛታትን ዝግበር ሓገዝ ክቕፅል ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።
ካልኦት መደባት ውድብ መግቢ ዓለም፡ ንህጻናት፡ ነፍሰጾራትን ንዘጥብዋ ደቂ ኣንስትዮን ዝወሃብ ሓገዝ ኣመጋግባ ዝኣመሰለ፡ በቲ ምቍራጽ ሓገዝ ኣይተጸልወን።
ጓርኒየሪ፡ ወፈያታት ናብቶም ዘድልዮም ሰባት ይበጽሕ ከምዘሎ ምርግጋጽ ኣድላዪ ምዃኑ ንውሳነ ውድብ መግቢ ዓለም ደጊፋ ተዛሪባ።
"እቲ ዘድሊ ዓይነት ጽገናታት፡ ነቲ ለውጢ ንምፍጻም ምናልባት ጽንኩር ስጕምቲ ዝሓትት ነይሩ ይመስለኒ" ኢላ።
ውጽኢት መርመራ እንታይ ይብል?
ብግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ነዚ ጉዳይ ንምጽራይ ዝቘመ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውፀኦ ጸብጻብ ከምዘመላኽቶ፡ ኣካላት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ንተጠቀምቲ ክበጽሕ ዝግባኦ ሓገዛት ኣብ ምዝማት ግደ ከምዝነበሮም ኣመልኪቱ።
ኣተሓባባሪ ኮሚቴ መርማሪን ግዝያዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ጀነራል ፍስሃ ኪዳነ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሰበስልጣን ክልል ትግራይ፡ ኣተሓባበርቲ መዕቆቢታት ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን እውን ኣብቲ ዘይግቡእ ተግባር ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚቴ እቶም ንምግቢ ረዲኤት ብዘይግቡእ ዝተጠቐሙ ዝበሎ ኣካላት ዝወሰድዎ ብዝሒ ስርናይ፡ ዓተርን ዘይትን ብዝርዝር ጠቒሱ።
መንግስቲ ፌደራል ይዅን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ መልሲ ኣይሃብሉን።
ውድብ መግቢ ዓለምን ኣሜሪካዊ ኤጀንሲ ዓለማዊኻዊ ልምዓትን (USAID) ካብቲ ስርቂ መን ተጠቃሚ ከምዝኾነ እኳ እንተዘይረቑሑ፡ ካብ ጕጅለ ለገስቲ ወጻእተኛታት ዝለሓዂ ሓበሬታ ከምዝብሎ ግን፡ USAID ገለ መግቢ ናብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ይኣምን።
ጓርኒየሪ፡ መን ብድሕሪ እቲ ምጥፍፋእ ከምዘሎ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይብላን ውጽኢት መርመራታት ትጽበ ከምዘላን ገሊጻ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክስታት ይምርምሮ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ናይ ረድኤት ምቁራጽ 'ፖለቲካዊ' ብምባል፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋድዶ ምዃኑ ነቒፉ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ ረድኤት ወሲዱ ንዝብል ክሲ ነጺጉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዋሽንግተን ፖስት ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ሰፊሕ ስርቂ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዝተፈጸመ ብምርመራ ከምዝተረጋገጸን፡ በዚ ምኽንያት ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ሓገዝ ደው ከብሎ ከምዝደረኾ ይገልጽ።
እቲ ብ ዋሽንግተን ፖስት ዝተራእየን ካብ ለገስቲ ትካላት ዝለሐዀ ሰነዳት፡ እቲ ምጥፍፋእ ብቐንዱ ብትካላት ፌደራልን ክልላትን ከምዝተፈጸመ ይሕብር።
ብተወሳኺ፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ዕዳጋ ከምዝሽየጥን፡ ነጋዶ እውን ኣጥሒኖም ናብ ወጻኢ ሃገራት ከምዝሰደድዎን፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ሳዕቤን ምቍራጽ ረድኤት
ብፍላይ ኣብታ ንክልተ ዓመት ብደማዊ ዂናት ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ሓገዝ ድሕሪ ምቍራጹ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸን ኵነታት እናገደደ ከምዝመፀን ጸብጻባት ይሕብሩ።
መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ 13 ህጻናት ሞይቶም።
ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ዝሕከሙ ዝነበሩ 7 ህጻናት ኣብ ግንቦት ሞይቶም።
ኣብ ወረዳ ሳምረ ድማ፡ 25 ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱን ብዙሓት ህጻናት ንሕጽረት ምግቢ ከምዝተቓልዑን ድምጺ ወያነ ሓቢራ።