እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያታ፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሩቶ ንፈለማ እዋን 'ዮሃና' ኢሉ
ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ንዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ ንፈለማ እዋን እንቋዕ ደስ በለካ ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ኣብቲ መረጻ ንገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ዝገደፈ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ከም ዝሳተፍ’ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ትማሊ ዓበይቲ ዓወታት ዘመነ ስልጣኑ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንውጽኢት መረጻ ብዝተኣሳሰር ንዝቐረበሉ ሓያለ ጥርዓናት ነጺጕ፡ ነቲ ብኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዝተገልጸ፡ ዕዉት ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝዀነ ኣጽዲቑ’ዩ።
ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን 10 ዓመታት ሃገሩ ለውጢ ከም ዘምጽአት ብምግላጽ፡ ተካኢኡ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እንተሃለዎ’ውን ንዅሉ ኬንያዊ ብማዕረ ንኸገልግል ኣተሓሳሲቡ።
ኬንያታ፡ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ካብ ዘመዝገቦም ዓበይቲ ዓወታት፡ ማእከላይ ስልጣን ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ክከፋፈል ምግባር ከምኡ’ውን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣባል ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትከውን ምግባር ዝብሉ ጠቒሱ።
ሎሚ 13 መስከረም 2022 ንዝፍጸም ጽንብል ምስግጋር ስልጣን ክከታተል ዝተመደበ ጕጅለ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ቃለመሓላ፡ መራሕቲ ልዕሊ 20 ሃገራት ዕድመ ከም ዝተገብረሎም ገሊጹ።