ቱርኪ፡ ንልዕሊ 2000 ዓመታት ክእሰር ሕቶ ዝቐርበሉ ዘሎ ውሩይ ከንቲባ ኢስታንቡል

ዓቃቢ ሕጊ ናይታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ፡ ንህቡብ ከንቲባ ኤክረም ኢማሞግሉ፡ ካብ 828 ክሳብ 2,352 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዝእዝዝ 142 ገበናት ብልሽውና ከሲሱ።

ቀንዲ ፖለቲካዊ መወዳድርቲ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ተባሂሉ ዝግለጽ ኢማሞግሉ፡ ብብልሽውና ተጠርጢሩ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ'ዩ ይርከብ።

ከንቲባ ኢስታንቡልን ተቓዋሚ ሰልፊ ሪፓብሊካን ህዝባዊ ሰልፍን ኢማሞግሉ ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ ብምግላጽ፡ እቲ ፕረዚደንትን መሻርኽቱን ንውድቀቱ ዝኣለምዎ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ይዅን እምበር ዋና ዓቃቢ ሕጊ እታ ከተማ ንኢማሞግሉ ጥራይ ዘይኮነስ ንኻልኦት 401 ሰባት ዒላማ ብምግባር፡ ከንቲባ ኢማሞግሉ "መስራትን መራሕን" ናይቲ ገበናዊ መርበብ ብልሽውና ከምዝዀነ ዝገልጽ ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣኪን ጉርሌክ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ መርመራ፡ እቶም 105 ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጥርጡራት፡ ጉቦ ኣብ ምውሳድን ምቕባልን ከምኡ'ውን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ተዋፊሮም ዓቢ ገበናዊ ትካል ኣቚሞም ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ መንግስቲ 3.8 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዝጋጠሞ እቲ ዝቐረበ ክሲ ይሕብር።

ኣብ 2018 ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ኰይኑ ቀሪቡ ዝነበረ ኢማሞግሉ፡ ብ12 ክስታት ጉቦ፡ 7 ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ካብ ገበናዊ ኣታዊታትን ተወሳኺ 7 ክስታት ምትላል ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላትን ትካላትን ዝብል ዝርከቦም ክስታት'ዮም ቀሪቦምሉ ዘለዉ።

ማዕከን ዜና ኣናዶሉ፡ ተኸሳሲ በዚ ቀሪብሉ ዘሎ ክስታት ገበነኛ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ እቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ክሳብ ናይ 2,430 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዘፍርድ ኣቓሊሑ።

ኣብ መጋቢት እዚ ከንቲባ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ብዝተላዓለ ሓያለ ተቓውሞታት ኣማኢት ምስ ፖሊስ ዝተጋጨዉ ሰባት ንክእሰሩ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እቲ ከንቲባ ኢስታንቡል ነበር ኣብ ወሰን ከተማ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማርማራ ተኣሲሩ ይርከብ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ካብቲ ጉዳይ ብልሽውና ወጻኢ፡ ብምስላል፡ ወርቓቕቲ ትምህርቲ ብምስናዕን ዝበሉ ገበናት'ውን ከሲሶምዎ ኣለዉ።

ሰብመዚ ቱርኪ፡ እቲ ፍርዳዊ ኣካል ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ክሲ ብትሪ ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።

ምእሳር እቲ ከንቲባ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ብዙሕ ምግምማዕ ፈጢሩ ዘሎ ፍጻመ'ዩ።

መራሒ ሰልፊ ሲኤችፒ ኦስጉር ኦዚል ኣብ ኤክስ፡ ምእሳር ኢማሞግሉ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንሰልፊ ሱኤችፒ ካብ ስራሕ ወጻኢ ንምግባር ንኢማሞግሉ ኣብ ዝመጽእ 2028 ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኸይወዳደር ንምግባሩ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቐዲሙ'ውን ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሲኤችፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰልፎም ካልእ ሰብ ንፕረዚደንትነት ከምዘይወዳደርን "ገበኑ [ኢማሞግሉ] ንዝቕጽል ፕረዚደንትነት እዛ ሃገር ምውድዳር'ዩ። ካልእ ገበን የብሉን!" ምባሉ ይዝከር።

ወዲ 54 ዓመት ኢማሞግሉ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2019 ከንቲባ ኰይኑ ተመሪጹ፡ ኣብ ሚያዝያ 2024 ድማ ዳግማይ ተመሪጹ።

ንሱ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኤከይ ከኣ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ ጸብለል ኢሉ'ዩ ዳግማይ ከንቲባ ኰይኑ ተመሪጹ።

ድሮ ነቲ ንኣኽባር ሕጊ ኢስታንቡል ብምጽራፍን ብምፍርራሕን ኣብ ሓምለ ናይ ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ዝተውሃቦ ብይን ይግባይ ኢሉ ኣሎ።