ፕረዚደንት ረሲፕ ኤርዶጋን ንቐንዲ መወዳድርቱ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ሓያል ተቓውሞታት ተባሪዑ

ቀንዲ መወዳድርቲ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ዝዀነ ኤክሬም ኢማምግሉ 'ብብልሽውና' ተኸሲሱ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ መላእ ቱርኪ ሓያል ተቓውሞታት ኣካዪዶም።

እዚ ንሰለስተ ዓመታት ከንቲባ ከተማ እስታንቡል ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኤክሬም ኢማሞግሉ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንሰልፉ ወኪሉ ከም ሕጹይ ፕረዚደንት ክምረጽ ትጽቢት ነይሩ።

ከም ሳዕቤን ማእሰርቱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ቱርኪ ርእያቶ ብዘይትፈልጥ ደረጃ ብተቓውሞ ክትናዓው ከላ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትክን ናይ ጎማ ጥይትን ተኵሶም።

ኢማሞግሉ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ፖለቲካዊ ድርኺት ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ቅድሚ ናብ ማእሰርቲ ምእታዉ "ፈጺመ ኣይምብርከኽን እየ፡" ኢሉ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ነቲ ሪፖብሊካዊ ሰልፊ ብምውቃስ፡ "ሰላምና ክዘርጉን ህዝብና ክገማምዑን ዝነቐሉ እዮም፡" ክብል ወቒሱ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ትማሊ ሰንበት ንሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ኣደራሽ ከተማ ኢስታንቡል ተኣኪቦም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ብመስርዕ ዝተሰለፉ ኣባላት ፖሊስ ኰይኖም ባንዴራታት ቱርኪ እናኣንበልበሉ ክጭድሩ ተራእዮም።

ሓድሓደ መካይን ፖሊስ ድማ ብሓይሊ ማይ ክግጭባን ቀጭቀጭ ዘብል ቀመማት ክጥቀማን ተራእየን።

ብዓልቲ ቤት ኢማሞግሉ ዲሌክ ካያ ኢማሞግሉ ኣብ ግዳም ናይቲ ኣዳራሽ ንዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ እቲ ብዓልቤታ ዘጋጠሞ 'በደል'፡ "ንነፍሲ ወከፍ ሕልና ከም ዝትንክፎ፡" ንሰልፈኛታት ገሊጻ።

እዚ ብሰንኪ ማእሰርቲ ኢማሞግሉ ተላዒሉ ዘሎ ተቓውሞ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2013 ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ፓርክ ብምፍራሱ ዝተጀመረ ታቕውሞ፡ እታ ሃገር ካብ ዝርኣየቶ ዝዓበየ እዩ።

ኣብዚ ተቓውሞ፡ ካብ 81 ግዝኣታት ቱርኪ ብውሕዱ ኣብ 55 ሰልፍታት ከም ዝተኻየዱ ፈረንሳዊ ማዕከን ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኢሞሞግሉ ምስ'ቶም ብድምር 100 ዝበጽሑ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ነጋዶን ዝሓለፈ ረቡዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ ነይሩ።

ትማሊ ሰንበት ድማ ብወግዒ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። "ገበናዊ ጕጅለ ብምቛምን ምምሕዳርን፣ ጉቦ ብምብላዕ፣ ገንዘብ ብግዴታ ብምቕባልን ኣብ ጨረታ ብምትላልን ወዘተ፡" ዝብል ክስታት ቀሪብሉ።

ፍርዲ ክሳዕ ዝወሃቦ ድማ ናብ ማእሰርቲ ተመሊሱ ይርከብ።

ኢማሞግሉ ካብ ናይ ከንቲባ ስልጣኑ'ውን ተኣጊዱ ከም ዘሎ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኢማሞግሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፋት፡ ማእሰርቱ "ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲና ጸሊም ነጥቢ" ክብል ብምንቃፍ፡ ፍርዳዊ ኣገባብ ይኽተል ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ክጽንበሩን ኣብቲ ናይ ሰንበት ድምጺ ክሳተፉን ኣተሓሳሲቡ።

ኢማሞግሉ ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ብመንገዲ ጠበቓታቱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ መልእኽቲ፡ ነቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሰባት ሰላምታ ብምልኣኽ፡ "ኤርዶጋን ከም ዘብቅዐ፡" ከም ዘርኣዩ ገሊጹ።

እቲ ሪፓብሊካዊ ሰልፊ፡ ትማሊ ሰንበት ኣስታት 15 ሚልዮን ሰባት ድምጺ ከም ዝሃቡ ገሊጹ።