ዕሉል መራሒ ሽወደናዊ ጕጅለ ገበን ኣብ ቱርኪ ተታሒዙ

መራሒ ናይ ሓደ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ጕጅለ ገበን ዝዀነ እስማዒል ዓብዶ፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ። እዚ ሰብ'ዚ ኣብ ሽወደን ሓደ ካብ'ቶም ተደለይቲ ሰባት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ቱርካዊ-ሽወደናዊ ዜጋ ምስ ዕጸፋርስ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ክስታት ስሙ ከም ዝጥቀስ ዓለምለኻዊ ትካል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ሓቢሩ።

እዚ 'ዘ ስትሮቤሪ' ብዝብል ዝጽዋዕ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ሽወደን ፍሉጥ መራሒ ጕጅለ ገበን ሩምባ እዩ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ዘይሕጋዊ ስርሒታት ብምውዳብ ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ድማ ብኢንተርፖል መቐየዲ ትእዛዝ ወጺኡዎ ጸኒሑ።

ፖሊስ ሽወደን መንነቱ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ኣብ ሽወደን ንነዊሕ ዓመታት "ኣብ ከቢድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ተዋፊሩን ከበድቲ ገበናት ኣለዓዒሉን፡" ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓለ ኣረጋጊጹ።

እዚ መራሒ ጕጅለ፡ ፖሊስ ስርሒት ኣካዪዶም 19 ሰባት ኣብ ዝሓዝሉ እዋን ኣብ መንጎኦም ነይሩ። ፖሊስ ልዕሊ ሓደ ቶን ዕጸፋርስ ከም ዝሓዙ እኳ እንተ ገለጹ፡ እቲ ስርሒት ብልክዕ ኣበይ ከም ዝተኻየደ ግን ዛጊት ኣይገለጹን።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ 21 ጥርጡራት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ተዋሂቡ። ካብዚኦም እቶም 14 ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዘለዉ ዝእመን ኰይኑ፡ እቶም ሰለስተ ድማ ብኻልእ ክስታት ድሮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ይግለጽ። ኣርባዕተ ገና ከም ዘይተታሕዙ ማዕከን ዜና ቲ.ኣር.ቲ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ቱርኪ ኣስታት 38 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት፡ 20 መካይን፡ ሕሳብ ባንክ፡ ከምኡ'ውን 51 ገዛን መሬትን ዘጠቓለለ ንብረት ከም ዝሓዙ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሽወደን ዝፍጸም ዓመጽ ጕጅለታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናወሰኸ መጺኡ። ዓርኪ ዓብዶ ነበር ራዋ ማጂዳ ድማ መራሒ ናይ ሓደ ተቐናቓኒ ጕጅለ ፎክስትሮት እዩ።

እቶም ጕጅለታት ኣብ ሓድሕዶም ኣብ ዝገበሩዎ ውግእ ሓያሎ ሞይቶም እዮም። እቲ ዓመጽ ዝገደደ፡ ኣብ 2023 ኣደ ዓብዶ ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ ገዛ (ከባቢ ስቶክሆልም) ምስ ተቐትለት እዩ።

እዚ ድማ መንግስቲ ነቲ ብጕጅለ ዝፍጸም ቅትለት ደው ንምባል ዝሕግዙ ወተሃደራት ክሰድድ ተገዲዱ።

ፖሊስ ቱርኪ ኣብ 2024 ኣብ ስሩዕ ምፍታሽ ትራፊክ እንከለዉ ንዓብዶ ሒዞሞ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኢንተርፖል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣሕሊፉ እናሃለወ ግን ክኸይድ ሓዲጐሞ። ንዓብዶ ናብ ሽወደን ክመልስዎ ዝደለዩ ሰበስልጣን ሽወደን ነዚ ውሳነ ነቒፎሞ።

ኣብ ሽወደን ዓመጽ ጕጅለታት ብዓቢዩ ወሲኹ፣ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ናብ ጽምው ዝበለ ከባቢታት ተዘርጊሑ። እዚ ድማ ነታ ናይ ውሕስቲ ሃገር ምስሊ ዘለዋ ሽወደን ሃስዩዋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ረብሓታት እስራኤል ወይ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣባላት ሽወደናውያን ጕጅለታት መልሚላ ኣላ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ኣብ ጥቅምቲ ሓደ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ ናብ ቤት ጽሕፈት እስራኤላዊ ትካል ቴክኖሎጂ ኤልቢት ሲስተምስ ተኲሱ ነይሩ። ኣብ ሽወደንን ዴንማርክን ዝርከባ ኤምባሲታት እስራኤል እውን ክልተአን ዒላማ ተገይረን እየን።

ኣብ 2022 ምስ ተመረጸ፡ ነቲ ሰንሰለት ገበን ጕጅለታት ክበታትኽ ቃል ዝኣተወ ኣመሓዳሪ ጥምረት ሽወደን፡ ምምራኽ ዓብዶ ከም ዓወት ክርእዮ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ዓብዶ ዜጋ ቱርኪ'ውን ብምዃኑ ነቲ መስርሕ ኣሕሊፍካ ምሃብ ክሓላልኾ ይኽእል እዩ።

ጸብጻብ ፖሊስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን ኣስታት 14,000 ኣባላት ጕጅለታት ገበነኛታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ የመልክት። ተወሳኺ 48,000 ሰባት ድማ ምስኦም ምትእስሳር ከም ዘለዎም ይንገር።