ብራዚል፡ ፕረዚደንት ነበር ቦልሶናሮ ብውዲት ዕልዋ መንግስቲ ማእሰርቲ 27 ዓመታት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, EVARISTO SA/AFP via Getty Images
ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃየር ቦልሶናሮ፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ንምሓዝ ውዲት ገይሩ ብዝብል ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ ን27 ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ሓሙሽተ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዮም ነቲ መራሒ ነበር ብማእሰርቲ ክቕጻዕ ፈሪዶምዎ ዘለው።
ቦልሶናሮ፡ ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብጸጋማዊ መወዳድርቱ ሉዊዝ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝዓለመ ውዲት ብምምራሕ ገበነኛ እዩ ክብሉ ወሲኖም።
ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሳብ 2033 ንመንግስታዊ ስልጣን ከይወዳደር'ውን ኣጊዶምዎ።
ካብቶም ዳያኑ እቶም ኣርባዕተ ገበነኛ ኰይኑ ክረኽብዎ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ድማ ናጻ እዩ ዝብል ድምጺ ሂቡ። ጠበቓታት ቦልሶናሮ ነቲ ፍርዲ "ልዕሊ ዓቐን ዝተጋነነ'ዩ፡" ብምባል "ግቡእ ይግባይ" ከም ዘቕርቡ ገሊጾም።
ካብታ ሃገር ከይወጽእ ብዝብል ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ቦልሶናሮ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ፍርዲ ብኣካል ኣይተረኽበን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ግን፡ እዚ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2026 ንኸይወዳደር ዝተኣልመ ምትዕንቓፍ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ብኻልእ ክሲ'ውን ካብ ንሕንሕ ዝተኣገደ ኰይኑ፡ እቲ ጕዳይ "መሰረት ዘይብሉ መጥቃዕቲ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ነዚ ሓሳብ ዝደገፈ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ኣብ ልዕሊ ክሲ ቦልሶናሮ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ብራዚል 50 ሚእታዊት ቀረጽ ከም ዘንበረ ይፍለጥ።
ትራምፕ ነቲ ገበነኛ ዝብል ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ "ኣዝዩ ዘገርም" ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ብምግላጽ ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮ ኣነጻጺሩዎ።
"እዚ ኣዝዩ ከምቲ ምሳይ ክገብርዎ ዝፈተኑ'ዩ፤ ግን ኣይኰነሎምን፡" ኢሉ።
ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል "ፕረዚደንት ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ክእሰር ብዘይፍትሓዊ መገዲ ወሲኑ፡" ብምባል፡ "ነዚ መሰረት ዘይብሉ መቕጻዕቲ ምላሽ ከም ዝህብ፡" ኣፈራሪሑ።
ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ብራዚል ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ "ከምዚ ሎሚ ብጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንሓደ በዓል ስልጣን ብራዚል ዘጥቅዕን ነቲ ሓቅታትን ኣብ መዝገብ ዘሎ ኣገዳሲ መርትዖን ዕሽሽ ዝብልን መግለጺ፡ ንዲሞክራሲ ዘማሕምሕ ኣይኰነን፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ወዲ 70 ዓመት ቦልሶናሮ፡ ሕጂ ዝተረፈ ዕድመኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፎ ዝገብር ኵነታት ገጢምዎ ኣሎ።
ጠበቓታቱ ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝለኣኽ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክጸንሕ ኣለዎ ብምባል፡ መቕጻዕቲ ናይ ምቅላል ውሳነ ክወሃቦም ትጽቢት ይገብሩ።
ነቲ ፍርዲ ብምቅዋም ይግባይ ከም ዝብሉ እውን ገሊጾም፤ እንተዀነ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ "እዚ ካብቶም ሓሙሽተ ዳያኑ እቶም ክልተ ብናጻ ክሰናበት ድምጺ እንተዝህቡ ጥራይ እዩ ዝኸውን" ብምባል ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሮም።
ቦልሶናሮ ብሓሙሽተ ክስታት'ዩ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ፤ ኵሎም ምስቲ ኣብ መረጻ 2022 ብዝተሓሓዝ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝገበሮ ፈተነ ዝተኣሳሰሩ'ዮም።
ዓቃቢ ሕጊ ግን፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ውዲት ክገብር ከም ዝጀመረን ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዕልዋ መንግስቲ ክግበር ሓሳብ ከም ዘቕረበን ብምግላጽ፡ ኣብ ስርዓተ መረጻ እታ ሃገር መሰረት ዘይብሉ ጥርጣረታት ከም ዝዘርአ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ቦልሶናሮ ንሉላን ምክትል ፕረዚደንታዊ መወዳድርቱን ከምኡ'ውን ንሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንምቕታል ዝዓለመ ውጥን ከም ዝነበሮ ከም ዝፈልጥ ገሊጹ።
እቶም ዳያኑ ነቲ ውዲት ከም ዝመርሐ ከረጋግጹ እንከለው፡ ሸውዓተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት'ውን ገበነኛ ተባሂሎም ኣለው።
እዚኦም፡ ክልተ ምኒስተራት ምክልኻል ነበር፡ ሓላፊ ስለያ ነበርን ምኒስተር ጸጥታ ነበርን ይርከብዎም።
እቲ ውዲት ንኽስጕም ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዅል ድጋፍ'ኳ እንተዘይረኸበ፡ ብ8 ጥሪ 2023 ደገፍቲ ቦልሶናሮ ንህንጻታት መንግስቲ ከም ዝወረሩ፡ እቶም ዳያኑ ሓቢሮም።
እቲ ኵነታት ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱ እንከሎ፡ ልዕሊ 1500 ሰባት ተኣሲሮም።
ነቲ ጕዳይ ክከታተሎ ዝጸንሐ ክኢላ ሕጊ ኣሌክሳንደር ዴ ሞራስ፡ ብራዚል ናብ ምልካውነት ክትኣቱ ተጸጊዓ ነይራ ኢሉ።
"ብራዚል ዳርጋ ናብቲ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ምልካዊ ታሪኻ ክትምለስ ዝተጸግዐት ምዃና ንርስዖ ኣለና። ምኽንያቱ ሓደ ጕጅለ ፖለቲካ ዝሓቘፈ ገበነኛ ትካል፡ ኣብ መረጻ ከም ዝስዓር ስለ ዘይፈልጥ'ዩ፡" ክብል ቅድሚ እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ "ቫይረስ" ብምንጽጻር፡ እዚ ቫይረስ እንተተገዲፉ ነቲ ዝሓቘፎ ሕብረተሰብ ተመሊሱ ክቐትሎ ይኽእል እዩ ኢሉ።
ካብቶም ሓሙሽተ ዳያኑ እቲ ክሲ ዘነጸጐ እንኮ ተቓዋሚ ሉዊዝ ፉክስ ኰይኑ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ናይ 11 ሰዓታት መደረ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጃየር ቦልሶናሮ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ከም ዘይብሉ መጒቱ። በዚ ምኽንያት እቲ ክሲ ንኽቋረጽ ኣድሚጹ።
ብሓሙስ ግን፡ ኣብቲ ፓነል እንኮ ጓለንስተይቲ ዳኛ ዝዀነት ካርመን ሉቺያ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብራዚል ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ብምግላጽ፡ "ንምልካውነት ዝዀነ ዓይነት መከላኸሊ ኣይተቕርበሉን፡" ክትብል ኣጠንቂቓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







