ኣብ ብርኮም ዘስተንፍሱ ደቀ'ርብዓ ከዋኽብቲ ኵዕሶ ዓለም

ቶቲ፣ ክርስትያኖ ሮናልዶን ዘላታን ኢብራሂሞቪች

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ዕድመ እንክለዓል፡ ብዛዕባ 40 ዓመት ዝብሃል ብዙሕ'ዩ- በቢኣንፈቱን ባህሉን።

ኣብ ገለ ገለ ቦታታት 'ደቀርብዓ ዘርባዕብዓ' ዝብል ዕድመ ከም ዝተፋረቐን ጸዓትን ረስንን ንእስነት ከም ዝዛሕተለን ዝገልጽ ኣበሃህላ ሰሚዕኩም ትዀኑ ኢኹም።

ብኣንጻሩ፡ ዝኻዕበተ ተሞክሮ ዘማእዝኖ ዝበለጸ ሚዛን ርድኢት፡ ሰፊሕ ልቦናን ውልቃዊ ዕብየትን 40ታት ዝገልጽ 'ህይወት ኣብ ኣርብዓ'ዩ ዝፍልም' ዝብል ጽዋ'ውን ኣሎ።

ብሂላት ብዘየገድስ ግን፡ ስነ-ህይወት (ባዮሎጂ) ዘምጽኦ ዘይክሓድ ለውጢ'ውን ኣሎ- ንወዱ ጓሉ- ኣብ ብርክኻ ምስትንፋስ' ተቋርጸሉ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ናበይ ከነብለኩም ከምዝደለና ድሮ ኣሚትኩም ትኰኑ! ዕድመን ብቕዓትን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ'ዩ እቲ ዛዕባ።

ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ካብቶም ቀልጢፉ 'እርጋን' ዘርክቦምን ካብ ቀንዲ ዓውዲ ስርሖም ብኣጋ ዝእለዩን (ጥሮታ ዝወጹ) እዮም።

ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ'ዩ 30 ስግር ምስ በሉዋ ዘለዎም ዋጋ ከንቆልቁል ዝርአ።

ነዚ በዲሆም ዝደምቁ ሓያለ ደቀ'ርብዓ ከዋኽብቲ ኩዕሶ ዓለም ግን ኣለዉ- ኣብ ብርኮም ዘስተንፍሱ 'ዕድመ ቁጽሪ'ዩ' ንዝብል ብሂል ዝኹልዑ. . .

ሮናልዶ ኣርባዓ ኣትዩዋ ኣሎ

ሓደ ካብ ደሙቓት ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣርባዕተ ዓሰርተ መሊኡ'ሎ።

እቲ 5 ሽልማት ባሎንዶር ዝተጓናጸፈ ውሩይ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ ዋሕዚ ሸቶታቱ እናቐጸለ'ዩ ወደ'ርብዓ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብ ፕሮ ሊግ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝጻወት ዘሎ ሮናልዶ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ነቲ ኣብ ልዕሊ 20 ዓመት ዘመዝገቦ ሸቶታት ናብ 923 ኣብጺሕዎ'ሎ።

እቲ ምስ ዓበይቲ ክለባት ስፖርቲን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፣ ሪያል ማድሪድ፣ ጁቨንቱስን ከምኡ'ውን ኣል-ናስር እልቢ ዘይብሉ ዋንጫታት ዝዓተረ ወትሩ ቁጽሪ 7 ማልያ ዝወዲ ሮናልዶ፡ ስሩዕ ኣጥቃዓይ ሃገራዊ ጋንታኡ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ'ውን መርኣያ ዕድመ ዘይገደቦ ብቕዓቱ'ዩ።

ሮናልዶ ቁፅሪ ሸቶታቱ 1000 ኸይደፈነ ሳእኑ ዝድርቢ ኣይመስልን'ዩ ዘሎ. . . ።

'ሲ-ኣር-7' (CR7) ግን ንበይኑ ኣይኮነን፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ስፖርት ብዙሓት ብሩሃት ደቀ'ርብዓ ኣያታት ኣለውዎ።

ክርስትያኖ ሮናልዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍራንቸስኮ ቶቲ

ነዚ ውሩይ ኢጣልያዊ ዓንዲ-ማእከል ካብ ብዙሓት ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ምስ ሓንቲ ጋንታ ፈሊሙ ምስኣ ናይ ጸወታ ዕድመኡ ዝዛዘመ ምዃኑ'ዩ።

ፍራንቸስኮ ቶቲ ኣብ 1993 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ምስ ክለብ ሮማ ምስተጸንበረ የዕንቱን ኣእጋሩን ናብ ካልእ ከየበላ፡ ጫምኡ ኣብ ሜዳ ጂያሎሮሲ ኣብልዩወን።

ምስታ ጋንታ ኣብ 786 ግጥማት ብምስልፍ ድማ ክብረወሰን ሮማ ሒዙ ይርከብ። ብዘይካ'ዚ 307 ሸቶታት ብምምዝጋብ'ውን ኣብታ ጋንታ ተወሳኺ ክብረወሰን ተጓናጺፉ'ዩ።

ቶቲ፡ ወዲ 22 ዓመት እንከሎ'ዩ ሓለቓ ጋንታ ሮማ ክኸውን በቒዑ፡ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ 'ሰሪ-ኣ' (ቀዳማይ ሊግ ኢጣልያ) ፈላሚ'ዩ ነይሩ። ኣብ ዓመተ-ውድድር 2000-1 እታ ጋንታ ዋንጫ ሰሪ-ኣ ክትዓትር ግደ ቶቲ ቀሊል ኣይነበረን።

ንመወዳእታ ግዜ ምስታ ክለብ ዝተሰለፈሉ ግዜ 28 ግንቦት 2017፡ ወዲ 40 ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ምስኮነ'ዩ ነይሩ።

ፍራንቸስኮ ቶቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 22 ዓመት ምስኮነ ሓለቓ ጋንታ ዝኾነን ክብረወሰን ክለቡ ሒዙ ዘሎን ገዲም ተጻዋታይ

ቴዲ ሸሪንግሃም

እንግሊዛዊ ቴዲ ሸሪንግሃም'ውን ወዲ 42 ዓመት ምስ ኮነ'ዩ ኣብ ዓመተ-ውድድር 2007-08 ጫምኡ ሰቒሉ።

እቲ ፕሮፈሽናል ጸወትኡ ብዕቱብ ምስ ጋንታ ሚልዋል ዝፈለመ ሸሪንግሃም፡ ኣብ 1991 ብኖቲንግሃም ፎረስት ተመንጢሉ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ 1992 ናብ ቶተንሃም (ስፐርስ) ተሰጋጊሩ።

ፕሪሚየርሊግ ኣብ ዝፈለመሉ ዓመተ-ውድድር ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ድማ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ሰገረ'ዩ ዝያዳ ደሚቑ። ምስ ዩናይትድ ሰለስተ ዋንጫታት ፕሪምየርሊግ ተዓዊቱ።

ብዙሓት ደቀ'ርብዓን ልዕሊኦምን ዝኾኑ ደገፍቲ 'ረድ ደቨልስ' ዝያዳ ዝዝክርዎ ግን በታ ኣብ 1999 ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ዘመዝገባ ምስ ባየር ሙኒክ ማዕረ ዝገበረቶም ሸቶ እያ።

ኣብ መወዳእታ ድሓር ኣሰልጣኒ ዝኾነ ኦለ ጋናር ሶልሻየር ብዘመዝገባ ካልኣይቲ ሸቶ ዩናይትድ ዋንጫ ተጓናጺፋ።

ኣብ ዓመተ-ውድድር 2000-01ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ዓመት ኮይኑ ብማሕበር ጸሓፍቲ ኩዕሶ እግሪ ተሸሊሙ ነይሩ።

ቴዲ ሸሪንግሃም ኣብ ታሪኽ ፕሪሚየርሊግ ብዕድመ ዝዓበየ ሸቶ ዘመዝገበ ብምዃን ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ- በታ ወዲ 40 ዓመትን 268 መዓልቲን እንከሎ ኣንጻር ፖርትምዝ ዘመዝገ ሸቶ።

ቴዲ ሸሪንግሃም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሮማሪዮ

ኣብ 1988 ኣበይ ኔርኩም ትኾኑ? ኣብ 1994 ከ? ኣብተን ዓመታት ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ወይ ዋንጫ ዓለም 10 ዓመት መሊእኩም እንተነይሩ ኣርብዓ ኣትዩኹማ ወይ ሓሊፍኩማ ኣለኹም. . .

'ዘልና ድኣ' ድዩ ዝበለ ፍሉጥ ኮመዲያን ዳንዲያጎ፡ ንሮማርዮ ኣይትርስዕዎን ትኾኑ።

ምኽንያቱ ሓደ ካብ ብሉጻት ኣጥቃዕቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ ብራዚላዊ ሮማሪዮ ኣብቲ ኣብ 1988 ዝተኻየደ ውድድር ኦሊምፒክስ ዝበዝሐ ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ብምንባሩ'ዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓይኒ ክለባት ኣውሮጳን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪን ኣትዩ።

ኣብ 1988 ካብ ዝዓበየላ ብራዚላዊት ጋንታ ቫስኮ ዳ ጋማ ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ፒ-ኤስ-ቪ ኢንድሆቨን ዝሰገረ ሮማሪዮ፡ ጸኒሑ ናብ ባርሰሎና ተጸምቢሩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኤን ክለባት ድማ ብድምር 167 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡ ክሳብ ኣብ 1995 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ምስ ጋንታ ፍላመንጎ ዝጽንበር።

ሮማሪዮ ኣውራ ተፈላጥነት ዘጥረየሉ ግን ንሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዝነበሮ ኣበርክቶ'ዩ።

ንሃገሩ ኣብ ዝተሰለፈለን 70 ግጥማት 55 ሸቶታት ዘመዝገበ እቲ ኣጥቃዓይ ኣብቲ ብራዚል ዝተዓወተትሉ ዋንጫ ዓለም 1994 ኣመሪካ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ዓመት ተባሂሉ ዝተሸለመ'ዩ።

ሮማሪዮ ወዲ 43 ዓመት ምስኮነ'ዩ ካብታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ሕዳር 2009 ዝተሰለፈላ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነይሮ እትርከብ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ብወግዒ ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ተፋንዩ- ዋላ'ኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓጺር ግዜ ምስ ወዱ ሮማሪንሆ ክስለፍ ናብ ጸወታ ተመሊሱ እንተነበረ።

ሮማርዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቀ'ርብዓ ዘይትርስዕዎ ብራዚላዊ ኣጥቃዓይ

ሃቬር ዛነቲ

ኣርጀንቲናዊ ሃቬር ዛነቲ ካብ 1995 ጀሚሩ ን19 ዓመታት ምስ ኢጣልያዊት ክለብ ኢንተርሚላን ዝነበረ'ዩ።

ዛነቲ ኣብ 862 ግጥማት ብምስላፍ ኣብታ 'ነርኣዙሪ' ተባሂላ ትፍለጥ ክለብ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።

እቲ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ነበር፡ ኣብ ዓመተ 2013-14 መበል 41 ልደቱ ከብዕል ሰለስተ ኣዋርሕ ምስተረፎ'ዩ ካብ ኩዕሶ ዓለም ተሰናቢቱ።

እቲ 5 ዋናጩ ሰሪ-ኣ ዝዓተረ ዛነቲ፡ ኣብ 2010 ድማ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ኢንተር ነበር ጆሰ ሞሪንሆ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ክጓናጸፍ ዝበቕዐ ገዲም ተጻዋታይ እዩ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና'ውን ኣብ 145 ግጥማት ብምስላፍ ክሳብ ሕጂ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ። ኣብ 2011 ካብታ ሃገራዊት ጋንታ ተሰናቢቱ።

ሃቬር ዛነቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ክብረወሰን ዘለዎ ገዲም ተጻዋታይ

ጂያንሉዊጂ ባፎን

ጂያንሉዊጂ ባፎን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢጣልያዊ ጂያንሉዊጂ ባፎን ብብዝሒ ዝተሰለፈሎም ግጥማት ኣብ ሰሪ-ኣ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ። ብዓለም ደረጃ'ውን ማዕሪኡ ዝተሰለፈ ሓላዊ-ልዳት የለን።

ባፎን ኣብ ነሓሰ 2023 ኣብ መበል 45 ዓመቱ'ዩ ካብ ኩዕሶ ዓለም ጠቕሊሉ ተሰናቢቱ።

ኣብተን ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝተሰለፈለን 28 ዓመታት ምስታ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓላ ጁቨንቱስ 10 ዋናጩ ሰሪ-ኣ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ዋንጫ ዓለም 2006 ዓቲሩ።

ኣብ ዓመተ 2018-19 ድማ ካብ ሰሪ-ኣ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ምስ ፒ-ኤስ-ጂ ዋንጫ ቀዳማይ ሊግ ተዓዊቱ።

ኣብ 2017 ብሉጽ ሓላው-ልዳት ናይቲ ዓመት ተባሂሉ ዝተሸለመ ባፎን ዝተፈላለየ ሽልማት ክሓፍስ ዝበቕዐ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ እዩ።

ከይረሳዕና፡ ሓላው-ልዳት ክኸውን ዝደረኾ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ኣብ ዋንጫ ዓለም 1990 ተኣምር ክሰርሕ ዝራኣዮ ኣፍሪቃዊ ሓላው-ልዳት ካሜሩናዊ ቶማስ ኮኖ ምዃኑ ትፈልጡዶ?

እቲ ውሩይ ሓላው-ልዳት ባፎን፡ ቅድሚ ጫማኡ ምስቃሉ፡ ናብታ ዝዓበየላ ጋንታ ፓርማ ተመሊሱ ኣብ 19 ግጥማት ተሰሊፉ ምንባሩ'ውን ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ።

ዝላታን ኢብራሂሞቪች

ዝላታን ኢብራሂሞቪች

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህቡብ ስዊድናዊ ኣጥቃዓይ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ሓደ ካብዞም ድሙቓት ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ናይዚ ቀረባ እዋን'ዩ።

ምስ ኢጣልያውያን መቐናቕንቲ ዝኾና ክለባት ኤሲሚላንን ኢንተርሚላንን፡ ከምኡ'ውን ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ-ኤስ-ጂን እንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድን ዝርከብአን ጋንታት ኣብ ዝተሰለፈሎም ግጥማት ከኣ ብድምር 511 ሸቶታት ዘመዝገበ'ዩ።

እቲ 14 ዋናጩ ሊጋት ኣውሮጳ ዝዓተረ ዝላታን ን11 እዋን ንሽልማት ባሎንዶር ተሓጽዩ ነይሩ።

ናይዚ ሓያል ኣጥቃዓይ ዘገርም ነገር፡ ምስዚ ኩሉ ዘብረቕርቕ ዓወታቱ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ክዓትር ዘይተዓደለ ምዃኑ'ዩ። ሓንቲ መጸናንዒቱ እታ ምስ ዩናይትድ ኣብ 2017 ዝዓተራ ብካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ዋንጫ ሊግ ኣውሮጳ (ዩሮፓ ካፕ) እያ ነይራ።

እቲ ብብዝሒ ዘመዝገቦ ሸቶታት ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ክብረወሰን ሒዙ ዝርከብ ኢብራሂሞቪች፡ ኣብ ዝተሰለፈለን 122 ግጥማት 62 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡ኣብ መበል 41 ዓመቱ ካብ ኩዕሶ እግሪ ተሰናቢቱ። ምናልባት እቲ እናሓደረ ዝስውድ ዘሎ ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ክትክኦ ይኽእል ይኸውን፡ መን ይፈልጥ!

ሪያን ጊግስ

ሪያን ጊግስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም ሎሚ ከይኮነ ዩናይትድ ዓወታት ኣብ እትሓፍሰሉ ዝነበረት እዋን ቀላሲ ጋንታ ዝነበረ ጊግስ

ደገፍቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘይርስዕዎ ካልእ ክሳብ ኣርባዓታት ዕድሚኡ ዝደመቐ ተጸዋታይ ድማ ብሪጣንያዊ (ዌሊሻዊ) ሪያን ጊግስ እዩ።

ዩናይትድ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ዓወታት ኣብ እትሓፍሰሉ ዝነበረት እዋን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ማእከል ዝቕልስዋ ዝነበሩ ኮይኑ፡ 13 ዋንጫ ፕሪሚየርሊግ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ኤፍ-ኤ፡ ከምኡ'ውን ክልተ ዋንጫታት ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ዝርከብዎ 34 ዋናጩ ዝኾመረ'ዩ።

ኣብ ኦልትራፈርድ ኣብ ዝነበረለን ዓመታት ኣብ 963 ግጥማት ዝተሰለፈ ጊግስ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ዌልስ ድማ ኣብ 64 ግጥማት ተጻዊቱ።

'ጊግሲ' ምስታ ሓንቲ ካብ ድኹማት ዝብሃላ ሃገራዊት ጋንታ ብምንባሩ ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ግጥማት ኣይተሳተፈን። እንተኾነ ግን ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ 2012 ሓለቓ ጋንታ ብሪጣንያ ብምዃን ተሰሊፉ ነይሩ። ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ)፡ ስኮትላንድ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ነናተን ሃገራዊት ጋንታ ኣለወን፡ ኣብ ኦሊምፒክስ ግን ባንዴራ ብሪጣንያ ብምሓዝ ከም ሓንቲ ሃገር'የን ዝሳተፋ።

ሪያን ግጊስ ኣብ 2016 ኣብ መበል 40 ዓመቱ ካብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ምስንባቱ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ሉዊስ ቫንጋል ኮይኑ ነይሩ።

ፓውሎ ማልዲኒ

ፓውሎ ማልዲኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ሓንቲ ጋንታ ን25 ዓመታት ዝተሰለፈ ውሩይ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም

እቲ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሓደ ካብ ዝበለጹ ተኸላኸልቲ ምዃኑ ዝንገረሉ ኢጣልያዊ ፓውሎ ማልዲኒ ምስ ክለብ ኤሲ-ሚላን ጥራይ'ዩ ኣሕሊፍዎ።

ኣብተን ምስ ሚላን ዝጸንሓለን 25 ዓመታት ከኣ ኣብ 902 ግጥማት ተሰሊፉ።

ንሸውዓተ ግዜ ዋንጫ ሰሪ-ኣ ዝተዓወተ ማልዲኒ፡ እታ 'ሮሶነሪ' ተባሂላ ትፍለጥ ጋንታ 5 ዋናጩ ቻምፕዮንስሊግ ክትዓትር'ውን ዓቢ ግደ ዝተጻወተ'ዩ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ኣብ 126 ግጥማት ዝተሰለፈ እቲ ገዲም ተጻዋታይ፡ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም 2006 ምብጽሑ'ዩ ደጊም ኩዕሶ እግሪ ይኣኽለኒ ኢሉ ተሰናቢቱ።

ብደረጃ ክለብ ግን ኣብ 2009 እዩ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ተሰናቢቱ።

ኤሲ-ሚላን፡ ነታ ኣብ ጸወታ ዝኽደና ዝነበረ ማልያ ቁጽሪ ሰለስተ ንኽብሩ ጥሮታ ከምእትወጽእ ምግባራ'ውን ንኣበርክቶ ናይቲ ኣብነታዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ዝምስክር'ዩ።

ካዙዮሺ ሚዩራ

ካዙዮሺ ሚዩራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሮናልዶ፡ ባፎን፡ ማልዲኒ፡ ኩሎም ረስዕዎም፡ ጃፓናዊ ካዙዮሺ ሚዩራ ኣብ 2007 ወዲ 40 ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ከይተረፈ ጥቓ ምስንባት ኣይቀረበን ነይሩ።

ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን መበል 58 ዓመተ-ልደቱ ከኽብር ዝዳሎ ዘሎ ሚዩራ ነበር ከይመስለኩም፡ ገና ምስ ረስኑ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ጃፓናዊት ጋንታ ኣትለቲኮ ሱዙካ ምስቶም ብዕድመ ደቁ ወይ ደቂ-ደቁ ዝኾኑ ተጻወትቲ ሓኾት ይብሃል ኣሎ።

እቲ ብደገፍቱ "ንጉስ ካዙ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘገርም ተጻዋታይ ኣብ 1986 እዩ ምስ ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ (ንፐለ ዘዕበየት ጋንታ) ኩዕሶ እግሪ ፈሊሙ።

ኣብ ዝቐጸሉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ምስ ፓልመይራስ፡ ጀኖዋ፡ ዲናሞ ዛግረብ፡ ቪሰል ኮብ፡ ሲድኒ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኣይ ዲቪዢንእ ትርከብ ፖርቱጋላዊት ጋንታ ኦሊቨረንስ ተጻዊቱ።

ካብ 1990 ክሳብ 2000 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ኣብ ዝተሳተፈለን 89 ግጥማት ድማ 55 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ካብተን ዝዓተረን 18 ዋናጩ እታ ኣብ 1992 ዝተጓናጸፋ ካፕ ኤሲያ ትርከቦም። ኣብቲ ዓመት'ውን ዝበለጸ ተጻዋታይ ኤስያ ኮይኑ ተሸሊሙ ነይሩ ንብለኩም።

ሮጀር ሚላ፡ ኢል-ሓዳሪ፡ ብዋልያ፡ ግሮበላርን ዊዓን

ሮጀር ሚላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዘይርሳዕ ዝኽሪ ዝገደፈ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ'ውን ናብ ዋንጫ ዓለም 1994 ክንመልሰኩም፡ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ ኣፍሪቃውያን ንመን ትዝክሩ?

ስምኩም ትረኸብ- እቶም ሓያል ናይ ምዝካር ክእለት ዘለኩም። እወ እቲ ኣብ መበል 42 ዓመትን 39 መዓልታትን ዕድሚኡ ኣንጻር ሩስያ ሸቶ ዘመዝገበ ሮጀር ሚላ ማለትና'ዩ።

ዋላ'ኳ እቲ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝጸንሐ ኣፍሪቃዊ ክብረወሰን ብማሪሽሳዊ ከርስለይ ኣፑ እንተ ተመንጠለ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ብዕድመ ዝዓበየ ምዃኑ ግን ዝወሰደሉ የለን።

እቲ ኣብ ሰለስተ ዋንጫ ዓለም ንሃገሩ ወኪሉ ዝተሰለፈ ሚላ፡ ብፍላይ ኣብቲ 38 ዓመት ኮይኑ ዝተጻወተሉ ውድድር 1990 በሪሆም ካብ ዝወጹ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ'ዩ።

እቲ ኣባል ናይታ "ጸይጸዓዱ ኣናብስ" ተባሂላ ትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ዝነበረ ሚላ፡ ካብ ጥሮታ ተመሊሱ'ዩ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፉ።

ሮጀር ሚላ በቲ ኣብ ጥቓ ባንዴራ ኩርናዕ ኰይኑ እናሳዕሰዐ ሸቶታቱ ብምጽንባል ወትሩ ዘይርሳዕ ዝኽሪ ዝገደፈ ኮኾብ ኣፍሪቃ'ዩ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም ሩስያ 2018 ወዲ 45 ዓመትን 161 መዓልቲን ዝነበረ ግብጻዊ ኢሳም ኢል-ሓዳሪ'ውን ኣባል ናይዞም ኣብ ኣርብዓታት ደመቑ ከዋኽብቲ እዩ። ኣብ ሸውዓተ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተሰለፈ ኢል-ሓዳሪ ኣርባዕተ ግዜ ነታ ዋንጫ ክዓትራ ዝበቕዐ'ዩ።

ዛምቢያዊ ካሉሻ ብዋልያ'ውን ካልእ ካብ ጥሮታ ተመሊሱ ክሳብ ወዲ 41 ዓመት ምስኮነ፡ ከም ኣሰልጣኒን ተጻዋታይን ኮይኑ ዝተሰለፈ'ዩ። ኣብ 2003 ኣብ መበል 68 ደቂቕ ከም ቅያር ኣትዩ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋቡ ድማ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ፡ ሓላው ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ዙምባብወ ዝነበረ ብሩስ ግሮበላር'ውን ክሳብ ወዲ 41 ዝኸውን ከም ተጻዋታይ-ኣሰልጣኒን ኣብቲ ስፖርት ምንባሩ ምጥቃስ ርትዓዊ'ዩኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ባሎንዶር ክዕወት ዝኸኣለ እንኮ ኣፍሪቃዊ ጆርጅ ዊያ እውን ወዲ 51 ዓመት ምስኮነ'ዩ ኣብ መስከረም 2018 ንሃገሩ ንምዕዋት ናብ ጸወታ ተመሊሱ።

እቲ ዘገርም ኣብቲ እዋን ኣብ ሊበርያ ኣብ ዝተኻየደፕረዚደንታዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ድሕሪ ምዕዋቱ'ዩ ነይሩ።

ፈለማ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ኣብ 2002 ዝተሰናበተ ዊያ፡ ወዲ 40 ምስ ኰነ ተመሊሱ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።