እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ስጉምቲ
ግብጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት "ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ብስቱር፡ ብውሕዱ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎገት" ኣብ ግብጺ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ እዚ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዘጋጠመ ዝምልከት ጥራይ ምዃኑ'ውን ይነግሩ።
በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ'ቲ ኣብ ካይሮ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩሉ ከባቢታት ድሕሪ ዝተገብረ ግፋ፡ ፈለማ ምስተኣስሩ ኣብ 'ጊስም ሌዋ' ዝብሃል ቤትማእሰርቲ፣ ካብኡ ናብ 'ጊስም ቡላእ' ጸኒሖም ድማ ናብ 'ዱጊ' ዝብሃል ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘሰጋገርዎም፡ ዓድል ዝተባህለ [ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ] ኤርትራዊ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ዘሰክፍ እቲ ዝካየድ ግፋታት ንደቀንስትዮ ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ወሃብቲ ሓበሬታ ካብ ካይሮ ይገልጹ።
"ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮ ወረቐት ይሃልወን ኣይሃልወን ገፊፎም ይኣስርወን ኣለዉ፣ በቲ ዘሎ ግፋ እንድሕር ተታሒዝካ ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ጥራይ'ዩ ዕጫኻ! ካልእ ዋላሓንቲ የለን፡" ይብል ዓድል ካብ ካይሮ።
ንሱ ነቲ ዝወርዶም ዘሎ ጸገማት ከረድእ እንከሎ፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ስራሕ እንከላ ብምግፋፋ ውላዳ ምስ ገለ ፈተውቲ ክጽጋዕ ተገዲዱ።
ይዅን እምበር ብዘይውላዳ ናብ ኤርትራ ከይጥርዝዋ ብምስጋእ ወዳ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ክህብዋ'ኳ እንተፈተኑ ስለዝኸልከልዋ ክሳብ ሕጂ ካብ ውላዳ ተፈልያ ክትሕየር ከምዝተገደደት ይገልጽ።
"ተገዲዳ ናብ ኤርትራ ንኽትጥረዝ ከይትውስን እውን ውላዳ ገዲፋ ክትከይድ ከቢድ እዩ፣ ወጺኣ ውላዳ ከይትኣሊ ድማ ዕድል የለን። ምስ ውላዳ ከይትእሰር እውን ኣብዮማ" ብምባል እቲ ዘላቶ ኵነታት ከቢድን ኣጨናቕን ምዃኑ የረድእ።
ብመሰረት'ቲ እዞም ስደተኛታት ዝሃብዎ ሓበሬታ መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ወርሒ ክሳብ 3 ወርሒ ምስ ኣሰርዎም ብመንገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝጥርዝዎም ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ኵነታት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ
ኣብ ግብጺ ንዘለዉ ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ኵነታት፡ እቲ ናይዚ እዋን ዝጸንከረ ምዃኑ ብፍላይ እቶም ነዊሕ ኣብኡ ዝተቐመጡ ኤርትራውያን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ሕጂ ዘሎ ተርእዮታት ግፋን ምጥራዝ ናብ ኤርትራን፡ ተኣሳሲሩ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት እዩ ገዲዱ፡ ይብል [ነዚ ጽሑፍ ስሙ ንድሕነቱ ዝተቐየረ] ሽምድሓን ዝተባህለ ኤርትራዊ። "እዚ ማለት ድማ ድሕሪ ኵነታት ሱዳን ብዝሒ ስደተኛታት ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቍጠባዊ ጸቕጢ ዘጋደዶ" ከምዝዀነ ይገልጽ።
ሽምደሓን፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተቐመጠ ኤርትራዊ ኰይኑ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ነቲ ኵነታት ክርእዮ ይፍትን።
"ኣብ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ምስ መንበሪ ፍቓድ ተኣሳሲሩ ግፋን ምክልባትን ብኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ዝጸንሐ ይዅን እምበር፣ እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት ግን ቅድም ኢሉ ብፍላይ ምስ ኵነታት ሸርፍን ቍጠባን ዝተሓሓዝ ሸነኽ ከም ዘለዎ" እውን የረድእ።
ከም ኣገላልጻኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መጠን ሸርፊ ፓውንድ ግብጺ ብመንጽር ዶላር፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 1500 ናብ 7000 ደዪቡ ክሽረፍ ምስ ጀመረ፡ መንግስቲ ቍጠባኡ ንምጽናዕን ንምቍጽጻርን ኣብ ልዕሊ እቶም ገንዘብ ዘሽርፉ - ብኻልእ ኣዘራርባ ሓዋላ ዝሰርሑ - ዝነበሩ ሰባት፡ ኤርትራውያን ይዅኑ ሱዳናውያን ብጻዕቂ ሃድን ከካይድ ጀሚሩ።
እዚ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ተርእዮ ግፋ፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ዝተራእየ እዩ።
ምስ ቍጠባ ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳይ'ውን ብዝተወሳኺ፡ ምስ ምምጻእ ብዝሒ ስደተኛታት ናብታ ሃገር፡ ቍጠባዊ ኵነታት ብሓፈሻ ድማ ናብራ ተራ ግብጻውያን ኣዝዩ ከምዝተጸልወን ከምዝሓሰመን ይእመን።
እዚ ማለት ዋጋ ክራይ ገዛ፣ ሃለኽቲ ኣቝሑን ካልእ መዓልታዊ መነባብሮን ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ተራ ግብጻዊ እናዀነ ምስ መጸ፡ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛ ብሓፈሻ ቅሬታታት እናዓሞቐ፣ ነቲ ቍጠባዊ ኵነታት ምስ ስደተኛ ኣተኣሳሲሮም ክርእይዎ ስለዝጀመሩ ድማ ጽልኣት ኣሕዲሮም፣ ብሕማቕ ዓይኒ ክጥምትዎን ክጻብእዎን ጀሚሮም፡" ይብል ሽምደሓን።
ብወገን ግብጻውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዘለዎም ካልእ ቅሬታ ምስ ባህሊ ዝተኣሳሰር ምዃኑ'ውን ኵሎም እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ነበርቲ ካይሮ ይገልጹ።
"ምስ ኣከዳድና፡ መስተን ሰቲኻ ዝግበር ባእስን ዕግርግርን" ከም ምኽንያት ከቕርቡ ይስማዕ እዩ።
"ኣብ ግብጺ መስተ ዝሽየጥ'ኳ እንተዀነ፣ ክትሰቲ ግን ኣብ ገዛኻ እንተዘይኰይኑ ባራት ወይ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣይስተን እዩ፡" ኢሉ ዘረድእ ሽምደሓን፡ "ኣባና ግን ብሕቡእ መስተ ዝሸጣ ስግሬቶታት ኣለዋ - ናይ ሓበሻ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንግደት ናይ ገዛውትና እናበልካ ዝግበር ነናይ ገዛውትኻ ወይ ዓድኻ በዓላት፣ ስዋ ጌርካ መስተታት፣ ሰቲኻ ድማ ወድኻ ጓልካ ናብ ጽርግያ ምውጻእ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣዋልድ ዝገብርኦ ሓጺር ክዳውንቲ... ወዘተ ነቶም ደቂ ዓዲ ደስ ኣይብሎምን እዩ፡" ኢሉ የረድእ።
ኣብዚ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ዝገብሮ ቈላሕታ ኣብ ዝምልከት፡ "ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጐ ኤርትራውያንን ግብጻውያንን ተኣኪብካ ብጕጅለ ባእሲ ከምዝነበረ ዘዕልል፡ መንእሰይ ሽምደሓን "ኣብ ሻርዕ ዛሬባን ሻርዕ ዓሸራን፡" ከቢድ ነይሩ፡ ይብል።
እዚ ኣሰካፊ እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ግን "ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ኣትይዎ፣ ምስ ኣባላት ጸጥታ ግብጺ ብምርድዳእ፡ ብሽምግልና ከምዝፍታሕ ተገይሩ፡" ብምባል፡ ተገዳስነት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ደሓን ምትሕብባር ከምዝግበር የረድእ።
ምስ ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት ዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝቐርብ ክሲታት ኣብ ዝምልከት፡ ዓድል "ንስደተኛታት ዝወሃብ ወረቐት ከክም ደረጅኡ፡ ጻዕዳ፣ ቢጫን ሰማያውን ካርድታት እዩ፡" ነዚ ወረቐት ሒዝካ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ግብጺ ንምርካብ ንክልተ ዓመት እዮም ቈጸራ ዝህቡኻ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ቈጸራ ድማ እትረኽቦ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ መንበሪ ፍቓድ እዩ - ሕጂ'ኳ ንሓደ ዓመት ገይሮምዎ ይበሃል ኣሎ፡" ብምባል መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ንባዕሉ ዝተሓላለኸ ስለዝዀነ፡ ብኸምኡ ዝቐርብ ክሲታት ቅኑዕ ከምዘይኰነ የረድእ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ "ኤርትራዊ ቀልጢፋ ክገላገል ምእንቲ ናብ ምኽፋል ስለዝጓየ፣ ንሳቶም ድማ ነዚታት መዝሚዞም፣ ምስዚ ሕጂ ዘለውዎ ቍጠባዊ ኵነታት፡ ገንዘብ መርከቢ ኢሎም ነቲ ስደተኛ የከላብትዎ፡" ክብል ሽምድሓን ይውስኽ።
መስርሕ ግዱድ ምጥራዝ እንታይ ይመስል?
እቲ መስርሕ ብኣፍልጦ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝካየድ ዝገልጽ ዓድል ብወገኑ
"ነቶም ተገፊፎም ዝተኣስሩ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ እዮም ዝወስድዎም፣ እቶም እሱራት ምስ መጹዎም ድማ እቲ መንግስቲ ብግዴታ ናቶም ፍቓድ ይደሊ። 'ንዓድኹም ተመለሱ ወይ ድማ ሓላፍነት ኣይንወስድን ኢና' ኢሎም እንታይ እዩ ምርጫኹም ይብልዎም።እቶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝወሰኑ ድማ ኤምባሲ መስርሕ ምምላስ የሳልጠሎም።
"እቶም ናብ ኤርትራ ክንከይድ ኣይንደልይን ኢና ዝበሉ ግን በቃ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ማእሰርቲ ጥራይ'ዩ ዕጫኦም፡" ብምባል እቲ መስርሕ ከመይ ምዃኑ ወሃብቲ ሓበሬታ የረድኡ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከት ካብ ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣብ ግብጺ ሓበሬታ ተወኪስና፤ ዝዀነ ምላሽ ግን ኣይተዋህበን።
ኣብ ግብጺ ስደተኛታት ከእሰሩን ክስጐጉን ሓድሽ'ኳ እንተዘይኰነ፡ቅድሚ ሕጂ እቶም ስደተኛታት ናብ ዩኤንኤችሲኣር ምስዝጠርዑ ጠበቓ ተዋሂብዎም ብመስርሕ ቤትፍርዲ ጉዳዮም ፍታሕ ይረኽብሉ ነይሮም እዮም። ሎሚ ግን እዚ መስርሕ ኣብ ዘይብሉ ስደተኛ ዝማጐት ይዅን ዝሰሞዖም ከምዘየለ ይሕብሩ።
"ዩኤንኤችሲኣር፡ ሎሚ ከም ቀደም ዓቕምን ጽልዋን የብሉን፤ ኣባላቱ ዳርጋ ኵሎም ግብጻውያን ምዃኖም ድማ ሓጋዚ ኣይኰነን፡" ክብል ሽምድሓን የረድእ።
ዓድል ብወገኑ፡ "ኣነ ባዕለይ ዝረኣኽዎ ክምስክር እንድሕር ኰይነ ናብቲ ቀጽሪ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣብ ዝኸድኩሉ ሓደ ካብቶም ዝተነጽጉ እየ። ሕጂ'ውን ተሌፎን ደውል ይብሉኻ፣ ትድውል ግን ዝዀነ ዝገብርዎ ነገር የለን። ሎምስ ኣለዉ ድዮምከ ኢና ንብል ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ስለምንታይ ስደተኛ ኣዝዩ ክቡር ነይሩ፡" ብምባል እቲ ኵነታት ከም ዝተቐያየረ ይገልጽ።
ኵነታት እቶም እሱራት ከ እንታይ ይመስል? ንዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበ ሕቶ፤
"እቶም ስደተኛታት ምስ ከቢድ ገበናት ዝገበሩ ደቅ'ቲ ዓዲ ስለዝኣስርዎም ንድሕነቶም ኣሰካፊ ብምዃኑ ግዜ ማእሰርቶም ተሸቝሪሮም ብፍርሒ እዮም ዘሕልፍዎ" ይብሉ።
እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ድማ ነቶም ገለ ብስራሕ ገለ ዕለታዊ ኣስቤዛ ክገዝኡ በታ ዝተኸደኑዋ ምስ ወጹ ዝተኣስሩ ብጾቶም ደሃይ ክገብሩን ኵነታቶም ክፈልጡን ላዕልን ታሕትን ይብሉ።
ነዚ ኣመልኪቶም ክገልጹ እንከለዉ፡ እቶም ወሃብቲ ሓበሬታ፡ ነቶም እሱራት ክትበጽሕን ከተዘራርብን ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ "እቶም ኣባላት ፖሊስ ግብጺ'ውን ኣሸገርቲ ስለዝዀኑ፡ ካብ ተራ ዋርድያ ክሳብ'ቲ ዝለዓለ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብሽቑረራ ገንዘብ እናሃብካ ኢኻ ትኸይድ" ብምባል ቀሊል ከምዝይኰነ ይሕብሩ።
"እቲ ዝኸፍአ ሓላፊ ብደገ ርኸቦ ይብሉኻ፣ እሱር ኣብ እንዳ ፖሊስ እንከሎ ተጓይኻ ገንዘብ ከተምጽእ ትግደድ፤ ግዜ እንተወሲዱ ግን ናብቲ ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ ይውሰድ ኣብኡ ድማ መውጽዒ የለን፡" ይብል መንሰእይ ሽምደሓን።
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ 21 መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ተመስገን መሓሪ ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድሕሪ ምግፋፉ፡ ኣብ ኣጉዛ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብቲ ቤትማሕቡስ ከምዝሞተን ሰበስልጣን ግብጺ ንስድራቤቱ ከምዝሓበሩን ኣስፊሩ ኣሎ።
እዞም ኣብ ግብጺ ተገፊፎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበር ኰይኑ፡ እቲ መስርሕ ከምቲ ዝተገልጸ ብመንገዲ ኤምባሲ ኤርትራ እዩ።
ሕጋዊ ወረቐት ስደተኛ ዘለዎ፣ ከምኡ ድማ ፍቓደኛ ዘይኰነ ስደተኛ ኤምባሲ ንሃገሩ ክመለስ ከምዘየገድድዎ ወሃብቲ ሓበሬታ የረጋግጹ።
ኣብ ግዜ ማእሰርቲ'ውን ካብ ኤምባሲ መሰነይታ ወረቐት ሒዝካ፣ ወይ ብኣባላት ኤምባሲ ተሰኒኻ ብዘይጸገም ተገፊፎም ንዝተኣስሩ ኤርትራውያን ክትበጽሕ ዘሎ ምትሕብባር ዝነኣድ ምዃኑ'ውን፣ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝግበር ቈላሕታ ኣዝዩ ዝተመሓየጸሸ ኰይኑ ከምዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ኤርትራ ምስኣተዉ ነናብ ቤቶም ከም ዝፋነዉ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። እንተዀነ ሓያለ ካብኣቶም ተመሊሶም ብስግረዶብ ናብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሱዳንን ወይ ናብታ ድሕሪ ደማዊ ኲናት ገና ዘይሓወየት ዘላ ትግራይን ይሰግሩ፣ ካብኡ ድማ ናብ ግብጺ ዝተመልሱ ሓያለ ከምዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
እዞም ኣብ ግብጺ ንግዱድ ማእሰርትን ምስጓግን ተቓሊዖም ዘለዉ ስደተኛታት ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንስደተኛ ውሕስነት ክረክብ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ይምሕጸኑ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ከይገብር ዕንቅፋት ዝዀነ ግፋ፡ ምክልባትን ማእሰርትን ክተርፍ ኣብ ምግባር ኤምባሲ ኤርትራ ጻዕሪታቱን ተገዳስነቱን ከሓይል ይላበዉ።