እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓረስተይቲ ንምዃን ካብ ኣየርላንድ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰት በረከት ወርቁ
በረከት ወርቁ ኣብ ወላይታ ኣስታት 600 ሄክታር ብምልማዕ ኣሕምልትን ዝተፈላለዩ ፍሩታን ተፍሪ።
ንገዛእ ርእሳ ‘ጻዕራም ሓረስታይ’ ‘ሓረስታይ በረከት’ እናበለት ብምጽዋዕ ትፍለጥ።
ማሕረስ ኣዝዩ ዝተኸበረ ሞያ ከምዝኾነ እትገልጸሉ መገዲ እዩ።
ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ነቲ ስራሕ ቅድሚ ምጅማራ ኣብ ኣየርላንድ፡ ደብሊን እያ እትነብር ኔራ።
ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነት በረከት፡ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾኑ ወለዲ ኣብ ሃዋሳ እያ ተወሊዳ ዓብያ።
ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርታ’ውን ኣብኡ ድሕሪ ምዝዛም ንስራሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣቕኒዓ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ቤት መዝገብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር’ውን ኣገልጊላ እያ።
ብድሕሪኡ ናብ ዩጋንዳ ብምኻድ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካቨንዲሽ ሕጊ እናተማሃረት ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን እናተመላለሰት ንሸውዓተ ዓመታት ሰሪሓ።
ምስ ኣየርላንዳዊ በዓልቤታ’ውን ኣብኡ እያ ተላልያ። ብድሕሪኡ ናብ ኣየርላንድ ተጓዒዛ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ደብሊን ክትነብር ጀሚራ።
“ማሕረስ ዝጀመርኩ ብምኽንያት ኣቦይ እዩ”
በረከት ናብ ማሕረስ ብሰንኪ ኣቦኣ ከምዝኣተወት እያ ትዛረብ።
“. . . ኣቦይ ኣብ ታቦር ቀዳማይ ደረጃ መምሀር እዩ ኔሩ። ኣብ ኮሌጅን መምህራን ማንዴላ ናይ ርሕቀት ትምህርትን’ውን ይምህር ኔሩ። ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዚኡ ስራሓት ሕርሻ የርእየና ኔሩ። ሰፊሕ ሕርሻ ዘይኮነ 2 ሄክታር፣ 3 ሄክታር ኣብ ናይ ስድራ መሬት እዩ ዘርእየና . . .”
ኣቦኣ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ኣብ ዝረኸበሉ ናብ ሱሉልታ ሒዝዎም ይኸይድ ምንባሩ ትዝክር።
ክረምቲ ምስ ኣቦኣ ብምዃን ኣብ ሕርሻ ብምውፋር እያ ተሕልፎ ኔራ።
ኣብ እዋን ሓጋይ ከኣ ኣብ ገዛ ዝተፈላለዩ ኣትኽልቲ ተፍልስ ኔራ።
“. . . ምሩቅ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ዝኾነ ኣቦና መሃያኡ ንኣና ንምዕባይ እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ኣብ ገዛና ፈልሲታት ምድላው፡ ቅርጻ ቅርጺ ምስራሕን ካልእ ዝተፈላለየ ስራሓት ንሰርሕ ኔርና።”
ነፍሲ ወከፍ ኣብል ስድራ ኣብዞም ንጥፈታት ይዋፈር ኔሩ።
ደሓር፡ ካብቶም ሽዱሽተ ኣሕዋት፡ እታ ንእሽቶ ናብ ስነጥበብ ክተብል እንከላ ምዕባያ ከኣ ናብ ሕርሻ እዩ ኣትዩ።
ንሳ’ውን ፍቕሪ ሕርሻ ካብ ሽዑ ከምዝሓደራ ትዛረብ።
ወላ ኣብ ካልእ ስራሕ እንተተዋፈረት’ውን ፈልሲ ትተክል ኔራ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምክልኻልን ኣብ ቤትምኽርን ዝሰርሐትሉ እዋን ነቲ ቀጽሪ ተወቅቦ ምንባራ ትዛረብ።
ኣብ መወዳእታ ጠቕሊላ ናብ ሕርሻ ኣትያ።
“ምስ ሓው ሙሰቬኒ ኣብ ሕርሻ እሰርሕ ኔረ”
በረከት ናብቲ እትፈትዎ ሞያ ቅድሚ ምእታዋ ካብ ዓዲ ዝወጸት፡ ስድርኣ ኣብ ጸገም ብምንባሮም እዩ።
ነቲ እዋን ብኸምዚ ትዝክሮ።
“ህየወት ከቢድ እዩ ኔሩ። ኣቦና ናይ ከስዐ ካንሰር ሓሚሙ። ካንሰር እንታይ ምዃኑ’ውን ንፈልጥ ኣይነበርናን። ኣብቲ እዋን ዝነበረና ንብረት ኩሉ ሼጥና ኔርና። ኣነ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሪት እንከለኹ ቆልዓ ኔሩኒ። ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ቆልዓ እናዕበዩ፡ ናብራ ቀሊል ኣይነበረን። ናብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምኻድ ዕድል ምስ ረኸብኩ፡ ምውጻእ መሪጸ። ስራሕ ተወዳዲረ ምስ ረኸብኩ ናብ ደቡብ ሱዳን ከይደ።”
ኣብ ደቡብ ሱዳን ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ ናይ ወተሃደራት ዕጥቂ ንምግዛእ ናብ ዩጋንዳ ትመላለስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ናይ ሎሚ በዓልቤታ ተላልያ።
ካፒቴን ፍሉይ ሓይሊ ኣየርላንድ ዝኾነ በዓልቤታ ሽዑ ኣሰልጣኒ ሓለውቲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቬኒ እዩ ኔሩ።
ሕርሻ ኣብ ዩጋንዳ ናይ ምጅማር ዕድል ዝረኸበት’ውን ሽዑ ምዃኑ በረከት ትገልጽ።
“ቅድሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እየ ሕርሻ ጀሚረ። ምስ ንእሽቶ ሓው ሙሰቬኒ ዝኾነ ጀነራል ሳሌሕ ሕርሻ እሰርሕ ኔረ። ንሱ ሰፊሕ መሬት ስለዝነበሮ፡ ኣብ ናቱ መሬት እየ ዝሰርሕ ኔረ።
በረከት ኣብ ቻይና፣ ሞዛምቢክ፣ ዓዲ ጣልያን፣ ታንዛንያ ድሕሪ ምጽናሕ እያ ናብራኣ ኣብ ኣየርላንድ ዝገበረት።
ምምላስ ናብ ኢትዮጵያ
በረከት ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰት ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ።
ሽዑ ናይ ባዕላ መሬት ስለዘይነበራ ኣብ መቂ መሬት ተኻርያ እያ ማሕረስ ጀሚራ።
ካብ’ቲ እዋን ጀሚራ ናብ ኢትዮጵያ ትመላለስ ኔራ።
ኣብ 2008 (ኣ.ግ) ናይ ገዛእ ርእሳ 40 ሄክታር መሬት ረኺባ።
“. . .ኣብ ኣየርላንድ እንከለኹ እዩ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ጀሚረ። ኣብ ዓድና ጽቡቕ ሓመድ ኣለና፤ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ፈለግ [ድሕሪ ኣማዞን] ናትና እዩ፤ ኩነታት ኣየርና ጽቡቕ እዩ፤ ከምድላይና ተንቀሳቒስና ክንሰርሕ’ውን ንኽእል ኢና። እሞ ንምንታይ ደኣ ብግቡእ ዘይተጠቀምናሉ? ኢለ ሓሲበ።”
ኣብ ኣየርላንድ፡ እሞ ከማን ኣብ ዓመት፡ እቲ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝሑል ኣብ ዝኾኑላ ሃገር፡ ካብ ንእሽቶ ግራት ዓቢይ ምሕርቲ ክሕፈስ ሪኣ እያ።
በረከት ዝገርማ ዝነበረ፡ ኣየርላንዳውያን ኣብቲ ኩነታት ኣየር ኣፍርዮም ካብ ገዛእ ርእሶም ሓሊፎም ፍርያቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ምልኣኾም እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ዓቕሚ ካብዚ ዝዓቢ ስራሕ ምስራሕን ፍልልይ ምምጻእን ከምዝከኣል ኣሚና ናብ ሃገራ ተመሊሳ።
ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሳ ፈለማ ኣብ ኣርሲ መሬት ረኺባ ኣሕምልትን ፍረታትን ምፍራይ ጀሚራ።
እንተኾነ ግና ኣብ 2009 (ኣ.ግ) ኣብ ክልል ኦሮምያ ተኸሲቱ ምስ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ዝተሓሓዝ ሕርሻኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ትዛረብ።
ኮሚደረ፣ ሽጉርቲ፣ ጉዕ፣ ብርጭቕ፣ ዙኪኒ . . . ቀዳማይ ዙር ድሕሪ ምፍራያ ኣብ ካልኣይ ዙር ኮሚደረን ጉዕን ተኺላ ናብ ብሪጣንያ ንምልኣኽ እናተዳለወት እንከላ እዩ እቲ ዕንወት ተፈጺሙ።
“ኣብቲ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ምህርቲ ዝኾነ ዓይነት ድኹዕን መድሃኒትን ኣይጥቀምን እየ። ኣብቲ እዋን ኮሮላ ዝበሃል ናይ ህንዲ ዘርኢ ኔሩ። ካብ ህንዲ መጺኡ ድሕሪ ምትካሉ ነቲ ምሕርቲ ዝቕበልዎ’ውን ህንዳውያን እዮም ኔሮም። ሓንቲ ፍረ ከየልዓልኩሉ እዩ እቲ ሕርሻ ዓንዩ” ክትብል ትዝክር።
ኣብቲ እዋን መኽዘና ዓንዩ፡ ድኹዒ ተዘሚቱ፡ ምህርቲ’ውን ከምዝተሰረቓ ትገልጽ።
“ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ ኔሩ። ወላ’ኳ ጉድኣት እንተበጽሓኒ ኣብ ሃገርካ ተስፋ ምቑራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ኣርሲ ንዘሎ መሬት ከምቲ ዝነበሮ ሓዲገ ናብ ክልል ደቡብ ቀዪረ ምስራሕ ጀሚረ” ትብል በረከት።
ማሕረስ ኣብ ወላይታ
ናብ ኢትዮጵያ ክትመጽእ ከላ ንኢንቨስትመነትእ ሓደ ሚልዮን ዩሮ ሒዛ ኔራ።
እቲ ዘልማዓቶ ሕርሻ ምስ ዓነወ ምሉእ ክስራን እዩ ኣጋጢምዋ።
ናብ ኣየርላንድ ተመሊሳ ዳግማይ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ዝፈተነትሉ ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ እዩ።
ብድሕሪ’ዚ ሰለስተ ሚልዮን ዩሮ ሒዛ ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት መሬት ንምዕዳግ ናብ ወላይታ ከይዳ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ቢሮ ኢንቨስትመንት መሬት ካብ ትዕድጊ 600 ሄክታር ክንህበኪ ኢና ከምዝበልዋ ትዛረብ።
ነቲ መሬት ተረኪባ ዳግማይ ናብ ማሕረስ ኣትያ።
ፍረታትን ኣሕምልትን ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ እንስሳታት እውን ተርብሕ።
እቲ ናይ ሕርሻ ስርሓ ‘በረከት ወርቁ ኢንተግሬትድ ኣግሮ ኢንዱስትሪ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።
ኣብ ሕርሻኣ ባናና፣ ኮሚደረ፣ ሓብሓብ፣ ዝኩኒን ካልእ ፍርያትን ኣለዋ።
ብተወሳኺ ድማ ናይ ቡን መወሃሃዲን ናይ ዑደት ትካልን ከፊታላ። በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላ እውን ኣብ ህንፀት ይርከብ።
ክሳብ ሕጂ ብዝረኸበቶ "ከሲበ ኣለኹ" እትብል በረኸት፡ ኣብ ሕርሻኣ ንዝርከቡ 130 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ፈጢራ ኣላ።
ብሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ፅቡቕ ኣቀባብላ እኳ እንተኾነ ሰበስልጣን መንግስቲ ግቡእ ደገፍ ከምዘይገበሩላ ትገልፅ።
“ኣቀባብላ እቲ ሕብረተሰብ ጽቡቕ እዩ። ብወገን ሰበስልጣን መንግስቲ ግን ዘይርድኡኒ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ በዓል ሃብቲ "[ንሕርሽኡ] ማይ ከስትይ ስለ ዝኾንኩ ማይኪ ዕፀውያ" እብሃል። ሕጽረት ማይ ኣሎ። ነገራት ባዕለይ ከዐርዮም እፅዕር እምበር፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መንግስታዊ ኣካላት ብዙሕ ደገፍ ዝህቡ ኣይኮኑን" ክትብል ተረድእ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝነበረትሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ናውቲ ስፖርት ብምሻጥ፣ ብሕርሻን ካልኦት ንጥፈታትን ጽቡቕ ኣታዊ ትረክብ ነይራ።
በዓል ቤታ ጆናታን ፒን፡ ‘ግሌነቨን’ ዝበሃል ትካል ዝውንን ኮይኑ፡ በረከት ኣብዚ ትካል እውን ብፅሒት ኣለዋ።
ካብዞም ስራሕቲ ዝረኸበቶ እቶት ሒዛ እያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ክትዋፈር ኪኢላ።
"ሓረስተይቲ በረከት"
ሕርሻ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ኣወዳድባን ኢትዮጵያ ዓብዪ ግደ እኳ እንተሃለዎ ክሳብ ሎሚ ግን ዘመናዊ ክኸውን ኣይከኣለን።
ሓረስቶት ኣሽንኳይዶ ዘፍረይዎ ሸይጦም ስድራቤቶም ክድግፉ፡ ንነብሶም ክኽእሉ’ውን ክፅገሙ እዮም ዝረኣዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ሕርሻ ከም 'ዘሕፍር' እዩ ዝቑጸር።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ሩባ እናነበሩ ግን ድማ ብሰንኪ ስእነት ፓምፕ ማይ [ማይ እትስሕብ ቴክኖሎጂ] ዝራእቶም ዝስእኑ ሓረስቶት ከምዘለዉ በረከት ብኣብነት ትጠቅስ።
ብሰንኪ ሕፅረት ድኹዒ ከፍርዩ ዘይክእሉ ሓረስቶት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
በረከት ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ንሓረስቶት ክድግፉ ትምዕድ።
". . . ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኢጣልያ ወይ ኣየርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ክመዓራረ ዝኽእል ምችው ክሊማ ይኹን ሓመድ ኣይረኣኹን። ማይና፣ ኣየርና፣ ሓመድና ኣይተጠቐምናሉን። ሓረስታይ ክብሃላ ከሎ ንርእሱ ከም ዘሕፍርን ጸርፍን እዩ ዝቑፀር። ኣነ ሓረስታይ እየ ብዝብል’የ ነዚ ኣተሓሳስባ ክሰብር ናብ ሕርሻ ኣትየ" ትብል።
ነቲ ብዛዕባ ሕርሻ ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባታት ክትቅይር ስለ ዝደለየት ድማ ንነብሳ 'ሓረስተይቲ በረኸት' ወይ 'ጻዕራም ሓረስተይቲ' እናበለት ትውድስ። ሓረስታይ ክኽበር እያ ትደሊ።
ኣብ ቀፃሊ እዋን ኣብ ፍርያት ሕርሻኣ ክብሪ ብምውሳኽ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንምልኣኽ ትልሚ ኣለዋ።
ብዘይካኣ ካልኦት ሓረስቶት እውን "ካብ ድኽነት ክንወጽእ ምእንቲ መሬቶም፣ ማይኦምን ሓመድኦምን ብግቡእ ክንጥቀመሉ እደሊ" ክትብል ትምዕድ።
ኣውፈርቲ ናብ ኢትዮጵያ ክመፁ ካብ ምዕዳም ሓሊፋ ነቶም ዘለዉ መስርሓት ብምምችቻው እውን ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ።
በዚ ድማ ለውጢ ክተምፅእ ከም እትኽእል ተስፋ ትገብር።