5 ሕቶታት ን6 ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሳይንቲስት

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት - 2015፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነፍልጠት ንዝርከባ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓሙሽተ ቀለልቲ ሕቶታት ኣቕሪብናለን ኣለና።

'ግድብ ህዳሰ ምስቲ ኣሜሪካ ሰብ ናብ ወርሒ ክትልእኽ ከላ ዝረኸበቶ ዓወት ዝመሳሰል'ዩ' ዶ/ር ሶስና ሃይለ

ዶክተር ሶስና ሃይለ፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩኒቨርሲቲ ኢሊኖይ ኣሜሪካ፡ ፕሮፌሰር ማተርያል ሳይንስን ምህንድስናን ከምኡ እውን ኬሚስት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

ስርሐይ ምስ ሳይንስ ጸዓት ዝተኣሳሰር ኰይኑ ቀንዲ ኣተኵሮይ ኣብ ትራንስፎርመራት ኤሌክትሮ ኬሚካላዊ ጸዓት እዩ።

ኣብ ሞያይ እቲ ኣዝዩ ዘገረመኒ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እዩ።

እዚ፡ ምስቲ ኣሜሪካ ሰብ ናብ ወርሒ ክትልእኽ እንከላ ዝረኸበቶ ዓወት ዝመሳሰል'ዩ።

ግድብ ህዳሰ ካብቲ ናብ ወርሒ ዝተገበር ጕዕዞ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ንዓለም ብሳይንስ ኣእሚኑ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ቅልውላው ክሊማ ከየጋደደ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ድኽነት ጸዓት (Energy Poverty) ክወጹ ምግባሩ እዩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ?

እቲ ዝዓበየ ዓወተይ፡ ክፍሊ ጸዓት ኣሜሪካ ብዝመወሎ ገንዘብ፡ ‘ኢነርጂ ፍሮንቲርስ ሪሰርች ሴንተር’ ዝበሃል ጕጅለ መጽናዕቲ ምምስራተይ እዩ።

ስራሕና ሃይድሮጅን ምስ ደረቕ ነገራት ዘለዎ ምትእስሳር ብዝምልት ዘሎ ግንዛበ ዘዕቢ እዩ። ንኣርባዕተ ዓመት 10 ሚልዮን ዶላር ረኺብና ኢና።

መጽናዕትና ጸዓት ኤሌክትሪክ ተጠቒምካ ማይ ብምምቃል ሃይድሮጅን ንምፍራይ መሰረት ዘንብር እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ ከ እንታይ ይመስል?

መደባተይ ብዙሕ እዩ! እቲ ግዜ ግን ሓጺር እዩ! ብዘይ ጭቡጥ ዕላማ መደባትካ ብግልጺ ምግላጽ እውን ናብ ውድቀት ከብጽሕ ይኽእል እዩ።

ኣነን ጕጅለ መጽናዕተይን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተጠቒምካ ማይ ንምምቃል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት ንምፍታሕ እዩ መደብና።

እቲ ሓሳብ ልክዕ ከም ግድብ ህዳሰ ካብ ካርበን ነጻ ዝዀነ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምጥቃም ሃይድሮጅን ምፍራይ እዩ።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

ዋላ ሓንቲ የብለይን! "Thinking, Fast and Slow" ትብል ዳኒኤል ካህንማን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ከንብባ ደልየ ነይረ ግን ክሳብ ሕጂ ክጅምራ ግዜ ኣይረኸብኩን።

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

ካብ ዌብ ስፐይስ ቴሌስኮፕ ዝተረኽቡ ምስልታት ፍጹም ዘደንቑ እዮም። ተመራመርቲ ኣስትሮፊዚክስ ን13.7 ቢልዮን ዓመታት ንድሕሪት ክጓዓዙ ክኢሎም።

ኣብዛ ምድሪ ብኸመይ ከም ዝመጻእና ምሕታትና ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ክንብል ይገብረና።

እዞም ብዛዕባ ምፍጣር ጋላክሲታት ዝሕብሩና ምስልታት ገለ መንፈሳዊ ሓይሊ ኣለዎም። መሬትና ዓቂብና ንደቂ ደቅና ከነውርስ ተስፋ እገብር።

'ኢንተርነት እቲ ዝበለጸ ምህዞ እዩ' ቤተልሄም ደሴ

ቤተልሄም ደሴ፤ ኮምፒተር ሳይንቲስትን ዋና ሓላፊትን ኣይኮግ ኣኒዋን ካን ኮድ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

ቃላት፡ ሓረጋትን ዓረፍተ ነገራትን ናብ ምስሊ ዝቕይር ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ [ሰብሰርሖ ብልሒ] ዘገርም እዩ። ኤኣይ (AI) ኣብ ውድድር ስእሊ እውን ተዓዊቱ እዩ። እዚ ከም ክውንነት ክንርእዮ ከለና ከይተረድኣና ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና? ዝብል ሕቶ ዘልዕል’ዩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ?

ኣብ 2014 ዓቢይ ዓወተይ ዝብሎ ኣብታ ‘Rebel Girls’ እትብል መጽሓፍ ምቕራበይ እዩ ነይሩ። ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣብ መጽሓፍ ህጻናት ክቐርብ ትምኒተይ ነይሩ። ኣብታ መጽሓፍ ቢሊ ኣይሊሽን ተይለር ስዊፍትን ቀሪበን እየን። ስለዚ ነቲ መጽሓፍ ክገዝእኦ እየን። ነቲ መጽሓፍ ክገዝእኦ ከለዋ ድማ ናብአን በጺሐ ኣለኹ ማለት እዩ። እታ መጽሓፍ ክሳብ ሕጂ 5 ሚልዮን ቅዳሓት ተሸይጣ ኣላ። እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ዓወት ንኻልኦት ሰባት ምልዕዓል እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ?

ኣብ 2015 መደበይ ነቲ ካብ ጓል 13 ዓመት ከለኹ ኣትሒዙ ዝነበረ ሕልመይ ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ንሱ ድማ ተንቀሳቓሲ ማእከል ኮምፒዩተር እዩ። 'ዲጂ ትራክ ኢትዮጵያ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ 40 ጫማ ዝቑመቱ ኮንተይነር እዩ። ኣብ ከተማ እናዞረ ኮዲንግን ሮቦቲክስን የምህር። ናይ ብሓቂ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘለኹ ንሱ እዩ።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡

  • Shoe Dog [ፊል ናይት]
  • 21 Lessons for the 21st Century [ዮቫል ኖሀ ሀሪሪ]
  • The Thing Around Your Neck [ቺማማንዳ ንጎዚ አዲቺ]

እንተተረኣያ ዝብለን ፊልምታት ድማ፡

  • The Gentlemen፡
  • Rick and Morty ከምኡ’ውን
  • Love, Death & Robots

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

ኢንተርነት! ሕቶ የብሉን። ከም ኢንተርነት ዝኣመሰለ ምህዞ የለን። ህይወት ቀይሩ እዩ። ምትሕልላፍ ፍልጠት ኣኽኢሉ። ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዎ ሰፊሕ ዝርገሐን ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ።

'ክታበት ዓሶ ተስፋ ዝህበኒ ርኽበት'ዩ'

ዶ/ር ሩት ድሪባ፤ ኣብ ላስት ማይል ሄልዝ ቴክኒካዊ ኣማኻሪትን ክኢላ ሕክምናን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

ንልዕሊ ሓደ ዘመን፡ ክታበት ዓሶ ንምርካብ ፈተነታት ተኻይዱ እዩ። እቲ ክታበት ኣብ ቀረባ እዋን ተረኺቡን ተኣዊጁን ኣሎ። ክሳብ 80 ሚእታዊት ሕማም ዓሶ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለዘለዎ፡ በዝሒ በቲ ሕማም ዝሞቱ ህጻናት ንምንካይ ተስፋ ዝሃበ እዩ። ኣብ 2014 ዘገረመኒን ተስፋ ዝሃበንን ርኽበት እዩ ነይሩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ?

እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ኣብ ዲዛይንን ኣተገባብራን ናይቲ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ብሓለዋ ጥዕናን ብላስት ማይል ሄልዝን ዝተተግበረ ንሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ዲጂታላዊ ስልጠና ዝህብ (Blended Learning) ምስታፈይ እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ?

ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ 2015 ጥዕና ህጻናት ኣብ ዘመሓይሽ ስራሕ ንምስታፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበረሰብን ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ዘተኮረ ስራሕ ንምስራሕ መደብ ኣሎኒ።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡

  • Winning with People [ጆን ማክስወል]
  • The Checklist Manifesto [አቱል ጋውንዴ]
  • Our Iceberg is Melting [ሆልገር ራታግበርን ጆን ኮተርን]

እንተ ተረኣያ ዝብለን ፊልምታት ድማ፡

  • Fractured፡
  • Unforgivableን
  • Sweet girl

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

ንዓይ ዘድንቕ ምህዞ ክታበት እዩ። ንኣካላትና ንሕማማት፡ ንረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ወይ ንጥረ ነገራት ብምልማድ ሕማም ንኽከላኸል ምድላውን ስቓይን ሞትን ከይተረፈ ምንካይን ዓቢይ ምህዞ እዩ።

'ካብ ሕትመት ዝሓሸ ምህዞ ዘሎ ኣይመስለንን'

ብርሃን ታየ፤ ተመራማሪትን ተንታኒትን ፖሊሲ ቴክኖሎጂ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

እቲ ዝገረመኒ ዶትፕሎት (Dot Plot) ዝበሃል መተግበሪ (ኣፕ) እዩ። እዚ ኣፕ ኣብ ቴሌፎን ተጻዒኑ ኣብ ጡብ ዝመጽእ ለውጢ ዝከታተል ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ብእዋኑ ንኽፈልጣ ይሕግዝ። ገና ካብ ተቘጻጸርቲ ሕክምና ፍቓድ ዝጽበ ዘሎ'ኳ እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ኣፕ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ መንሽሮ ጡብ ንኽከላኸላ ዝሕግዘን እዩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ?

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወት ብቐጻሊ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እናገበርኩ 10 ኪ.ሜ ምጕያይ እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ?

መደበይ ምስ ዘኽብሮም ሰባት ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ ከምኡ’ውን ንኢንተርነት ውሑድ ግዜ ብምሃብ ምስ ሰባት ዝያዳ ክዘራረብን እዩ።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

እንተ ተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡

  • Do Not Disturb: The Story of a Political Murder and an African Regime Gone Bad [ሚሼላ ሮንግ]
  • Seven and a half Lessons about the Brain - by Lisa Feldman [ሊሳ ፌልድማን]
  • Race after Technology - by Ruha Benjamin [ሩሀ ቤንጃሚን]

ብዙሕ ፊልምታት እኳ ኣይርእን እየ። ግን ተኸታታሊ ፊልምታት ክሕብር፤

  • Paper Girls፡
  • Veep ከምኡ’ውን
  • The officeን እየን።

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

ካብ ሕትመት ንላዕሊ ዝዀነ ምህዞ ዘሎ ኣይመስለንን። ህይወት ዝሃበና ሕትመት እዩ።

'ኣብ ኢትዮጵያ ምእላይ ስብሒ ምጅማሩ ገሪሙኒ እዩ'

ቤተልሄም ላቀው፤ መስራቲት ሊሄን ንዩትሪሽን፡ ሓባራዊ መስራቲትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ቤኑ ፉድስ፡ መራሒት ምንቅስቓስ ኣክት ፎር ፉድ፡ ኣክት ፎር ቼንጅ ከምኡ’ውን ክኢላ ስነ-ምግቢን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

ኣብ ኢትዮጵያ ምእላይ ስብሒ [Fat Removal] ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ መስርሕ ኣብ ቀረባ ኣብ ሃገርና ክጅመር እዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን። ኣዝዩ ገሪሙኒ እዩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ?

ኣነ ከም ወኪል መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኣክት ፎር ፉድ፡ ኣክት ፎር ቼንጅ ኰይነ ዝተፈላለዩ ዕማማት ይሰርሕ ነይረ። 2014 ዝያዳ ዕዉት ዝዀነሉ ግዜ እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ?

ሊሄም ብንእሽቶ ደረጃ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብ 2014 ግን ቤት ጽሕፈት ተኻሪና ስራሕ ጀሚርና ኣለና። እቲ ስራሕ ካብ ዝጅምር’ኳ ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2015 ድማ ምስ መሻርኽትና ብምዃን ናብ ክሊኒክ ክነዓብዮ መደብ ኣሎና።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡

  • ትንሿ ቤተክርስቲያን [ገብረእግዚአብሔር ኪዳን]
  • Zero to One [ፒተር ታይል]
  • ሕክምና በቤታችን [በቀለች ቶላ]

ፊልም'ኳ ኣይርእይን። ኣብ ክንድኡ ሰባት ክበጽሕዎም ዝሕብሮም ሰለስተ ቦታታት ግን፤

  • ላሊበላ፡
  • ኣክሱምን
  • ሩዋንዳን 'መዘከርታ ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ'

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

መርመራ ኢንዶስኮፒ ክግበር ምኽኣሉ ይገርመኒ። ብርግጽ ዝተሓላለኸ ሳይንስ ኣይኮነን። በዚ ሕጂ ዘሎ መሳርሒ፡ ኣብ ዝዀነ ሆስፒታል ብቐሊሉ ክሰርሕ ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ከይጠባሕና ግን ብዛዕባ ኵነታቱ ክንፈልጥ የኽእለና። መርመራ ላቦራቶሪ ምግባርን ዋህዮታት ደም ምርኣይን ምኽኣል ንግዜና ዓቢይ ርኽበት እዩ። 

'ብመጥባሕቲ ዝግበር ለውጢ ክፍሊ ኣካላት የደንቐኒ እዩ'

ህሊና ሃይሉ ንጋቱ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክለይ ብኮምፒተር ሳይንስ ካልኣይ ዓመት ናይ ፒኤችዲ ተማሃሪት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 (ኣ.ግ) ምስ ሞያኺ ብዝተኣሳሰር ካብ ዝተመሃዙ ዘገረመኪ ነገር እንተነይሩ ኣየናይ እዩ? ንምንታይ?

ኣብ 2014 ሓደ ካብቲ ዝመሰጠኒ ምህዞታት፡ ጽሬት ናይቲ ብሞዴል ኤኣይ (AI) ዝፍጠር ምስልታት እዩ። እዞም ሞዴላት እዚኣቶም ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ። ብሓደ ወገን ከም በዓል ቤኖ ሳሙኤል ዝኣመሰሉ ስነ ጥበባውያን ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ስነ ጥበብ ክሰርሑ ከለዉ ይገርመኒ። ብኣንጻሩ ግቡእ ቍጽጽር ዘይተገበረሉ ቴክኖሎጂ ሓደገኛ እዩ።

ኣብ 2014 እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ትብልዮ እንታይ እዩ?

እቲ ዝዓበየ ዓወተይ ኣብ ትካል ኣሶሴሽን ፎር ኮምፒውቲን ማሽነሪ ናይ ኮምፒዩቴሽናልን ዳታ ሳይንስን ፌሎውሺፕ ምዕዋተይ እዩ።

ን2015 ዝሓዝክዮ መድብ እንታይ እዩ?

ኣብ 2015 ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርክለይ ካልኣይ ዓመት ናይ ፒኤችዲ ትምህርቲ ይመሃር ኣለኹ። መደበይ ምስ ኣፍሪቃውያን መሳርሕተይ ብምትሕብባር ንሕብረተሰብና ዝረብሕ ስራሕ ምስራሕ እዩ።

ኣብ 2014 ኣንቢብኪ ካብ ዝፈተኽየንን ሰባት ከንብብወን ትብልየን ሰለስተ መጻሕፍቲ? ክረኣያ ኣለወን እትብልየን ስለስተ ፊልምታትከ?

እንተተነበባ ዝብለን መጻሕፍቲ፡

  • All about Love [ቤል ሁክስ]
  • Race After Technology [ሩሀ ቤንጃሚን]
  • Shadow King [መዓዛ መንግሥቴ]

እንተተረኣያ ዝብለን ፊልም

  • Queen of Katwe፡
  • Us ከምኡ’ውን
  • እረኛዬ

ካብ ሓፈሻዊ ሳይንሳዊ ምህዞታት ወይ ርኽበታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ዘገርም? ንምንታይ?

ሓደ ምህዞ ክመርጽ እንተ ተገዲደ፡ ብመጥባሕቲ ዝግበር ለውጢ ክፍሊ ኣካላት (Organ Transplantation) የደንቐኒ እዩ። ንምንታይ? ንጹር እዩ። ህይወት ሰባት ስለ ዘድሕን።