እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ዓበይቲ ረብሓታት ጾም
ክርስትናን እስላምናን ብኣማኢት ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለወን፡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ዓለም እየን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዙሓት ኣመንቲ እዘን ሃይማኖታት በብእምነቶም እናጾሙ ይርከቡ።
ሰዓብቲ ክርስትና፡ እየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ ዝተንሰአሉ ንምዝካር እንተወሓደ ን40 መዓልቲ ይጾሙ - መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ጾመ-ኣርብዓ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ሰዓብቲ እስልምና ብወገኖም ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ይርከቡ፤ እዚ ወርሒ ስጋዊ መስዋእትን መንፈሳዊ ንስሓን እዩ።
ኣብዚ ወርሒ፡ ኣመንቲ ኣስላም ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ካብ ምብላዕን ምስታይን ይቝጠቡ።
ሰዓብቲ ክልቲኡ ሃይማኖት፡ ካብ ምብላዕን ምስታይን ተቖጢቦም ምስ ኣምላኾም ይራኸቡ፡ ይጽልዩን የመስግኑን።
ካብቲ ዝለመድዎ መግቢን መሰተን ይርሕቑ፡ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትና ዝዀነ ተዋጽኦ እንስሳ (መብዛትኡ ምንጪ ፕሮቲን) ኣይምገቡን።
ስለዝዀነ ድማ ጾም፡ መንፈሳዊ ረብሕኡ ከም ዘሎ ኰይኑ ስጋዊ ኣካላት ይጉዳእ ከም ዘሎ ዝሓስቡ ሰባት ሒደት ኣይኰኑን።
ብሓቂ ግን ጾም ንኣካላትና ብኸመይ ይጸልዎ? እንታይ ረብሓታት ኣለዎ?
ጾም እንታይ ማለት እዩ?
ጾም ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ኩሉ ወይ ካብ ገለ መግብን መስተን ምቝጣብ የጠቓልል። እዚ ልምዲ ንዘመናት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ፍወሳታት ሕክምና ምዃኑ ይግመት።
ጾም ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን ተግባራት ቀንዲ ተራ ይጻወት፤ ኩለን ዓበይቲ ሃይማኖታት ብሓደ መልክዕ ይኹን ብኻልእ ስርዓተ-ጾም ኣለወን።
ካብ ምግብን መስተን ምቑጣብ ወይ ቀሊልን ትሑት ካሎሪ ዘለዎን ዓይነት ምምጋብ ክኸውን ይኽእል፡ ንእተወሰነ እዋን ካብ መግቢ ተቖጢብና ምጽናሕ ምስ ግዜ ዘማዕበለናዮ ነገር ምዃኑ ብዙሓት ይምጉቱ።
መጽናዕትታት ድማ ጾም ንጥዕና ከደንፍዕ፡ ነዊሕ ዕድመ ክንነብርን ኣካል ልዕሊ መጠን ክብደት ከይህልዎን ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።
ጾም፡ ብፍላይ ኣብ ጥዕና 5 ብሉጻት ረብሓታት ኣለዎ።
ኣብ ደም ዝርከብ ሽኮር ንምቁጽጻር ይሕግዝ
ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ጾም ኣብ ደም ዝርከብ መጠን ሽኮር ንምቁጽጻርን ንምምሕያሽን ከም መሳርሒ ከገልግል ይኽእል እዩ።
በዚ ድማ፡ መጠን ሽኮር ክጎድል ዝኽእል ሓያሎ መጽናዕትታት ይድግፉ።
ዋላ እኳ ጾታ ተራ ክጻወት ዝኽእልን ተወሳኺ መጽናዕትታት’ውን ዘድሊ እንተኾነ፡ ሓደጋ ሕማም ሽኮር ንኽንክይ ከም ዝሕግዝ የመልክቱ።
ኣብ ምክልኻል ሕማማት ክሕግዝ ይኽእል
ንቡር ኣመጋግባ ቅልል ክብል ምግባር፡ ኣካላት ኣብ ካልኦት ኣገዳስቲ ስራሓት፡ እንተላይ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ከተኩር ግዜ ክረክብ ዝገብር ይመስል።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣካላትና ሕዱር ነድሪ ናይ ምምሕዳር ዓቕሙ’ውን ከማሓይሽ ይኽእል’ዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ሓደጋታት ከም ሕማም ልቢ ዝኣመሰሉ ኩነታት ክንክይ ይኽእል።
ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ዝርከብ ፕሮፌሰር ቲም ስፔክተር፡ ጾም ንባክተርያ መዓንጣና’ውን ከም ዝጸልዎ ኣስተብሂሉ ኣሎ። ስለዚ ሓሓሊፉ ቁርሲ ምዝላል ባዕሉ ረብሓ ኣለዎ።
ንስራሕ ሓንጎል ክድግፍ ይኽእል
ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ጾም ሕማም ፓርኪንሰንን ኣልዛይመርን ክከላኸልን ከማሓይሽን ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ንዝኽርን መስርሕ ሓንጎልን ስለዝድግፍ ተግባር ሓንጎል ከማሓይሽ ይኽእል።
ብተመሳሳሊ ጾም፡ ንጥዕና ሓንጎል ክከላኸልን ምፍራይ ዋህዮታት መትኒ ክውስኽን ከም ዝኽእል ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብ ደቂ ሰባት ዝተገብሩ መጽናዕትታት’ውን ጾም ምልክታት ጸቕጢን ጭንቀትን ከጉድልን ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ምትእስሳር ከማሓይሽን ከም ዝኽእል የመልክቱ።
ተወሳኺ መጽናዕትታት ዘድሊ’ኳ እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘለዎ ርኽበታት ግን ዘተባብዑ እዮም።
ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዶክተር ማርክ ማትሰን፡ ካብ ካሎሪ ዝተዓቀበ ኣመጋግባ ዝተወሃቦም ኣናጹ፡ ካብቶም ዝሓሸ መግቢ ዝረኽቡ ኣናጹ ዝሓሸ ዝኽሪ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ።
ኣብ 2016 ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ዘካየዶ ፈተነ፡ ጾም ንሓንጎልና ካብቶም ኣብ እዋን ሕማም ኣልዛይመርስ ዝምዕብሉ ኣሚሎይድ ፕሮቲናት ንምክልኻል ክሕግዝ ከም ዝኽእል የመልክት።
እርጋን ክከላኽል ይኽእል
ጾም፡ ብፍላይ ድማ ትሑት ፕሮቲን ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብ፡ ምስ ዝተናውሐ ዕድመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣብ እንስሳታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ጾም፡ ደረጃታት ሆርሞን ዕብየት ሰብ ዘመሓይሽ ይመስል፣ እዚ ሆርሞን እዚ ኣብ ዕብየትን ጽገናን፡ ምትሕልላፍ መግቢ፡ ምንካይ ክብደት ሰብነት፡ ሓይሊ ጭዋዳታትን ብቕዓት ምንቅስቓስ ኣካላትን ዓቢ ተራ ዝጻወት እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ነዊሕ ዕድመ ዝካድ ዘሎ መጽናዕቲ ብዓቢኡ ኣብ እንስሳታት ጥራይ ዝተሓጽረ ስለዝዀነ፡ እዚ ንእርጋን ደቂ ሰባት ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ ተወሳኺ መጽናዕትታት የድሊ።
ክብደት ምንካይ ክድግፍ ይኽእል
ብዙሓት ስርዓት ኣመጋግባ (diet) ዝኽተሉ ሰባት፡ ክብደት ሰብነት ንምንካይ ከም ቅልል ዝበለ ኣማራጺ ክጾሙ ይመርጹ።
መግቢ እንበልዓሉ ግዜ ምቁጽጻር ወይ ንሓጺር ግዜ ምጿም፡ ክብደት ሰብነት ንምንካይ፡ ስብሒ ንምቐናስን ሽኮር ደም ንምምሕያሽን ክሕግዝ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይገልጹ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን: ጾም ኣብቶም ልዕሊ ዓቐን ክብደት ዘለዎም ሰባት፡ ምትሕልላፍ (ምሕቓቕ) መግቢ ናብ ምቅጻል ስብሒ ናይ ምቕያር ዓቕሞም ብምውሳኽ ጭዋዳታት ንምዕቃብን ውህደት ኣካላት ንምመሕያሽን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ካልኦት መጽናዕትታት ኣመልኪቶም ኣለዉ።
መግቢ ነቶም ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ዋህዮታት ነዳዲ - ማለት ግሉኮስ - ይህቦም። ኣካላትና ዝተወሰነ መጠን ግሉኮስ ናብ ደም ይፍንው እሞ እቲ ዝተረፈ ከም ግላይኮጅን ይዕቅቦ፤ እዚ ከም ኣድላይነቱ ዝፍነው’ዩ።
እቲ ኣብ ደም ዘሎ ቀረብ ምስተወድአ - እንተወሓደ ብዘይ መግቢ ን12 ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ - ካብቶም መኽዘናት ስብሒ መሊሱ ይወስድ።
ኣብ ክንዲ ግሉኮስ ምጥቃም ስብሒ ምቅጻል ኬቶን ዝበሃሉ ንጥረ ነገራት የፍሪ፤ ልዑል መጠን ናይዚኦም ንጥረ ነገራት ድማ ንጥሜት ክዓብጦ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብዙሓት ዝጾሙ ሰባት ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት ጥሜት ከም ዘይስምዖም ዝዛረቡሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ እዚ መስርሕ መግቢ ኣብ ኣካላትና ዘለዎ ጽልዋ የጽንዑ ኣለዉ።
ንኣብነት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር እትርከብ ክኢላ ኣመጋግባ ዶክተር ሚሸል ሃርቪ፡ ዝተወሰኑ ደረጃታት ሆርሞናት ብምድኻም፡ ጾም ንሓደጋ መንሽሮ ጡብ ንምንካይ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ረኺባ ኣላ።
ክንጸውም ከለና፡ ኣካላትና ስብሒ ምቅጻል ክጅምር ይግደድ። ስለዚ፡ ኣመጋግባና ምድራት ውጽኢታዊ ሜላ ምንካይ ክብደት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይኹን እምበር፡ ኣካላትና ናብዚ መስርሕ ንምእታው ነዊሕ ግዜ ይደሊ እዩ - ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ብዘይ ካርቦሃይድሬት ምጽናሕ የድልየና ማለት’ዩ።
እንተዀነ ክኢላታት፡ ነዚ ብዘይ ሕክምናዊ ደገፍ ንከይንፍትን ይመኽሩ፤ ሓያል ልዑል ጾም እንታይ ዓይነት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ገና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተፈልጠ የጠንቅቑ።