"ን40 ደቓይቕ ሞይተ ነይረ፡ ብዛዕባ ህይወት ዝተምሃርኩዎ ሓደ ነገር"

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሞት፡ ሞት'ዩ፤ ከም ንቡር ንሓደ ሰብ ሓድሽ ህይወት ኣይህቦን እዩ፡ ንፓትሪክ ቻርንሊ ግን ከምኡ እዩ ኣጓኒፉዎ።

ንሱ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዝነበረ ጠበቓ'ዩ፤ ንናይ ስራሕ ምቁራጽ ግዜ ከም "ዝባኸነ ግዜ" ዝቘጽር ብዘይ ዕረፍቲ ንነብሱ ክዕወት ዝደፍኣ ሰብ ነይሩ።

ኣብ 2021 ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ንነዊሕ ሰዓታት ሰሪሑ፤ እንተዀነ እቲ ኣቦ ክልተ ቈልዑ፡ ኣብ 39 ዓመት ዕድሚኡ ህርመት ልቡ ደው ኢላ።

እቲ ኣብ ሶፋ ዝተጠብሰ ድንችን ስጋን እናበልዐ ዘስተማቕሮ ዝነበረ ምሸት፡ ነብሱ ብምስሓት ተዛዚሙ።

ፓትሪክ ን40 ደቓይቕ ብክሊኒካዊ መዳይ ሞይቱ ነይሩ።

በዓልቲ ቤቱ ሲፒኣር ክትገብር ከላ፡ ሽዑ ቈልዑ ትሽዓተን ሸውዓተን ዓመት ዝነበሩ ደቁ ክሕግዙ ይጓየዩ ነይሮም።

ረዳት ሓኪም ዝገበርዎ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ወይ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ህይወቱ እናተሸርሸረት ምስ ከደት፡ ንመወዳእታ ግዜ ህይወት ንምድሓን መርፍእ ክወግኡዎ ከም ዝፈተኑ ይዛረብ። በዓልቲ ቤቱ ኣኸለ ሞይቱ እዩ ኢላ ክትጠራጠር ጀሚራ።

ሽዑ ብተኣምር ልቡ መሊሱ ክሃርም ጀመረ። ፓትሪክ ካብቲ ንሓደ ሰሙን ውኒኡ ኣጥፊኡ ዝጸንሐሉ ኵነታት ክምለስ እንከሎ፡ ዝተቐየረ ሰብ ኰይኑ ተበራቢሩ፤ ናይ ምርኣይ፡ ዝኽርን ጥንካርኡን ዝጸሉ መጉዳእቲ ሓንጐል ኣጋጢምዎ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ክሰርሕን ክነብርን ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ህይወትን ዝምድናታትን ዝያዳ ኣቓልቦ ክገብር ዝተፈቕደሉ ኰይኑ ይስምዖ።

እዚ፡ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ'ዩ ክብል 'Ready to Talk podcast' ኣብ ዝተባህለ ፖድካስት ተዛሪቡ።

ዋላ'ውን ናብቲ ናይ ቀደም ህይወቱ ክምለስ ዕድል እንተተዋህቦ፡ "ኣይምተቐየርኩን፡" ኢሉ።

'ዓዊረ'

እቲ ሕጂ ዘለወሉ ኵነታት ንምቕባል ዝገበሮ ጕዕዞ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ፓትሪክ መጀመርታ ክነቅሕ እንከሎ ብዛዕባ ዝነበሮ ዝኽሪ ከዕልል እንከሎ፡ "ዓይነ ስውር ኰይነ እየ ተበራቢረ፡" ይብል።

"እዚ ነገራት እዚ የጋጥመኒ ነይሩ፡ ግን ብሓቂ ኣቓልቦ ገይረሉ ኣይፈልጥን።"

ዓይኑ ምዕዋሩ ንጹር ዘይኰኑ ነገራት ክስምዖ ጀሚሩ። እዚ 'ቻርለስ ቦኔት ሲንድሮም' ተባሂሉ ዝፍለጥ ክስተት፡ ሓንጐል ሃንደበታዊ ዝጐደለ ስእላዊ መረዳእታ "ንምምላእ" ዝጥቀመሉ መገዲ እዩ።

ገለ ካብዚኦም "ዘፍርሑ" ክዀኑ እንከለዉ ገለ ድማ "ዓበይትን" ብዘገርም ጽባቐን ከም ዝተሰምዑዎ ይዛረብ።

ኣብ ሓደ፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ልቡ፡ ሓንቲ ኣመሪካዊት ነርስ ክትቀትሎ ከም ዝፈተነት ኣሚኑ።

እዚ ንጹር ዘይኰነ ግምታትን ሓሳባትን ግን ህድኣት እውን ክህብ ይኽእል እዩ። ሓደ ናብ ሓደ ኣብ ኣልፕስ ዝርከብ ክፍሊ ወሰዶ፣ ኣብኡ ድማ ነርስታት እናዕለሉ ከለዉ ነቲ በረድ ዝበዝሖ ኣኽራን ጠመተ። እቲ ተመኩሮ "ሕጉስ" ናይ ሕውየት ስምዒት ሂብዎ።

ዓይኑ ናይ ምርኣይ ክእለቱ ቀስ ብቐስ እናተመልሰ ምስ ከደ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ምስ መጉዳእቲ ሓንጐል ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሓካይም ተረድኡ።

ምርኣይ ዓይኑ ብኸፊል ተዳኺሙ ኣሎ፡ እዚ ድማ ምስ "ብቴለስኮፕ ምጥማት" ዝመሳሰል እዩ።

ናይ መጀመርታ ዝተገብሩ ናይ ኣእምሮ ፈተናታት፡ ኣብ ዝኽርን ፍጥነት ምስልሳልን 2% ምዃኑ ኣርእዮም። እዚ ኣዝዩ እኳ እንተተመሓየሸ፡ ሓሓሊፉ ግን ቅልጡፍ ሓበሬታ ንምዕቃብ ይጽገም ኣሎ።

ምሉእ ጽልዋ ናይቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ግን ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ጥራይ እዩ ተራእዩ።

ከቢድ ድኻም ከጋጥሞ ጀሚሩ። "ፈጺመ፡ ፈጺመ ካብ ድቃሰይ ነብሰይ ዕረፍቲ ረኺቡ ተሓዲሰ ኣይነቅሕን። መዓልታዊ ደኺመ እየ ዝበራበር፡ እዚ ድማ እናገደደ እዩ ዝኸይድ፡" ክብል ይገልጽ።

ክላመዶ ዝግባእ ናይ ኣእምሮ ለውጥታት እውን ተራእዩ እዩ።

ፓትሪክ ድሕሪ ናይ መጀመርታ ሕውየቱ "ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከምዘይግደስ" ኰይኑ።

እዚ ንባዕሉ ጭንቀት ዘይኰነስ፡ 'ፓቶሎጂካል ኣፓቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩነታት እዩ ነይሩ፤ ፓትሪክ ብዘይ ጽኑዕ ነገር "ብግዜ ዝንሳፈፍ" ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ ይብል።

ሕክምና ዳግማይ ምተብባዕ ክረክብ ሓጊዙዎ። ሓደ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ድማ ነቲ ዝኸሰሮ ህይወት ዝፈጥረሉ ሓዘን ክገትኦ ከም ዘይብሉ ኣተባቢዑዎ።

ፓትሪክ፡ ልሙድ ዓይነት ህይወት ከም ዝናፍቖን፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ምትእኽኻባት ብምስታፍ ከምኡ'ውን ምስ ደቁ ብምጽዋት ምስ ኣብ ዕድሚኡ ዘለዉ ሰባት ምትእስሳር ክፈጥር ከም ዝናፍቘ ይዛረብ።

ብዛዕባ በዓልቲ ቤቱ'ውን ጣዕሳ ይስምዖ፤ "እቲ ሓቂ ግን ኣላዪተይ እያ፤ ብገለ መልክዑ ከም ኣረጊት ዝነብር ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ኢሉ።

'ጸጋ ዝበዝሖ ህላወ'የ ዝነብር'

ዋላ እኳ ሰፊሕ ለውጢ እንተሃለወ፡ ፓትሪክ ብብዙሕ መዳይ ነዚ ሕጂ ዘለዎ ህይወት ከም ዝመርጽ ይዛረብ። ሞያኡ ቀይሩ ጸሓፊ ኮይኑ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ ንህይወት ከስተማቕር ዝያዳ ግዜ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ሕጂ ቀስ ኢለ እየ ህይወት ዝነብር ዘለኹ፡ ብምርጫ ዘይኰነስ፡ ክገብሮ ስለ ዘለኒ'ዩ። ግን እዚ ብሓቂ እየ ዘድንቖ። ካብቲ ዝነበርክዎ ንላዕሊ ኣብ ነገራት ዘሎ ጽባቐ እየ ዝርኢ... ዝግ ኢለ ብምህላወይ ኣዝዩ ጸጋ ዝበዝሖ ህላወ ዝነብር ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ይብል።

"ኣረኣእያይ ብመሰረቱ ተቐይሩ'ዩ። ብህይወት ምህላወይ ዘመስግን ኰይኑ ይስምዓኒ"።

ምስ ስድርኡ ዝነበሮ ርክብ እውን ናብ ዝሓሸ ኵነታት ተቐይሩ እዩ።

"ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኢና ተቐራሪብና፡ ብሓቂ... ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዝቐረበ ምትእስሳር ኣለና። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንዓይ ወትሩ ስድራይ እዮም ነይሮም፤ ሕጂ ግን ብዙሕ ግዜ ክህቦም ክኢለ ኣለኹ፡" ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ "ዋላ'ውን ምስቲ ድሩትነት፡ ሕጂ ብዘሎ ህይወተይ ደስ ይብለኒ። ደቀይ ካብ ቤት ትምህርቲ ክመጽኡ ከለዉ ኣብ ገዛ ምህላው ደስ ይብለኒ። ካብ ሓደ ነገር ናብ ካልእ ዘይምጽዳፈይ ደስ ይብለኒ፡" ኢሉ።