'ዓሌትና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ' - ናብ ኣመሪካ ክስደዱ ዝትስፈው ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን

እቲ ኣፍደገ ኣርባዕተ ሜትሮ ቍመት ዘለዎ ኰይኑ፡ ብእሾኽን ናይ ኤለክትሪክ ሓጺንን ዝተሓጽረ እዩ። እቲ ማዕጾ ተኸፊቱ ማርቲነስ ዝተባህለ ሓረስታይ ፒክኣፕ መኪንኡ እናዘወረ ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ ኣፍደገ ዝተሰቐላ ካሜራታት ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሱ ይከታተላ ነይረን።

እዚ ኣብ ማእከል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ገጠራዊት ግዝኣት ፍሪ ስቴት ዝርከብ ሕርሻ ብሽቦታት ዝተኸበበ እዩ።

"ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ፡" ይብል እቲ ምስ ብዓልቲ-ቤቱን ክልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቁንን ንጥፈታት ሕርሻ ዘካይድ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ማርቲነስ። (ምሉእ ስሙ ክንጥቀም ኣይደለየን።)

"መጺኦም ክቐትሉና እንተ ደልዮም ይኽእሉ እዮም። እንተ ወሓደ ናባይ ክሳዕ ዝበጽሑ ግና ግዜ ክወስደሎም'ዩ።"

እዚ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ መጥቃዕቲ ከይወርዶ ኵሉ ግዜ ፍርሒ ይስምዖ።

ኣባሓጎኡን ኣቦሓጎ ብዓልቲ-ቤቱን ኣብ ሕርሻ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት እዮም ተቐቲሎም። ማርቲነስ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ወዲ 21 ዓመት ኣካያዲ ሕርሻ ብሬንዳን ሆርነር ተሓኒቑ ኣብ ዓንዲ ተኣሲሩ ዝተረኽበሉ ቦታ፡ ብመኪና ናይ ክልተ ሰዓት መንገዲ ርሒቑ እዩ ዝነብር።

ማርቲነስ ኣብ ስድራኡ ከምዚ ዓይነት ነገር ክፍጠር ኣይደልን። ስለዝዀነ፡ ኣብ ለካቲት ናብ ኣመሪካ ንምስዳድ ከም ዘመልከቱ ይዛረብ።

"ንብዓልቲ-ቤተይን ደቀይን ዝሓሸ ህይወት ንምጥጣሕ ክስደድ ድልው እየ። ምኽንያቱ፡ ተሓሪደ ኣብ ዓንዲ ክስቀል ኣይደልን፡" ይብል።

"ኣፍሪካነር [ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን] ኣብ ሓደጋ እንርከብ ህዝቢ ኢና።"

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ፈጻሚ ትእዛዝ ካብ ዝፍርም ንደሓር፡ መብዛሕትኦም ጸዓዱ - ዘርኢ ናይቶም ቀዳሞት ሰፋሮ ኤውሮጳውያን ዝዀኑ ኣሽሓት ኣፍሪካነርስ - ናብ ኣመሪካ ንምስዳድ ነዊሕ መስርሕ ከም ዝጀመሩ ይግመት፤ እቲ ንጹር ቍጽሪ ግን ዛጊት ንህዝቢ ኣይተገልጸን።

ኣመሪካ ስደተኛታት ካብ 125,000 ናብ 7,500 ዓመታዊ ከተጕድል ምዃና ኣብ ጥቅምቲ እኳ እንተ ገለጸት፡ ትራምፕ ግን ንዳግመ-ምጥያስ ኣፍሪካነርስ ቀዳምነት ሂቡ ኣሎ።

ኣብ ወግዓዊ መዓልታዊ መጽሔት መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጽአ ሓደ ፕረዚደንታዊ ሰነድ፡ እቶም ተቐባልነት ዝረኽቡ "ብቐንዱ" ኣፍሪካነርስ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ከምኡ'ውን "ካልኦት ኣብ ሃገሮም" ግዳያት ዘይሕጋዊ ወይ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ ዝዀኑ ምዃኖም ይጠቅስ።

እዚ ንማርቲነስ ካብዚ ዘለዎ ክወጽእ ዘኽእሎ ዕድል እዩ።

"ብዓልቲ-ቤተይን ደቀይን ኣብ ውሑስ ቦታ ክቕመጡ ምሉእ ህይወተይ ክጽዕር እየ። ብፍርሒ ተዋሒጥካ ምንባር ትፈልጥዶ? ከምኡ ዓይነት ህይወት ዝግብኦ ሰብ የሎን።"

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ዓመጻዊ ገበን ሰፊሕ እዩ።

ኣብ ሕዳር፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2025 ዝተዘርግሐ ኣሃዝ ገበናት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 63 ቅትለት ይፍጸም። እዚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዓመተ 2024 ካብ ዝነበረ ኣሃዝ ዝነከየ ክኸውን ከሎ፡ መጠን ቅትለት ግን ኣብ ዓለም ካብ ዝለዓሉ ኣሃዛት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ታቦ ማኮፖ፡ ጎልፎ ተኸዲኑን ንእሽቶ ጥርሙዝ ማይ ሒዙን ኣብ ጥቓ መጓሰ ከብቲ ደው ኢሉ ይሕሉ።

ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዒላማ ይዀኑ ከምዘለዉ ዝኣምኑ ግን ኩሎም ጸዓዱ ኣይኰኑን።

ጸለምቲ ሓረስቶት እውን ግዳያት ገበን እዮም።

ኣብ እግሪ እምባ ኢምፐራኒ ፍሪ ስቴት ኣብ እትርከብ ፊክስበርግ ዝነብር ታቦ ማኮፖ፡ 237 ኤከር ዝስፍሓቱ ንእሽቶ ሕርሻ ኣለዎ፤ ኣብኡ ድማ ኣባጊዕን ከብትን የራብሕ። እዚ ወዲ 45 ዓመት ልክዕ ከም ማርቲነስ፡ ኣብ ሕርሻ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝያዳ ከም ዘፍርሖ ይዛረብ።

"መንእሰያት እዮም። ዕጡቓትን ሓደገኛታትን እዮም። ብዘየገደስ፡ ነተን ጥሪት ክወስዱ ክብሉ ህይወቶም ይስእኑ ወይ ህይወትካ የጥፍኡልካ፡" ይብል።

ታቦ፡ ኵሎም ሓረስቶት እታ ኣውራጃ፡ ዓሌቶም ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደጋ መጥቃዕቲ ከም ዝርከቡ ይኣምን።

"ኵላትና ኣብ ሓደጋ ኢና ንርከብ። ሎሚ ከጥቅዑኒ ይኽእሉ'ዮም - ኣባና ኣብ ዝዀነ ሰብ ከጋጥም ይኽእል'ዩ።"

ፖሊስ ንጻውዒት ገበን ዝህብዎ ምላሽ ትሑት ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ፖሊስ እውን ነዚ ኣይክሕዱን፤ ግን ድማ ንምምሕያሹ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝቘጽሩዎም ናይ ግሊ ጸጥታ ይምርኰሱ ኣለዉ። ወግዓዊ ተቘጻጻሪ ኣካል፡ ግላዊ ጽላት ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 630,000 ንጡፋት ሓለውቲ ጸጥታ ከም ዘለዉ ይሕብር። እዚ ድማ ካብ ቍጽሪ ፖሊስን ሰራዊትን ዝዛይድ እዩ።

ከም ብዓል ሞርጋን ባሬት ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጸዓዱ ሓረስቶት፡ ዓቕሚ እንተ ሃልይዎም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓለውቲ ጸጥታ ይቘጽሩ። ሞርጋን፡ ንሽዱሽተ ወለዶታት ምስ ስድርኡ ዝጸንሐ 2,000 ኤከር ዝስፍሓቱ ሕርሻ ኣለዎ።

ለይቲ ረጒድ ጃኬትን ቆቢዕን ተኸዲኑ ከባቢኡ ይድህስስ። ንሱን ጐረባብቱን በብተራ ምሸት ምሸት ይሕልዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሽዱሽተ ከብቱ ተሰሪቑ እዩ።

"ንፖሊስ ክትድውል ትኽእል ኢኻ፣ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ሰዓታት ይመጽኡ። ኣብቲ እዋን'ቲ እቶም ሸፋቱ ድሮ ሃዲሞም ኣለዉ፡" ይብል።

ሞርጋን እውን ከም ታቦ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ዒላማ ከም ዝዀነ ኣይኣምንን።

"እቲ ኣብዚ ከባቢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ጥራይ እዩ ዝብል ትረኻ ኣይቅበሎን፡" ይብል።

"ሓደ ጸሊም ሰብ 1,200 ዶላር ኣለዎ ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ ልክዕ ከምቲ ክንድኡ ገንዘብ ዘለዎ ጻዕዳ ቀልጢፎም መጥቅዕዎ።"

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ "ምጽናት ዓሌት ጸዓዱ" ኣሎ ብዛዕባ ዝብሉ ሰባት እንታይ ከም ዝሓስብ ምስ ተሓተተ፡ "ምጽናት ዓሌት እንታይ ምዃኑ ሓቀኛ ርድኢት የብሎምን፡" ኢሉ።

"እቲ ኣብ ርዋንዳ ዘጋጠመ ምጽናት ዓሌት'ዩ። ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሓረስቶት ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሕማቕ'ዩ፣ ግን ምጽናት ዓሌት ዝበሃል ኣይመስለንን።"

ትራምፕ፡ ነቲ ብሰፊሑ ዘካትዕ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ሓረስቶት 'ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ኣሎ' ዝብል ኣበሃህላ ብተደጋጋሚ ከልዕል ተሰሚዑ እዩ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ እውን፡ ፖለቲከኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ ምጽናት ዓሌት "ብንጥፈት የስፋሕፍሑ" ኣለዉ ክብል ይኸስስ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግን ኣፍሪካነርስን ካልኦትን ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ይህደኑ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብትሪ ነጺጉ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓሌት ዝተመርኰሰ ኣሃዛት ገበን ኣይትዝርግሕን፤ ኣብ ግንቦት ግን ነዚ ክሲ ንምፍሻል ምኒስተር ፖሊስ ሴንዞ ምቹኑ ኣብ ሕርሻታት ዝፍጸም ቅትለት ዝምልከት ኣሃዝ ሂቡ ነይሩ።

ምቹኑ፡ ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2024ን መጋቢት 2025ን ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሕርሻታት 18 ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ። ካብቶም ግዳያት እቶም 16 ጸለምቲ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ክልተ ድማ ጸዓዱ እዮም።

እቲ ኣሃዝ ከምዚ እናሃለወ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣኽረርቲ የማናውያን ጕጅለታት ዝተሓጽረ፡ ጸዓዱ ብዓሌቶም ይህደኑ ኣለዉ ዝብል ትረኻ፡ ቀንዲ መዘራረቢ ይኸውን ኣሎ።

ስርዓታዊ ዓሌታዊ ሃድን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ጸገም እዩ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ 1948 ጀሚሩ ን46 ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ እቲ ብውሑዳት ጸዓዱ ዝቘመ መንግስቲ፡ ብመሰረት ሕብሪ ቆርበት ኣብ መንጎ ሰባት ሕጋዊ ኣፈላላይ ኣንቢሩ ነይሩ።

ኣብቲ ድሮ ዝነበረ ኣድልዎ ዝመልኦ ሕጊ እዩ ተሃኒጹ።

ክትስማዕ ምኽኣል፡ መሬት ምግዛእን ሞያዊ ዕዮ ምስራሕን ንጸዓዱ ጥራሕ ዝተዋህበ መሰል ነይሩ። ሚልዮናት ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ካብ መሬቶም ተኣልዮም፣፡ ዓሌታዊ ስርዓተ-መሰረት ንምዕቃብ ብዝብል ኣብ ዝተገለሉ ኣብያተ ትምህርቲ ክመሃሩን ኣብ ዝተፈለየ ከባቢታት ክነብሩን ተገዲዶም እዮም።

እቲ ስርዓት ድማ ብዓመጽን ዓፈናን እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዝነበረ።

ዋላ እኳ ስርዓት ኣፓርታይድ ብ1994 እንተ ኣብቅዐ፡ እቲ ዓሚቝ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ግን ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመት እውን እናቐጸለ ይርከብ።

ድሕሪ ኣፓርታይድ ዝነበረ መንግስቲ፡ ንገለ ካብቲ ጉዳያት ንምብዳህን ንምእራምን ዝዓለሙ እወታዊ ስጕምቲታት ብምውሳድ ፖሊሲታት ኣተኣታትዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ውጽኢታውያን ከም ዘይኰኑን "ዓሌታዊ ኮታ" ከም ዘተኣታተዉን ግን ዝነቕፉ ገለ ሰባት ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ 72 ሚእታዊት መሬት ናይ ውልቂ ሕርሻ ገና ኣብ ኢድ ጸዓዱ ከም ዘሎ መንግስቲ ኣብ 2017 ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር። ጸዓዱ ግን 7.3 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ጥራይ እዮም።

ኣብ መትከል ፍቓደኛ-ሸያጥን ፍቓደኛ-ዓዳግን ዝተመርኰሰ መደብ ጽገና መሬት፡ ዳርጋ ለውጢ ኣየምጽአን።

ኣብዚ ዓመት ዝወጽአ ሓድሽ ሕጊ፡ ንመንግስቲ ገለ ብውልቂ ዝውነን መሬት ብዘይ ካሕሳ ናይ ምምንዛዕ ስልጣን ዝህብ'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ሳሕቲ ኵነታት ጥራይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕጊ ይገልጹ።

ጸዓዱ ሓረስቶት ካብ ዝዀነ ካልእ ጕጅለ እታ ሃገር ዝያዳ ናይ ብሕቲ መሬት ዝውንኑ ኰይኖም፡ ግዳያት ኣብ ሕርሻታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ምዃን ግን ኣብ ኵሉ ዓሌታት ዝዝርጋሕ እዩ።

ፖለቲካዊ ትዅረት ንጸዓዱ ሓረስቶት ዝተዋህበ ኰይኑ፡ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ገበንን ዓመጽን ግን ኣፈላላይ የብሉን።

ኣብታ ኣብ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሓይሊ ዝተሰጋገሩላ ከተማ መከለንግ ትነብር ንታቢሰንግ ንታታካና፡ ንእሽቶ ድኳን ትውንን።

ብ15 ጥሪ 2025 ኣብ ድኳና ራስያ ተፈጺሙ። ብዓል-ቤታ ቴምባኒ ንክጋንጎ ናብ እንዳ ጐረቤቱ ሃዲሙ። እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ማዕጾ እንተ ከፊቶም ከም ዝቐትልዎም ኣፈራሪሖሞም።

ንታቢሰንግ ሬሳ ብዓል-ቤታ ኣብ ደገ ኣብ መሬት ተሰጢሑ ረኺባቶ።

"ኣብ ኵሉ ቦታ ብጥይት ተወቒዑን ቈሲሉን ነይሩ። ብኣእማን ከይተረፈ ወቒዖሞ ነይሮም፡" ትብል።

ብሰንኪ ሞቱ ዝተኣሰረ ሰብ የሎን።

ሕጂ ንታቢሰንግ ኣርባዕተ ደቃ በይና ተዕቢ ኣላ።

"እቶም ደቀይ 'ማማ ንባባ መን እዩ ቀቲልዎ?' ኢሎም ይሓቱኒ። እንታይ ከም ዝምልስ ኣይፈልጥን፡" ትብል።

ካብ ፊክስበርግ ብመኪና ናይ ክልተ ሰዓት መንገዲ ርሒቑ ዝነብር ማርቲነስን ስድርኡን ናብ ኣመሪካ ዘቕረብዎ ሕቶ ዕቝባ ተቐባልነት ከም ዝረከበ ድሮ ፈሊጦም ኣለዉ።

በረራታቶም መዓስ ከም ዝኸውን ክሰምዑ እናተጸበዩ፡ ብዛዕባ ጕዕዞም ኣብ ምውጣን ተጸሚዶም ይርከቡ።

ማርቲነስ ሕጂ'ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸዓዱ ይህደኑ ኣለዉ ዝብል እምነት ኣለዎ።

"እዚ መሬት ንዓኦም፡ እዚ ቦታ ድማ ንባዕሎም ምእንቲ ክኸውን፡ ጸዓዱ ሓረስቶት ወይ ጸዓዱ ሰባት ካብዛ ሃገር ምእላይና ብዙሓት ሰባት ፖለቲካዊ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ።"

"ካብዚ ስምዒት ፍርሒ ክርሕቕ ምዃነይ ብሓቂ አመስግን። ነቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጸሎትና ስለ ዝሰምዓና ድማ አመስግኖ።"