እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳሞት ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብታ ስደተኛታት ተሳድድ ዘላ ኣሜርካ ተበጊሶም
ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መሰል ዑቕባ ዝተዋህቦም ናይ መጀመርታ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣሜሪካ ኣምሪሖም።
እቶም ብስሩዕ መንገዲ ብነፋሪት ናብ ኣመሪካ ብእኩብ ዝኸዱ ፈለምቲ ጸዓዱ 'ስደተኛታት' 49 ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
እዞም ትማሊ ሰንበት ካብ ጆሃንስበርግ ዝነቐሉ ጻዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ክጓዓዙ እዮም።
ኣሜሪካ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ንዝቐርብ ሕቶ ስደተኛታት ነጺጋ ኣብ ክንድኡ ሃብታማት ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከም ስደተኛታት ተቐባልነት ክረኽቡ ክትፈቅድ ምውሳና "ፖለቲካዊ ሃቐነ" ዘለዎ'ዩ ብምባል ፕሪቶርያ ትነቅፍ።
ኣመሪካ፡ ነዞም 'ኣፍሪካነርስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ጸዓዱ ዜጋታታ ከም ስደተኛታት ክትቅበሎም ምድላያ ከምዘቖጥዓ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ዝምድና ደቡብ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ካብ ዝልሕልሕ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት 'ኣፍሪካነርስ ግዳይ ዓሌታዊ ኣድልዎ' ኮይኖም ኢሉ ድሕሪ ምዝራቡ፣ እዞም ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብ ኣሜርካ መጺኦም ክነብሩ ዘኸእሎም ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።
ብተወሳኺ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንውሽጣዊ ፖሊሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምንቃፍ መንግስቲ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳ ካብ ጸዓዱ ሓረስቶት መሬት ይምንዝዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ ኔሩ።
ይኹን'ምበር እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ነጺጋቶ'ያ ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ እታ ሃገር ኣድልዎ ፈጺሙ ዝብል ክስታት "መሰረት ዘይብሉ" ምዃኑን፡ ኣሜሪካ እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ "ንቅዋማዊ ዲሞክራሲ" እታ ሃገር ንምድኻም ዝግበር ፈተነ'ዩ ክብል ወቒሱ።
ኣሜርካ ንኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣሜሪካ ኢብራሂም ራሱል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ዘባረረት'ውን ይዝከር።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቶም በዚ ውጥን እዚ ናብ ኣሜርካ ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ከምዘይክልክል ብምግላጽ፡ እቶም ነዚ መስርሕ ናብ ኣሜርካ ዝገዓዙ ወልቀሰባት ብገበን ዝድለዩ ከይኮኑ ክረጋገጽ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።