ስነጥበባዊ ሚኪኤል እምሃጽየን ‘ጀንደ’ እንታይ’ዩ ኣጋጢምዎ?

ውሩይ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ሚኪኤል እምሃጽዮን [ጀንደ]፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝነበሮ ስክጆታትን ሕዱር ሕማምን ናይ ምስማዕን ምርኣይን ጸገማት ስለዘማዕበለ፡ ዝለዓለ ሕክምና ንምግባር ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝዀነ ብሰባት ንኽሕገዝ ጻውዒት ከም ዘቐረበን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ቀንዩ እዩ።

ኣብ ምእላይ ፊልም፡ ምምራሕ መድረኽን ተዋስኦን ካብ እውን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዓቢይ ዝና ዘትረፈ ሚኪኤል ጀንደ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተደራራቢ ሕማማትን ጸገም ምስማዕ’ውን ስለዘማዕበለ፡ ምስኡ ብቐጥታ ብተሌፎን ንምርኻብ፡ ንምዝርራብን ኵነታቱ ብዕምቈት ንምርዳእን ዘካየድናዮ ፈተነ ቀሊል ስለዘይነበረ፡ እቲ ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ንዕኡ ንምሕጋዝ ዕቱብ ጻዕሪ ዘካይዱ ዘለዉ ነባሪ ሱዳን ስነጥበባዊ ሄኖክ ሃይለ ኢና ረኺብናዮ።

ስነጥበባዊ ሄኖክ፡ ሚኪኤል ጀንደ ሓገዝ ንኽግበረሉ ናብ ህዝቢ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ብመገዲ እታ ንሱ ዝውንና ቻነል ዩትዩብ ዘርጊሕዎ፣ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣብ ውሑድ መዓልታት ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ተዋጺኡሉ ኣሎ።

ጀንደ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንሕክምና ናብ ሱዳን ከይዱ፡ ክሳብ ሕጂ ብወጻኢታቱ ከምኡ’ውን ቀረባ ፈለጥቱ ብዝገበሩሉ ሓገዝ ክሕከም ከም ዝጸንሐ ኸኣ ተፈሊጡ'ሎ።

ስነጥበባዊ ሄኖክ ሃይለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ጀንደ ኣብ እግሩ ክሳብ ነርቭ ዝተንከፈ ስኩጆታት ኣለዎ፣ ሕማም ቆርበት ገይሩ’ሎ፣ ኣብ ርእሲኡ ሕማም ሽኮር’ውን ስለዘማዕበለ፡ እቲ ኵነታት ጥዕናኡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብጺሕዎ'ሎ፡” ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ “ጸገማት ዓይንን እዝንን ስለዝገበረ፡ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ስለዝተረድኣና ኢና ንኽሕገዝ ንጽውዕ ዘለና፡” ይብል።

“ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብውልቁ ንዅሉ ወጻኢታቱ ክሽፍን ክፍትን ጸኒሑ’ዩ፣ ሕጂ ግን ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝዀነ’ዩ ናብ ከምዚ ምርጫ ተበጺሑ።”

ስለዚ፡ ነዚ ዓቢይ ስምን ዝናን ዘለዎ ስነጥበባዊ ንምሕጋዝ ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብገንዘብን ሞራልን እጃሙ ክገብር ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ሚኪኤል እማሃጽዮን መን እዩ?

ሚኪኤል እማሃጽዮን በራኺ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ልኡል መኮነን ኣስመራ [ናይ ሎሚ ኣስመራ ሓፈሻዊ] ተማሂሩ፡ ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ኣምጺኡ ዝነበረን፡ ንፉዕ ተማሃራይ ምንባሩን ይንገረሉ።

እንተዀነ በቲ ሽዑ ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ተደፋፊኡ፡ ትምህርቲ ንምቕጻል ከምዘይተግሀ የዕልል።

ኣብ ግንቦት 1976 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሚኪኤል እምሃጽዮን [ጀንደ] ቅድሚ ናብ ሜዳ ምውጽኡ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ተወዲቡ ይስርሕ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ድሮ’ቲ ንሜዳ ዝተሰለፈሉ’ውን፡ ምስ ብጾቱ ኣብ ማይተመናይ ዝርከብ ፋብሪካ ኮካኮላ ስርሒት ብምክያድ፡ ነታጒ ኣጻዊዶም ኣብ ልዕሊ እቲ ፋብሪካን ኣብ ልዕሊ ነቲ ፋብሪካ ዝሕልዉ ዝነበሩን ወተሃደራት ደርግን ዓቢይ ዕንወት ከም ዘውረዱ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 1977፡ ብርጌድ 31 ምስ ተመደበ፡ ጕጅለታት ባህሊ ክቘማ ምስ ተወሰነ፡ ስነጥበበኛ ሚኪኤል ኣብቲ እዋን ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ብዝገበሮ ተዋስኦ እዩ፡ ዓቕሙን ክእለቱን ኣብ ስነጥበብ ዝተለለየ።

ብ 1979 ኣብ ሓንቲ ተዋስኦ ጀንደ ብዝብል ስም ምስ ተዋሃቦ፡ ክሳብ ሎሚ ን43 ዓመታት ንስሙ ኣህሲሳ በታ ጀንደ ዝብል ስም’ዩ ብዝያዳ ዝፍለጥ።

ሚኪኤል ጀንደ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሙዚቃዊ ድራማታት፡ ‘ስድራ’ ዘርእስታ ዓባይ ህብብቲ ድራማን መሪሕ ጠባይ ሒዙ ክእለቱ ዘመስከረ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምምራሕ መድረኻት፤ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ሓያለ ድራማታት መድረኽን ፊልምታትን ከም ተዋስኣይን ኣላይን፣ መራሕ መድረኽን ኰይኑ ብምዕያይ ክእለቱ ዘርኣየ ስሙይ ስነጥበባዊ እዩ እዩ።