ዩክረይን፡ 117 ድሮናት ወንጪፋ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ከም ዘዕነወት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Ukraine Presidential Press Service/EPA-EFE/Shutterstock
ዩክረይን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቂማ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሩስያ ብዝፈጸመቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ነፈርቲ ውግእ እታ ሃገር ከምዘዕነወት ኣፍሊጣ።
ምስ ሩስያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እቲ ዝዓበየ ዝበለቶ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ትማሊ ሰንበት ብዓወት ከምዝፈጸመት ድማ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ድሕነት ሃገሩ "ስፓይደርስ ዌብ" (መርበብ ሳሬት) ዝሰመዮ ስርሒት 117 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተዋፈራ ሓቢሩ።
34 ሚእታዊት ካብተን ስትራተጂያውያን ተሰክምቲ 'ክሩዝ ሚሳይል' ዝዀና ነፈርቲ ሩስያ ከምዝተሃረማ ከኣ ኣመልኪቱ'ሎ።
ምንጭታት ድሕነት ዩክረይን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ንምውዳብ ዓመትን ፈረቓን ከምዝወሰደሎም ተዛሪቦም።
ሩስያ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ብምርግጋጽ፡ "ሽበራዊ ተግባር" ኢላቶ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ፡ ተደራደርቲ ሩስያን ዩክረይንን ነቲ ሎሚ ሰኑይ ንኻልኣይ ዙርያ ዝቕጽል ዝርርብ ሰላም ናብ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዘምርሑሉ እዋን'ዩ።
እቲ ዝርርብ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 13፡00 (10፡00 GMT) ክጅምር ትጽቢት ይግበር።
ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ካብ ዘምጽእ መገድታት ኣዝዮም ዝረሓቑ ብምዃኖም ግን ትሑት እወንታዊ ትጽቢት እዩ ዘሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሰብመዚ ዩክረይን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሃገሮም ብድሮናትን ሚሳይላትን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓቢሮም።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣብ ካርኪቭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወዲ 7 ዓመት ህጻን ዝርከቦም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ሪያ ከምዝጸብጸቦ ድማ ኣገልግሎት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ሸነኽ ምብራቕ ንዝተፈጸመ ፈተነ መጥቃዕቲ ባርዕ ኣፍሺልዎ ኣሎ።
ክልተ ነበርቲ ዞባ ፕሪሞርየ ብትእዛዝ ዩክረይን ንመገዲ ባቡር ንምዕንቃፍ ከምዝፈተኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ከምዝኸፈተ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን'ዚ ሞስኮ ኣስታት 20 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ትቈጻጸር። እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2014 ናብ ግዝኣታ ንዝሓወሰታ ሓውሲ ደሴት ግዝኣት ክሪሚያ የጠቓልል።
እቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ከመይ ተፈጺሙ?
ምንጭታት ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን - 'ኤስቢዩ' - ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ፡ ካብ ዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሑ ተንቀሳቐስቲ ባጐኒታት ዝተሓብኣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ብርሑቕ ቍጽጽር ኣብ ዝግበረለን ዓበይቲ መኻይን ጽዕነት ተዓሺገን ናብ መደበራት ኣየር ከምዝተጸግዓን ድሕሪኡ "ኣብ ልክዕ ሰዓት" ከምዝተተኮሳን ኣረዲኦም።
ዘለንስኪ ብሰንበት ኣጋምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓያሎ ጽሑፋት፡ ንሓላፊ ኣገልግሎት ድሕነት ሃገሩ ቫሲል ማሊዩክ ን"ፍጹም ብሉጽ ውጽኢት" ናይቲ ስርሒት እንቋዕ ሓጐሰካ ኢሉዎ።
እተን ዝተወንጨፋ 117 ድሮናት ነፍሲ ወከፈን ናይ ገዛእ ርእሰን ፓይለት ከም ዝነበረን ድማ ሓቢሩ።
"እቲ ኣዝዩ ዝምስጥ ነገር ከኣ 'ቤት ዕዮ' ናይቲ ኣብ መሬት ሩስያ ዘካየድናዮ ስርሒት ኣብ ሓደ ካብ ዞባታቶም ኣብ ጥቓ ፈደራል ኣገልግሎት ድሕነት ሩስያ (ኤፍኤስቢ) ምንባሩ'ዩ" ኢሉ ፕረዚደንት ዘለንስኪ።
ኤፍሲቢ ሓያል መንግስታዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, SBU source
ዘለንስኪ ብተወሳኺ ኵሎም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ሰባት ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሩስያ ብሰላም "ክወጽኡ" ከምዝተገበረ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ድሕነት ዩክረይን ከምዝሕብሮ ኣብ ስትራተጂያዊ ኣቬሽን ሩስያ ዝወረደ ዕንወት ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር (5 ቢልዮን ፓውንድ) ይግመት። ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝገልጽ ድማ ቃል ኣትዩ'ሎ።
እዚ ብወገን ዩክረይን ዝቐርብ ጸብጻብ ግን ካብ ናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ካብተን ዝተሃርማ ነፈርቲ ሩስያ፡ ቱ-95ን ቱ-22ኤም3ን ዝበሃላ ስትራተጂያዊ ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ዘለወን ነፈርቲ ቦምባ፡ ከምኡ'ውን ኤ-50 ኣቐዲመን መጠንቀቕታ ዝህባ ነፈርቲ ውግእ ምህላወን ምንጭታት ኤስቢዩ ይሕብሩ።
ኣመሓዳሪ ሩስያዊት ከተማ ኢርኩትስክ - ኢጎር ኮብዘቭ ኣብ ስረድኒይ ሳይቤርያ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር በላያ ዘጥቅዓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝተወንጨፋ ኣረጋጊጹ።
ማዕከናት ዜና ሩስያ እውን ብተመሳሰሊ ካብ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት ዝብገሳ ድሮን ኣብ ካልኦት ከባቢታት መጥቃዕትታት ከምዝፈጸማ ሓቢረን።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እታ ሃገር ዝርከባ መዓስከራት ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ኣብ ዞባታት ኢቫኖቮ፡ ርያዛንን ኣሙርን ኣብ ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣየር ዝተፈተነ "ኵሉ መጥቃዕቲ ከምዝተመከተ" ድማ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዞባታት ሙርማንስክን ኢርኩትስክን፡ ካብ ቀረባ ከባቢታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስተወንጨፋ "ሓያሎ ነፈርቲ ሓዊ ከምዝተቓጸላ" እቲ ምኒስትሪ ገሊጹ።
ኵሉ እቲ ባርዕ ሓዊ ከምዝጠፍአን ዝሞተ ሰብ ከምዘየለን ገሊጹ። "ገለ ካብቶም ኣብቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ተኣሲሮም ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰብመዚ ዩክረይን 472 ድሮናት ከምኡ'ውን 7 ባሊስቲክን ክሩዝን ሚሳይላትን ኣብቲ ትማሊ ምሸት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተኻየደ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝተዋፈራ ኣፍሊጦም።
እዚ ከኣ ካብቶም ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ግዜ ዘካየደቶም መጥቃዕቲ ድሮን እቲ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ዩክረይን 385 መጥቃዕቲ ኣየር "ከምዘምከነት" ገሊጻ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







