ኣብ ሩስያ ድልድል ናብ ባቡር ብምፍራሱ ብውሕዱ 7 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Moscow Interregional Transport Prosecutor's Office
ኣብ ሩስያ ጥቓ ዶብ ዩክሬን ዝርከብ ናይ ጽርግያ ድልድል ኣብ መስመር ባቡር ብምፍራሱ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣብ ብራያንስክ ዝርከብ ድልድል ትማሊ ቀዳም ኣጋምሸት ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን ሓያሎ ከበድቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ናይ ተሳፈርቲ ባቡር ዘጽደፈ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ 31 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ ይግለጽ።
ሚኒስትሪ ህጹጽ ረድኤት ሩስያ፡ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊን ህይወት ኣድሕንን ኣብታ ባቡር ክጓዓዙ ንዝጸንሑ ሰባት ንምርካብ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
መንገዲ ባቡር ሞስኮ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝለጠፎ መግለጺ፡ እቲ ድልድል "ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምትእትታው ስራሕቲ መጓዓዝያ" ከምዝፈረሰ ከሲሱ።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ሎሚ ሰንበት ንግሆ ኣብ ዞባ ኩርስክ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ትሮስና-ካሊኖቭካ ካልኣይ ድልድል እውን ከምዝፈረሰ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ኦብላስት ኩርስክ ኣሌክሳንደር ኪንሽታይን ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን ሓንቲ ናይ ጽዕነት ባቡር ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ትጓዓዝ ከምዝነበረት ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ገለ ክፋል እታ ባቡር ኣብቲ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ዝርከብ ጽርግያ ከምዝወደቐ ሓቢሩ።
እታ ባቡር ሓዊ ከምዝተቓጸለት፡ ሓደ መራሒ መኪና ድማ ኣብ እግሩ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖ ኪንሽታይን ገሊጹ።
ኣብ ብራያንስክ ካብ ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ፍጻመ ብኢንተርነት ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ተሳፈርቲ ኣብ ጸልማት ካብቲ ስብርባር ንኽወጹ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ከለዉ ዘርኢ እዩ።
ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣሌክሳንደር ቦጎማዝ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም" ከምኡ'ውን ክልተ ሰባት ሓደ ህጻን ሓዊሱ "ብኸቢድ ቆሲሎም" ኢሉ።
ኩሎም ዝተጎድኡ ተጓዓዝቲ ኣብ ዞባ ብራያንስክ ናብ ዝርከባ ሕክምናዊ ትካላት ከምዝተወስዱ ወሲኹ ሓቢሩ።ኣብ መንጎ ዞባታት ዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ መጓዓዝያ ሞስኮ፡ መርመራ ከምዝተጀመረ ገሊጹ።
ተወሳኺ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፡ ከምኡ'ውን ብለይቲ ስራሕ ንምክያድ ዝሕግዙ መሳርሒታት ምድሓን ህይወትን መብራህቲ ህንጻታትን ናብቲ ከባቢ ከምዝተላእኩ ሩስያዊ ማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።
እታ ባቡር ካብ ከተማ ክሊሞቮ ናብ ሞስኮ ትኸይድ ከምዝነበረትን፡ እቲ ምፍራስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ድማ ኣብ ኣውራጃ ቪጎኒችስኪ ከምዝነበረን ሰበስልጣን ገሊጾም።
ተጓዓዝቲ ካብቲ ቦታ ወጺኦም ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ መአከቢ ቦታ ከምዝተመርሑ ዝገለጸ መንገዲ ባቡር ሞስኮ፡ ተሳፈርቲ ጉዕዞኦም ብኻልእ ባቡር ክቕጽሉ ክኽእሉ እዮም" ኢሉ።
እቲ ፍጻመ ካብ ዶብ ዩክሬን ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ እዩ ተፈጺሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







