እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ዕሉላት ገበነኛታት ወጻእተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክትሰጕግ ሕጋዊ ድዩ?
ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ብገበን ዝተፈርዱ'ዮም ዝበሎም ገበነኛታት ስደተኛታት ንምስጓግ፡ ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ኣማራጺ ገይሩ ይርእያ ኣሎ።
ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ናብ ሃገራት ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ክግዕዙ እንከለዉ፡ ካብ ሜክሲኮ፡ ሚያንማርን የመንን ዝርከብአን ሃገራት ዝመጽኡ 12 ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኤስዋቲንን ደቡብ ሱዳንን ተላኢኾም።
ሓደ ደቡብ ሱዳናዊ እውን ብነፋሪት ናብ ዓዱ ተመሊሱ። ኣመሪካ፡ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን እትሰጐም ስደተኛታት ንኽቕበላ ጻዕሪ ትገብር ከም ዘላ ይግለጽ። እዚኦም፡ መበቈል ሃገሮም ኣይቅበልን ዝበለቶም ስደተኛታት ከም ዝዀኑ'ዮም ሰብመዚ ኣመሪካ ዝገልጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝህሉ ድሕሪ ምግላጹ ሓያሎ ደገፍ ክረክብ ከም ዝኽኣለ ይፍለጥ።
ክኢላታት መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን በዚ መስርሓት ዘለዎም ስግኣት ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ናብታ መበቈል ናይቲ ስደተኛ ዘይኰነት ሃገር - ብሳልሳይ ሃገር እትፍለጥ - ዝግበር ምግዓዝ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ክጥሕስ ከም ዝኽእል ይምጕቱ።
ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምስጓግ ሕጋዊ ድዩ?
ስደተኛ፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምስጓግ ሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ግን ኣብ መቓን ዝተወሰኑ ቅድመ ኵነታት ጥራይ።
"ምሉእ ኣምር ሳልሰይቲ ሃገር ብመንጽር እቲ ሰፊሕ ኣምር ዕቝባ ክረአ ኣለዎ፡" ይብል ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ኣልባኒ ኣመሪካ ሬይ ብሬሽያ።
"ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ሓደ መትከል ኣሎ፣ ዘይምምላስ። እዚ ማለት ንሓደ ሰብ ውሑስ እንተዘይኰይኑ ናብ ዓዱ ክትመልሶ የብልካን ማለት'ዩ። ስለዚ ሳልሰይቲ ሃገር ውሑስ ኣማራጺ ክትህብ ክትክእል ኣለዋ፡" ክብል የረድእ።
እዚ መትከል ኣብ ልዕሊ እታ ስደተኛ ዝመጽአላ ሃገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነታ ክለኣኸላ ዝኽእል ሳልሰይቲ ሃገር እውን ይምልከት።
እታ ሃገር ውሑስቲ እንተዘይኰይና፡ ከምቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ 2023 ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ንምልኣኽ ዝሓንጸጾ ውጥን ዝዓገቶ፡ምስጓግ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ስለዚ፡ ግቡእ መስርሕ ኣገዳሲ እዩ።
ስደተኛታት እታ ዝኸዱላ ሃገር ሓደገኛ እንተዀይና፡ ከም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ወይ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዝተረኽበ እሙናት መርትዖታት መሰረት ብምግባር፡ እቲ ናይ ምስጓግ ዕድላት ከተፍሽሎ ተኽእሎታት ክህሉ'ዩ።
ኣብያተ ፍርዲ ድማ፡ ነዚ ሓደጋ ብጥንቃቐ ክግምግማ ትጽቢት ይግበር።
"ቤት ፍርዲ እቶም ዝጥረዙ ስደተኛታት እንታይ ዓይነት ሕጋዊ ደረጃ ክህልዎም እዩ፣ ክእሰሩ እንተዀይኖምን እንታይ ዓይነት ኣባይቲ ከም ዝቐርበሎምን ክምርምራ ኣለወን፡" ትብል ፍልይቲ ራፖርተር ስቅያት፡ ኢሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ዶክተር ኣሊስ ኤድዋርድስ።
ብዙሓት ስደተኛታት ግን ኣብ ግዚኡ ሕጋዊ ደገፍ ንምርካብ ይጽገሙ።
"ዓቢይ ጻዕርን ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ዝኽእል ጠበቓ ምርካብን ይሓትት፡" ይብል ፕሮፌሰር ብሬሽያ።
"እቲ ሕጋዊ መገዲ ንኹሉ ሰብ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ናብ ኤስዋቲንን ደቡብ ሱዳንን ዝተገብረ ምስጓግ ብመንጽር ሕጊ
"ብርግጽ ብኽልተ መዳይ (ሕጊ ዝጥሓሱ) እዮም፡" ይብል ፕሮፌሰር ማእከል ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ደቪድ ሱፐር።
"ኣመሪካ፡ እቲ ውነሳ ብሕጊ ክምጕትዎ ክፍትኑ ዕድል ትህቦ ምህላዋ ዝሕብር መርትዖ የለን፤ [ሰብመዚ] ሰባት ናብ ወጽዓ ከጋጥሞም ዝኽእል ሃገራት ክሰዱ ክኣ ኣይፍቀደሎምን። ደቡብ ሱዳንን ኢስዋቲንን ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከቢድ ሕቶታት ዝለዓለለን ሃገራት'የን፡" ክብል ንቢቢሲ ይገልጽ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ግንቦት ንመጀመርያ ግዜ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን፡ድሮ እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ሕጋዊ ብድሆ ቀሪቡ።
ዳኛ፡ እቶም ሰባት ንምስጓግ ዝተገብረ ፈተነታት፡ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምእላይ ክቃወሙ ክፍቀደሎም ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ዝጠሓሰ ምዃኑ ወሲኑ።
እታ ነፋሪት ናብ ጅቡቲ ዝተመሓላለፈት ኰይና፡ እቲ ጕዳይ ኣብ ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን፡ እቶም ሰባት ኣብ ናይ መራኽብ ኮንተይነር ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ተታሒዞም ከም ዝነበሩ ይግለጽ።
እቲ ጕዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተላእከ ኰይኑ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ምስጓግ ክቕጽል ፈቒዱ፤ ደቡብ ሱዳን ግን ነቶም ስደተኛታት ውሕስቲ ቦታ ተባሂላ ትቝጸር ሃገር እንተዀይና ኣይገለጸን።
"ኣብ ተመሳሳሊ ጕዳያት፡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም እዋን ከም ዝኽልከሉ ኢና ርኢና፤ እቲ መስርሕ ድማ ኣዝዩ ደንጕዩ ይጅምር፡" ትብል ዶክተር ኤድዋርድስ።
"ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ [እቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተልኣኹ ስደተኛታት] ድሮ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ይውሰዱ ነይሮም፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ጸገም ዘለዎ'ዩ።"
ብፍላይ መሰረታዊ መሰላት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ኣብያተ ፍርዲ ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ ናጻ ኰይነን ክቕጽላ ከም ዘለወን ትገልጽ።
ፕሮፌሰር ብሬሽያ፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ሓደገኛ ቅድመ ኵነት ክኸውን ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።
"ውልቀሰባት ፈጺሞም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ቅድሚ ምእታዎም፡ እቲ ምምሕዳር ዝያዳ ስጕምቲ ክወስድ ዘተባብዕ ክኸዉን ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታ ኣሎ፡" ይብል።
ኤስዋቲንን ደቡብ ሱዳንን ውሑሳት ድየን?
ስደተኛታት ኣብ ርእሲ'ቲ ግቡእ መስርሕ ምኽልካል፡ ናብተን ውሑሳት ዘይኰና ሃገራት ይለኣኹ ኣለዉ - እዚ ድማ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ስግኣታት ገበን፡ ዕጥቃዊ ግጭታትን ጭውያታትን ብምጥቃስ፡ ውልቀሰባት ኵሉ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ጕዕዞ ክገትኡ ይመክር።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ሃገር፡ ኲናት ሓድሕድ ከይውላዕ ተሰጊኡ ነይሩ።
"ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዙርያ ሕግን ስርዓትን ዝለዓል ስክፍታታት ኣሎ፣ ብዛዕባ ዓመጽ፡ ዘይምርግጋእን ቀጻሊ ግጭትን፡ ትብል ዶክተር ኤድዋርድስ።
እቶም ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰጐጕ ሰባት፡ ኣብታ ብሕማቕ ኵነታት እትፍለጥ ርእሰ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይግለጽ ከም ዘሎ ደቡብ ሱዳናዊ ተሓላቒ ፖለቲካ ሪች ማቻር ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣበይ ከም ዘለዉን ኣብ ማእሰርቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሑን ኣየረጋገጸን።
ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽተይ ንግስነት ኤስዋቲኒ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ቤት ህንጸት ከም ዘለዉን ብደገፍ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖምን ሰበስልጣን ይገልጹ።
ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ እስዋቲኒ፡ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቓ፡ ድኹም ናይ ኣየር መእተዊ፡ መግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ከም ዘለወን ይገልጽ።
ወሃቢት ቃል መንግስቲ ኤስዋቲኒ ታቢለ ምድሉሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሑ፡ ወይ ድማ መጀመርታ ዝተረፈ ፍርዶም ከሕልፉ ድዮም ዝብል ከየአንፈተት፡ "ምስ ሕብረተሰብ ንኽወሃሃዱ ብዙሕ ግዜ [ኣብ ማእሰርቲ] ክጸንሑ እዮም ኢልና ኣይንግምትን፡" ኢላ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቶም ናብ ኤስዋቲኒ ዝተሰጐጕ ሰባት፡ ዓመጽ ህጻናት፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕትን ሓዊሱ "ባርባራዊ" ገበናት ከም ዝፈጸሙ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ኤስዋትኒ ተቓውሞ ገጢሙዎ ኣሎ።
እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር፡ ህዝባዊ ስሙር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ፑደሞ)፡ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ "ብሽም ስምምዕ ምስጓግ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡" እዩ ይብል።
ደጋፊ ዲሞክራሲ ሉኪ ሉክሄለ፡ እታ ሃገር "መጕሓፊ ገበነኛታት" ክትከውን የብላን ይብል።
ዋላ'ውን ኣህጉራዊ ሕጊ እንተተጣሒሱ፡ ኣመሪካ ንብዙሓት ኣህጉራውያን ኣብያተ ፍርዲ ኣፍልጦ ስለ ዘይትህብ ሳዕቤን ከጋጥማ ተኽእሎ ከም ዘየለ ፕሮፌሰር ሱፐር ይዛረብ።
ሕጋውነት ብዘየገድስ ድማ፡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝግበር ምስጓግ መብዛሕትኡ ግዜ ንተቓላዕቲ ውልቀሰባት ኣብ ዘይፈልጥ ሃዋህው የውድቘም፤ ውሑድ ሕጋዊ ደገፍ ከም ዘለዎም ዶክተር ኤድዋርድስ ተረድእ።
ማሕበረሰብ ሰብኣዊ መሰላት ድማ ንነፍሲ ወከፍ ምስጓግ ክዓግቶ ከም ዘይፈተነ ጠቒሳ።
እተን ኣአንገድቲ ሃገራት እንታይ ይረኽባ?
ዝርዝር ናይቲ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ብዓቢኡ ምስጢራዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ሚስ ምድሉሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኤስዋቲኒ ነቶም ዝተሰጐጕ ሰባት ዝተቐበለትሉ ምኽንያታት "ንግዚኡ ብሚስጥር ዝተሓዝ ሓበሬታ እዩ፡" ኢላ።
ይዅን እምበር ክልቲኦም መንግስታት -ኤስዋቲኒን ደቡብ ሱዳንን- ምስ ኣመሪካ ዘለዎም ጽኑዕ ርክብ ከም ቀንዲ ድርኺት ጠቒሶም።
ፕሮፌሰር ብሬሽያ፡ ገለ ሃገራት ነዚ ምቕባል እንተኣብየን ሕነ ምፍዳይ ኣመሪካ ከስግአን ከም ዝኽእል ይእምት። እዚ ድማ ከም ጽኑዕ ሕጊ ቪዛ ወይ ዝለዓለ ቀረጽ ዝበለ ስጕምቲታት ኣመሪካ'ዩ።
ኣብ ሚያዝያ፡ ደቡብ ሱዳን ዝተሰጎገ ዜጋኣ ኣይቅበልን ድሕሪ ምባላ፡ ንዜጋታት ደቡብ ሱዳን ዝተዋህበ ቪዛታት ክትስርዞ ምዃና ገሊጻ ነይራ።
ሕጂ ደቡብ ሱዳን ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝተሰጐጕ ሰባት ተቐቢላ ብምህላዋ ግን፡እዚ ተቐይሩ እንተዀይኑ ንጹር ኣይኰነን።
ተሓላቒ ፖለቲካ ማቻር፡ ደቡብ ሱዳን እውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ምክትል ፕረዚደንት በንጃሚን ቦል መል ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ስለ ዝደለየት ነዚ ስምምዕ ከም ዝተቐበለት ይዛረብ።
መንግስቲ ኣመሪካ ብሰንኪ ብልሽውና ኣብ 2021 ኣብ ልዕሊ ቦል መል እገዳ ኣውጺኡ፤ ሎሚ ዓመት ድማ ኣሐዲሱ።
እንተዀነ ካልኦት ከም ናይጀርያ ዝበላ ሃገራት ከምዚኦም ዝበሉ ስምምዓት ይነጽጋ ኣለዋ።
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ዩሱፍ ቱጋር ኣብ ሓምለ፡ እሱራት ቬንዙዌላ ንምውሳድ ዝቐረበ ሕቶ ብምንጻግ፡ "ናይ ገዛእ ርእስና እኹል ጸገማት ኣለና" ኢሉ።
ዶክተር ኤድዋርድስ ከምዚ ዓይነት ውዕላት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ገለ ሓገዛት ተጐዛጒዙ ከም ዝመጽእ ትሕብር።
"ኣብ ዝሓለፈ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝግበር ዝነበረ ምድላዋት ምስጓግ፡ ብዙሕ ገንዘብ፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራውን ጸጥታውን ምትሕብባር ኣካል ናይቲ ፓኬጅ እዩ ነይሩ፡" ትብል።
ኣብ መጋቢት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንኤልሳልቫዶር፡ ኣመሪካ ዝሰጐጐቶም ቬነዝወላውያን እንተተቐቢላ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ከም ዝህብ ጸብጻባት ይሕብሩ ነይሮም።