እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕሜቲ፡ ስትራተጅያዊ ምንስሓብ ከም ዝገበሩን ብመስተንክር ዳግማይ ከም ዝምለሱን ተሓንዩ
ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ ሓይልታቱ ካብ ካርቱም ስትራተጅያዊ ምንስሓብ ከም ዘካየዱ ብምግላጽ፡ ውግእ ክቕጽል ምዃኑ ፈኪሩ።
ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ሱዳን ናቢል ዓብደላ ብወገኑ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝተባረረ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ክለቁ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ከም ዘይተገብረ ገሊጹ።
ካብ ካርቱም ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ድልድል ጀበል ኣውልያ ዝተቐርጸ ቪድዮ ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብታ ንኽልተ ዓመት ተቘጻጺሮማ ዝጸንሑ ርእሰ-ኸተማ ተሰሪዖም ክወጽኡ ከም ዝተመልከተ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ቴለግራም መርመቡ ብድምጺ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ እቲ ምንስሓብ መሪሕነት ዳዕመ-ሰሪዕ "ንዳግመ ውደባ" ብሓባር ዝወሰኖ ምዃኑ ገሊጹ።
ሑመቲ ንኻርቱም ምቍጽጻር ከም ዝተሳእኖ ተኣሚኑ እዩ፣ "ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ንሰራዊትና ካብ ካርቱም ናብ ኦምዱርማን ኣግዒዝናዮ ኣለና። እዚ ምንስሓብ ድሕሪ ገምጋም መሪሕነት ዝመጽአ ሓባራዊ ውሳነ ኰይኑ፡ በርቲዕናን ብመስተንክርን ዳግማይ ክንምለስ ኢና፡" ኢሉ።
"እቲ ኲናት ገና ኣይተወድአን፣ ገና ኣብ መጀመርታኡ እዩ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ 'ሰይጣናዊ ምንቅስቓስ' ክንዕወት ኢና፡" ክብል ድሕሪ ምፍካር፡ "ካርቱምን እተን 18 ግዝኣታትን ዳግማይ ኣብ ኢድና ከነእትወን ኢና፡" ኢሉ።
ምስቲ "እስላማዊ" ኢሉ ዝገልጾ ብኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፡ "ብዘይካ ብምቅላስ" ዝዀነ ዘተ ከም ዘየካይዱ ሓቢሩ። "ንድሕሪት ግልጽ ምባል ኰነ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ፣ ከምኡ'ውን ዘተ ዝበሃል የሎን፡" ኢሉ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ከም "ዝጸራረጎም" ከም ዝገለጸ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብድልድል ጀበል ኣውልያ ገይሮም ናብ ኦምዱርማን ገጾም ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጕጅለ ተጣባቒ መሰላት ሱዳን፡ ኣብዚ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሱዳን፡ 50,000 ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት መዝጊቡ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እዚ ኣሃዝ'ዚ ዝተዘርግሐ፡ ድሕሪ'ቲ ሰራዊት ሱዳን ብዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 4,000 ወተሃድራትን ስቪላውያን ሰባትን ናጻ ድሕሪ ምውጻኡ እዩ።
ሓላፊ ናይቲ ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኣልሳዲቕ ዓሊ ሓሰን ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብ15 ሚያዝያ 2023 እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ክሳዕ መጋቢት ናይዚ ዓመት፡ ብዝሒ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ልዕሊ 50,000 በጺሑ ኣሎ፡" ኢሉ።
መብዛሕትኦም እቶም ዝጠፍኡ ካብ ካርቱም፡ ሰናር፡ ጻዕዳ ናይል ዝኣመሰሉ ብግጭት ዝተሃስዩ ግዝኣታት፣ ከምኡ'ውን ካብ ሓሙሽተ ግዝኣታትን ሰፊሕ ዞባ ዳርፉርን ምዃኖም ሓቢሩ።
ኣልሳዲቕ ዓሊ ሓሰን፡ እቲ ኲናት ምስ ተዛዘመ፡ ብዛዕባ ዓመጽ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝተፈጸመ ግህሰት፡ "ዘሰንብድን ዘይተጸበናዮ ሓቅታትን፡" ሒዙ ክመጽእ ምዃኑ ኣተንቢሁ።
እቲ ደሃይ ዘጥፍኡ ምስናድ ብሰንኪ መሳርሒታት ርክብ ምጥፍኡን ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሮ ቦታታት ምብጻሕ ስለ ዘይተኻእለን ዝተማልአ ከም ዘይኰነ ብምሕባር፡ እቲ ብዝሒ ካብ 50,000 ኣዝዩ ክዛይድ ከም ዝኽእል ይግለጽ።