ስነጠፈር፡ ብዓይነታ ዝተፈልየት 'ሓዳስ ሳተላይት' ናብ ህዋ ተወንጪፋ

ሳተላይት

ምንጪ ስእሊ, @Arianespace

ክትስራሕ ዓመታት ዝወሰደላ ብዓይነታ ፍልይ ዝበለት ሳተላይት ብዓወት ናብ ጠፈር ተወንጪፋ።

እታ ሎሚ ሰሉስ 29 ሚያዝያ 2025 ናብ ህዋ ዝዓረገት ብዓይነታ ናይ መጀመርታ ከምዝዀነት ዝንገረላ ሰረገላ-ሰማይ (ሳተላይት)፡ ደበና ሰንጢቓ ብምሕላፍ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ኣካል ምድሪ፡ ንፕላነትና ካብ ለውጢ ኵነታት ኣየር ብኸመይ ይከላኸለላ ከምዘሎ ክትግምግም እያ።

እታ ብትለል ህዋ ኤውሮጳ እትውነን ገዛፍ ሳተላይት፡ ንኣግራብ መሬት ክትቈጽርን ክትመዝንንትፅቢት ይግበረላ።

በዚ ኣቢላ ድማ እቲ መጠን ሙቐት ፕላኔት ዝውስኽ ዘሎ መጠን ካርቦን፡ ክንደይ ዝኣክል ኣብ ውሽጢ ኣግራብ ይእከብ ከምዘሎን፡ ካብ ከባቢ ኣየር ወጻኢ ይጸንሕ ከምዘሎን ክትቅምር እያ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ጫካታት ፕላኔትና ኣብ ዘለዉ 1.5 ትሪልዮን ኣግራብ ዝርከብ መጠን ካርቦን ምፍላጥ] ኣይተኽኣለን ነይሩ።

ብብሪጣንያዊ ኩባንያ ኤርባስ ዝምራሕ እዚ ፕሮጀክት፡ ሳይንቲስት ንለውጢ ክሊማ ብዝያዳ ብልክዕ ንምርዳእን፡ መጠን ምብራስ ኣግራብ ንምክትታልን ክሕግዞም ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

እታ ሳተላይት ሰዓት 10፡15 [BST] ካብ መደበር ኢሴኤ ኮሩ [ESA Kourou] ካብታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ዞባ ጓያና'ያ ተወንጪፋ።

ትካል ህዋ ኣውሮጳ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ደቡብ ኣመሪካ ዘላ ኣካል ፈረንሳ ዝኾነት ዞባ መወንጨፊ መደበር ጠፈር ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ዝተፈለየ ኣካላት እታ ሳተላይት

እታ ብኤጀንሲ ህዋ ኤውሮጳ እትውነን ገዛፍ ሳተላይት፡

ምንጪ ስእሊ, ESA-CNES-ARIANESPACE

መግለጺ ስእሊ, ብኤጀንሲ ህዋ ኤውሮጳ እትውነን ገዛፍ ሳተላይት፡
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንደገ ዝዝርጋሕ 12 ሜትሮ ሰንጣቒት ዘለዎ ዓቢ ኣንቴና ዘለዋ ኰይና፡ "ስፔስ ብሮሊ" ተባሂሉ ተሰይሙ ኣሎ።

እቲ ኣንቴና ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ዘለዎ ራዳር [wavelength ] ክጥቀም እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣግራብ ብዕምቈት ክርኢን ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኣግራብ ኣጉናድን ንፈለማ እዋን ንምምርማር ዝጠቅም እዩ ተባሂሉ።

"መብዛሕትአን ሎሚ ኣብ ጠፈር ዘለዋ ራዳራት፡ ጽቡቕ ምስሊ ዝስእላ'የን፣ ኣግራብ ክስእላ እንከለዋ ግን ጫፍ ናይቲ ጫካ፡ ንኣሽቱ ጨናፍር፡ ንኣሽቱ ቆጽሊን ካብ ምርኣይ ሓሊፈን፡ ናብ ውሽጢ ጫካታት ዘሊቐን ኣይጥምታን እየን" ክብል ኣብ ኤርባስ ሓላፊ ጂኦሳይንስ ዶክተር ራልፍ ኮርዲ ገሊጹ።

"እታ ከም ብሓድሽ ዝተምሃዘት ሳተላይት ግን ኣዝዩ ነዊሕ ራዳር ብምጥቃም፡ ናብ መዓሙቕ ኣግራብ ሰንጢቓ ብምእታው ንታሕቲ ክንርኢ የኽእለና" ይብል።

እታ 1.2 ቶን እትምዘን ሳተላይት፡ ምስቲ ኣብ ሲቲ ስካን ዝጥቀሙሉ ዝመሳሰል ኣገባብ ክትጥቀም እያ፡ በዚ መንገዲ ድማ ካብ እቶም ኣግራብ ዝወደቐ ቁርጽራጽ ኣጉናድን ጨናፍርን ከይተረፈ፡ ብዝሒ ዕንጸይቲ ትስእል።

ብተዘዋዋሪ፡ እዚ ዕንጸይቲ እዚ እዩ ንብዝሒ ናይቲ ፕላኔታት ዘምዉቕ ዘሎ እኩብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ንምፍላጥ ዝጠቅም።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሳይንቲስት ንሕድሕድ ኣግራብ ክዕቅኑን መጠን ካዘዋህለሎ ካርቦን ክፈልጡን ይጽዕሩ እኳ እንተነበሩ፡ እዚ ግን "ዓቢ ብድሆ" ኰይኑዎም ከምዝፀንሐ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን በዓል ሞያ ሪሞት ሰንሲን፡ ፕሮፌሰር ማት ዲዝኒ ገሊጹ።

"እዚ ሕጂ ዘለና ርድኢት ናይ ብሓቂ ዕንክሊል'ዩ፣ ምኽንያቱ ብልክዕ ንምዕቃኑ ኣጸጋሚ'ዩ" ኢሉ።

"ብመሰረቱ፡ እቲ ንዛረበሉ ዘለና፡ ኣብ ስግር ትሮፒካዊ ከባቢታት ኣብ ሓደ ትሪልዮንን ፈረቓን ኣግራብ ተዓቚሩ ዘሎ መጠን ካርቦን ንምምዛን ምፍታን'ዩ።"

"ብሓቂ'ዛ ሳተላይት ብቐጻሊ ከምኡ ክትገብር እትኽእል እያ።"

ቅርፂ ፅላል ዘለዎ ራዳር

ምንጪ ስእሊ, ESA-CNES-ARIANESPACE

እንታይ ብልጫታት ኣለዋ

ድሕሪ ምውንጫፍ እታ ሳተላይት ነቲ መሊሳ ናብ ምድሪ እትሰዶ ዘላ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ መሬት ምቝጻር ክካየድ እዩ።

እቲ ምውንጫፍ ዋላ'ኳ ንዓመታት ዝተፈተነ እንተዀነ፡ እቲ ናይ ሕጂ ቀጥታዊ ኣይኮነን።

"ኣብታ ሳተላይት ዝርከቡ ዝተወሰኑ ነገራት ገዘፍቲ እዮም፡ እዚ ድማ ነቲ ዓቢ 12 ሜትሮ ዝንውሓቱ፡ ክዝርጋሕ ዝኽእል ኣንቴና ዘጠቓልል እዩ። ጽላል ዝመስል ክቢ ቅርጺ ኣለዎ፡ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ፡ ስለዚ እዚ ውጥን ብዘይ ገለ ጸገም ክኸውን ኢና ንደሊ" ክብል ዶክተር ኮርዲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኤርባስ ካብ ኣመሪካዊ ኩባንያ [L3Harris Technologies] መሃንድሳት ኣምጺኡ ንህንጸት ናይቲ ኣንቴና-ሪፍሌክተር ክከታተልዎ ፀኒሖም ኣለዉ።

እዞም ተመራመርቲ፡ ኣብዞም ዓበይትን ዘይንቀሳቐሱን ስርዓታት ክኢላታት ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዘይርከብ ክእለት ኣለዎም።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ሳተላይት

ምንጪ ስእሊ, L3 Harris Technologies

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ሳተላይት

እቲ ውጥን ዕዉት እንተዀይኑ፡ እታ ሳተላይት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቀዳሞት ኣሳእል ክትሰድድ ተስፋ ኣለዋ፡ ድሕሪኡ ድማ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓበሬታ ምእካብ ክትቅጽል እያ።

እዞም ዓመታዊ ምስልታት ክንደይ ዝኣክል ካርቦን ከም ዝኽዘን ጥራይ ዘይኮነስ ክንደይ ዝኣክል ብሰንኪ ምብራስ ኣግራብ ይጠፍእ ከምዘሎ ዘርእዩ እዮም።

"እቲ ን50 ዓመታት ካብ ከም በዓል ላንድሳት ዝኣመሰላ [ካልኦት] ሳተላይታት ዝገበርናዮ ዓይነት ትዕዝብቲ ብደበናታት ኣዝዩ ተጸልዩ እዩ። ኣብ ትሮፒካዊ ዞባታት ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ደበናታት ኣለዉና፣ ስለዚ መጠን እቲ ጫካ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ዲዝኒ።

ካልእ ብልጫ ናይቲ ዝነውሐ ራዳር ሳተላይት ባዮማስ፡ ብደበናታት ሰንጢቑ ብምሕላፍ፡ ካብ ሓደ ዓመት ናብቲ ዝቕጽል ዓመት ንሓደ ጫካ ብዘይምቍራጽ ኣንጻራዊ ምስሊ ዝህብ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ብልጫ እዚ፡ ድማ ነቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ሳይንቲስት የነቓቕሖም።