ንውጥን ትራምፕ ዝቃጸጽ፡ እማመ ዳግመ-ህንጸት ቓዛ ሃገራት ዓረብ፡ እንታይ ይብል?

ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየዱዎ ህጹጽ ዋዕላ፡ ንዳግመ-ህንጻ ወሽመጥ ቓዛ ዝውዕል 53 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቖም።

እዚ ውጥን'ዚ፡ ነቲ ኣመሪካ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ቦታ ብምግዓዝ፡ ቓዛ ከም ጽብቕቲ 'መናገዲ' ማእከላይ ምብራቕ ገይርካ ክትህነጽ ዝብል እማመ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወዳደር እዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕብረት ዓረብ ኣሕመድ ኣቡል ጌት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ንሰዓታት ዝቐጸለ ምትእኽኻብ፡ "እማመ ግብጺ ናይ ዓረብ ውጥን'ዩ፡" ክብል ኣፍሊጡ።

ንሓሳባት ፕረዚደንት ትራምፕ ከይጠቐሰ ከኣ፡ "መርገጺ ዓረብ ኣንጻር ዝዀነ ብሓይሊ ይዅን ብፍታው ዝግበር ምፍንቓል እዩ፡" ኢሉ።

ግብጺ፡ ነቲ ንዓለም ኰነ ሃገራት ዓረብ ዘሰንበደ እማመ ትራምፕ ብምጽራር፡ ሓምላይ ትርኢት ዝበዝሖ ከባቢታትን ዓበይቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ህንጻታትን ዝሓቘፈ ብዓል 91 ገጻት ሰነድ እይ ኣዳልያ።

ነዚ እማመ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዛዕባ ህንጸት ንዋይ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ፖለቲካን መሰላት ፍልስጤማውያንን ስለ ዘካተተ እዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ መደረ፡ ኣብ ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ዳግመ-ህንጸት፡ እቲ ምቋም ክልተ ሃገር ዝብል ፍታሕ ክስጕም ከም ዝግባእ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ምቛም ክልተ ሃገራት፡ ብመንግስታት ሃገራት ዓረብ ይዅን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ከም ቀንዲ መፍትሒ ናይዚ ንዓመታት ዝቐጸለ ዝተወሳሰበ ግጭት ተገይሩ እዩ ዝርአ። ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁን መሻርኽቱን ግን ነዚ ብትሪ እዮም ዝነጽግዎ።

እዚ ብግብጺ ተነዲፉ ብሃገራት ኣዕራብ ተቐባልነት ዝረኸበ እማመ'ዚ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ፍልስጤም ብዝዓዪ "ሽማግለ ምሕደራ" ክካየድ ሓሳብ ቀሪቡ። እቲ ሽማግለ ከኣ ብብቑዓት ሰብ-ሞያ ክቐውም እዩ።

ሓማስ ኣብዚ ውጥን'ዚ እንታይ ግደ ክህሉዎ እዩ ኣየነጸረን። ብዛዕባ እቶም "ዕንቅፋት" ክዀኑ ዝኽእሉ ዕጡቓት ጕጅለታት'ውን ንጹር መወከሲ ኣየስፈረን። እንተዀነ፡ እቲ ምንጪ ናይዚ ግጭት ፖለቲካዊ መፍትሒ እንተ ረኺቡ ዝእለ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።

ገለ ሃገራት ኣዕራብ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ክፈርስ ከም ዝጽውዓ ይፍለጥ። ካልኦት ድማ እቲ ውሳነ ንፍልስጤማውያን ክግደፍ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ኣለወን።

ሓማስ ኣብ መሪሕነት ቓዛ ግደ ከም ዘይህልዎ እኳ እንተ ተቐበሎ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ግን 'ቀይሕ-መስመር' ምዃኑ ብንጹር ገሊጹ እዩ።

እቲ ንእማመ ፕረዚደንት ትራምፕ "ብዓል ራእይ" ክብል ዝገለጸ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ሓማስ ይዅን በዓል-መዚ ፍልስጤም ኣብ መጻኢ ምንም ተራ ከም ዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ካልእ ተነቃፊ ዝዀነ ጉዳያት ጸጥታ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ብምውፋር ክፈትሖ ጻውዒት ቀሪቡ።

ነዚ እማመ ዳግመ-ህንጸት ዘድሊ ገዚፍ ባጀት ንምእካብ ድማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዓቢይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከም ዝካየድ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሃብታማት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንገለ ክፋሉ ወጻኢታት ክገብራ ድልዋት ይመስላ። እንተዀነ፡ ካልእ ግጭት ተላዒሉ ከም ዘይፈርስ ምስ ዝተኣማመና ጥራሕ እየን ስጕምቲ ክወስዳ።

እዚ ኣብ ደንደስ ምፍራስ ዝበጽሐ ዝመስል ዘሎ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ነቲ ርግጸኛ ዘይምዃን ከጋድዶ ይኽእል እዩ።

ዳግመ-ህንጸት ቓዛ ሰለስተ መድረኻት ክህልዎ ተወጢኑ ዘሎ፤ እቲ ቀዳማይ መድረኽ ፍርስራሳት ንምጽራግን ነተጕቲ ንምውጻእን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝወስድ ኰይኑ፡ እቶም ዝስዕቡ ክልተ መድራኻት ግን ንዓመታት ዝጸንሑ እዮም።

እቶም 1.5 ሚልዮን ከም ዝበጽሑ ዝንገረሎም ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ፡ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊታት ክጸንሑ እዮም። ኣብቲ ሰነድ፡ ግሩም መልክዓ-መሬት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ብጽቡቕ ዝተሃንጹ ኣባይቲ ይርኣዩ።

ሕቡራት ሃገራት 90 ሚእታዊት ናይቶም ኣባይቲ ፍጹም ከም ዝዓነዉ እዩ ዝገልጽ። ንፕረዚደንት ትራምፕ፡ "እንታይ ኰይኖም እዮም ክግዕዙ ዘይደልዩ?" ክብል ሕቶ ዝዀኖ ድማ እቲ ደረጃ ዕንወት ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ምስክር እዩ።

እቲ ኵሉ ንምንባር ኣገዳሲ ዝዀነ (ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ሕክምና፡ ራሳሕ ማይ ዝፈሰሉ መትረባት፡ ኤለክትሪክሲቲ) ዓንዩ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዘቕረቦ እማመ ንምድጋፍ፡ ብኪነታዊ-ብልሒ ዝተሰርሐ 'ቪድዮታት ወርቃዊት ቓዛ' ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ትሩዝ' ዝጸዓኖ ምስልታት፡ ስንባደን ሕርቃንን ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ኣብታ ዝተሃነጸት ቓዛ ብምስሉ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ተተኺሉ ይርአ። ብተወሳኺ፡ ዓርኩ ኤሎን ማስክ ኣብ ገምጋም ባሕሪ ኰይኑ እናተመገበን ንሱን በንያሚን ነታንያሁን ከኣ ጥራሕ ዝባኖም ኰይኖም እናተዛነዩ ይርኣዩ።

ነቲ ቪድዮ፡ "ትራምፕ መወዳእታኡ ቓዛ ኣብዚ በጺሓ፡" ዝብል ተለላ ግጥሚ ዘለዎ ደርፊ የሰንዮ።

ኣብ ምድላው ናይቲ ኣብ ካይሮ ዝቐረበ እማመ፡ ዝተፈላለዩ ሞያውያን ተሳቲፎሞ እዮም - ካብ ኣብ ዓለማዊ ባንክ ዝሰርሑ ክኢላታት ክሳብ ሆቴላት ዱባይ ዝሃነጹ መሃንድሳት።

ብተወሳኺ፡ ካብተን ካብ ፍጹም ዕንወት ዝተሃንጻ ሂሮሺማ፡ በይሩትን በርሊንን ተመኵሮ ተወሲዱ። እቲ ንድፍታት ካብ ህንጸት "ሓዳሽ ካይሮ" ዝተጸልወ ምዃኑ'ውን ይግለጽ።

ሃገራት ኣዕራብን መሻርኽተንን እማመአን እቲ እንኮ መደብ ምዃኑ ከረጋግጻ ብዙሕ ዝስዕብ ስራሕ ይጽበየን።