ሓደገኛ ቫይረስ በዲዶ-ህበይ ንፈለማ እዋን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ተረኺቡ

ብበዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) ዝተለኸፈ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Arlette Bashizi

ሰብመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብታ ሃገር ብሓደገኛ ቫይረስ በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም።

ለበዳ በዲዶ-ህበይ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ክርከብ፡ እዚ ፈለማይ’ዩ።

ትካል ሓለዋ ጥዕና ሽወደን፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ኣፍሊጡ። 'ኤምፖክስ ክለድ 1' ዝበሃል ዓሌት በዲዶ-ህበይ ኣብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኰይኑ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ተላቢዑ ዘሎ በዲዶ፡ ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ብምባል ድሕሪ ምእዋጁ እዩ፡ እዚ ሕማም ኣብ ሽወደን ከም ዝተራ'እየ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ለበዳ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተርኣየላ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ 450 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም እዮም፤ ካቡ ሰጊሩ ድማ ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ተላቢዑ።

ግዝያዊት ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ሽወደን ኦሊቪያ ዊግዘል፡ እዚ ብበዲዶ-ህበይ ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ኣነጺራ።

እታ ሓላፊት ወሲኻ፡ እዚ ሕማም ኣብታ ሃገር ክላባዕ ኣይክእልን ማለት ከምዘይኰነ ድማ ኣተሓሳሲባ።

ኦሊቪያ፡ “እዚ ውልቀሰብ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ በዚ ሕማም ተለኺፉ። ኤምፖክስ ክለድ 1 ኣብ ኣፍሪቃ ተላቢዑ’ዩ” ኢላ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ቅድሚ ሕጂ ማንኪፖክስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ኤምፖክስ (በዲዶ-ህበይ)፡ ብጾታዊ ርክብ፡ ብምትንኻፍ ቆርበት፡ ንኻልእ ሰብ ቀሪብካ ብምዝራብ ወይ ብምትንፋስ ይመሓላለፍ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ሕማም፡ ኣብ ቆርበት ዝወጽእ ዕንፉሩርን ሰዓልን ከም ምልክታት ከርኢ ዝኽእል ቀታሊ ኰይኑ፤ ካብ 100 ሰባት ብገምጋም ንኣርባዕተ ክቐትል ይኽእል።

በዲዶ-ህበይ፡ ብብዝሒ ኣብ ‘ትሮፒካል ረይንፎረስት’ ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝረአ ኰይኑ በብዓመቱ ብዙሓት ሰባት ይልከፉ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዕላዊ ዝኾነ ክለድ 1ቢ ዝተበሃለ ዓሌት እዚ ቫይረስ፡ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር ኣዝዩ ሓደገኛን ቀታልን’ዩ።

ክልተ ዓይነት ለበዳ ኤምፖክስ ክለድ 1 እዮም ዘለዉ። እዚ ኣብ ሽወደን ተረኺቡ ዘሎ ውልቀሰብ ብክለድ 1ቢ እዩ ተለኺፉ።

ኤምፖክስ ክለድ 1ቢ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ምስ ተራእየ፡ ኣብ ቡሩንዲ፡ ኬንያን ሩዋንዳን’ውን ከም ዝተረኸ ተረጋጊጹ።

ኣብ 2022፡ ክለድ 2 ዝተበሃለ በዲዶ-ህበይ ህጹጽ ሓደጋ ጥዕና ማሕበረሰብ ተባሂሉ ምስተኣወጀ፡ እቲ ሕማም ፈኵስ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሽወደን 300 ሰባት ብኤምፖክስ ክለድ 2 ከም ዝተለኸፉ ይፍለጥ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣውሮጳ ምስ ሰብመዚ ጥዕና ሽወደን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

“ክለድ 1 ኣብ ዝመጹ መዓልታትን ሰሙናትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ክረአ ስለ ዝኽእል” ሃገራት ከም ሽወደን ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዳን ብግልጺ ከፍልጣን ኣተሓሳሲቡ።

ተመራማሪ ቫይረስ ፖክስ ዶክተር ኦናስ ኣልባርናዝ፡ እዚ ሕማም ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ምርኣዩ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ። “ምኽንያቱ ክንደየናይ ከም ዝተላብዐ ኣይንፈልጥን ማለት’ዩ” ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕማም በዲዶ-ህበይ ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ኢሉ ምእዋጁ፡ ኣዝየን ንዝተጠቕዓ ከባቢታት ሓገዝ ክግበር ክድርኽ ኣተስፍዩ ኣሎ።

ክለድ 1ቢ ዝበሃል ዓሌት በዲዶ-ህበይ ዋላ’ኳ ኣብ ኣፍሪቃ ቀታሊ'ኳ እንተዀነ፡ኣብ ኣውሮጳ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ስለዘሎ ግን ኣብ ሽወደን ቀታሊ ከይከውን ይኽእል።

ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣውሮጳ፡ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ምስ ተለኸፈ፡ ካብ 6 ክሳብ 13 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ከም ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፡ ምሕኻኽ ቆርበት፡ ምቝሳል ጎረሮን ቃንዛ ጭዋዳታትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከም ዘርኢ ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ማእከላይን ትሑትን ምልክታት ዘርእዩ ኰይኖም፡ ካብዚ ሕማም ይሓውዩ’ዮም። ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ዘለዎም ሰባት ግን፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ።

እዚ ሕማም ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ምርኣዩ ደወል መጠንቀቕታ'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ከጋጥም ከም ዝኽእል ግን ትጽቢት ዝተገበሮ እዩ።