ትራምፕ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ብፑቲን ኣመና ከም ዝጓሃየ ገሊጹ

ዶናልድ ትራምፕ ብቭላድሚር ፑቲን ተስፋ ከምዝቐበፀ ግን ከኣ እቲ ነገር ከምዘይኣኸሎ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ብስልኪ ዝተገብረ ቃለመሕትት፡ ንመራሒ ሩስያ 'ትኣምኖ ዲኻ ኣይትኣምኖን' ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ዳርጋ ንዝኾነ ሰብ ኣይኣምንን እየ" ክብል መልሲ ሂቡ።

ትራምፕ፡ ናብ ዩክሬን ኣጽዋር ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ድሕሪ 50 መዓልታት ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተዘይተገይሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ቀረፅ ከንብር ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ግዜኡ ከም ዝሓለፎ ዘቈናፀቦ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ-ኔቶ ደገፉ ኣስሚዑ።

ንሱ፡ ነቲ ናይቲ ትካል መትከል ሓባራዊ-ምክልኻል ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ኣብ ዝነበረ ናይ ጎስጓስ ሰልፊ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ፈተነ -ቅትለት ሓደ ዓመት ምግባሩ ስዒቡ እዩ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ ዝርርብ ቴሌፎን ኣካይዱ።

ትራምፕ፡ 'ካብቲ ፈተነ ቅትለት ምድሓኑ ኣተሓሳስብኡ ቀይሩዎ እንተኾይኑ' ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዛዕብኡ ብዙሕ ክሓስብ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።

"እንድዒ እቲ ኣጋጣሚ ቀይሩኒ እንተኾይኑ ክሓስብ ኣይደልን እየ፤ ኣብኡ ምፅማድ ንህይወተይ ክቕይሮ ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ሓላፊ ኔቶ ማርክ ሩት ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺቡ ዝነበረ ዀይኑ፡ ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕትት ኣብ ልዕሊ መራሒ ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ምዝራብ ኣሕሊፍዎ።

ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ግዜ ምስ ሩስያ ውዕል ክገብር ቀሪቡ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ፕረዚደንት ንፑቲን ብኸመይ "ነቲ ምፍሳስ ደም ደው ከብሎ" ከምዝገብሮ እንትዛረብ፡ "ገና ንሰርሐሉ ኣለና" ክብል ሓቢሩ።

"ዓቢ ዕላል ክነካይድ ኢና። ኣነ፡ 'ጽቡቕ ኣለና፤ ንኽንፍጽሞ ዝቐረብና መስለኒ' ፡ ፑቲን ግን ኣብ ኪቭ ሓደ መንደቕ ክሃርም ይኸውን" ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣሐይላቶ'ያ።

እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ ብዛዕባ መፃኢ እንግሊዝ ዘውገዐ ዀይኑ፡ ስምምዕ ንግዲ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ንኢዱ።

"እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዋላ'ኳ ሊበራላዊ እንተኾነ ብሓቂ ብዙሕ እየ ዝፈትዎ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ መፃኢ መስከረም ናይዚ ዓመት ንዝገብሮ፡ ካልኣይ መንግስታዊ ዑደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ።

እቲ ዝተወጠነ መገሻ ኣመልኪቱ፡ "ንንጉስ ቻርለስ ኣኽብሮ እየ፡ ምኽንያቱ ዓቢ ለዋህ ሰብ'ዩ" ኢሉ።

ኣፅዋር ናብ ዩክረይን

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ብሃገራት ኔቶ ኣቢላ ናብ ዩክሬን "ላዕለዋይ ደረጃ ኣጽዋር" ክትሰድድ ምዃና እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ ቀረጽ [100 ሚኢታዊት] ክተንብር ምዃና'ውን ኣፈራሪሑ።

ትራምፕ ምስ ሓላፊ ኔቶ ማርክ ሩት ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ "ዩክረይን ክትገብሮ እትደልዮ ክትገብር ከምእትኽእል ከነረጋግጽ ንደሊ" ኢሉ።

ማርክ ሩት፡ ኣመሪካ "ብመንገዲ ኔቶ ኣቢላ ንዩክሬን ዘድሊ ደገፍ ብብዝሒ ከተቕርብ" ከም ዝወሰነትን፡ ኤውሮጳውያን ድማ ነቲ ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ ኣረጋጊጹ።

ማርክ ይኹን ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ኪቭ ዝለኣኽ ኣጽዋር ብዝርዝር ኣይገለጹን። እቲ ሓላፊ ግን እቲ ስምምዕ "ሚሳይላትን ተተኮስትን" ከምዘጠቓልል ኣነጺሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ፕረዚደንት ንዩክረይን ንምድጋፍ፡ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት "ላዕለዋይ ደረጃ ኣጽዋር" ብቕልጡፍ ናብ ዓውደ ውግእ ክስደድ ምዃኑ ገሊጹ።

ትራምፕ ርእሱ እናነቕነቐ፡ "ሎሚ ቭላድሚር ፑቲን እንተዝኸውን... ብዛዕባ ዩክረይን ዝግበር ድርድር ብዝያዳ ብዕቱብ ክወስዶ ከምዘግበአኒ ዳግማይ ምሓሰብኩ" ኢሉ።

ዳርጋ ሲሶ መንግስታዊ እቶት ሞስኮ፡ ሰደድ ነዳድን ጋዝን ከም ዝሕዝ ኣብ ግምት ብምእታው፡ 100 ሚኢታዊት ቀረጽ ንፋይናንስ ሩስያ ከንቆልቁሎ ይኽእል እዩ።

ዋላ'ኳ ብዛዕባ ክልቲኡ ቀረጽን ስምምዕ ኣጽዋር ኔቶን ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘየለ፡ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ንዩክረይን ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ቃል ክኣትወላ ትማሊ ሰኑይ ንፈለማ እዋን'ዩ።