እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጫ ማልያ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ኣፍሪቃዊ ይምንዝዓዶ?
ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ካብ ከተማ ንያንዛ ተበጊሱ ኣብ ኪጋሊ'ዩ ተወዲኡ።
ተቐዳደምቲ ኣብቲ 131.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ርሕቐት፡ ብድምር 1897 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ብጫ ማልያ 12 ካልኢት ተማሕዲግዎ'ዩ ናብዚ መድረኽ ኣትዩ።
ሎሚ ብጫ ማልያ ዘውሓሰ፡ ኣብቲ ጽባሕ ዝካየደ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ናይ ምምንጣል ዕድሉ ብተዛማዲ ጸቢብ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ኣብ ብጫ ማልያ ሓያል ጥምጥም ክህሉ ምዃኑ ተገሚቱ እዩ ጸወታ ተጀሚሩ።
እተን ክሳዕ ሕጂ ናይ መድረኽ ዓወት ዘየመዝገባ ጋንታታት'ውን ዕድለን ሎምን ጽባሕን'ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ጸወታ ጅምር ምስ በለ'ዩ ሓያል ስኳቶታት ክርአ ጀሚሩ። ዓባይ ጕጅለ ግን ንዅሉ ተምክኖ ነበረት።
ጸወታ 18 ኪሎሜተር ምስ ተላዕሎ፡ ሓሙሽት ርዋንዳውያን ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃውን ሓደ ኡጋንዳውን 100 ሚእታዊት ብኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ጥራሕ ዝቘመት ጕጅለ ናብ ቅድሚት ወጽአት።
እዞም ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኪሎሜተር ፍልልዮም ናብ ክልተ ደቂቕ ኣብጽሕዎ። ኣብ መበል 37 ኪሎ ሜተር ከኣ እቲ ፍልልይ ናብ ልዕሊ ሓሙሽተ ደቒቕ ዓረገ።
ጸወታ ፍርቂ ምስ ተላዕሎ፡ ብጫ ማልያ ዝሓዙ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ንዓባይ ጕጅለ ኣብ ቅድሚት ተገዲሞም ክስሕብዋ ጀመሩ። ነቲ ፍልልይ'ውን ናብ ሰለስተ ደቒቕ ኣውረድዎ።
ቶታል ኢነርጂ ክልተ ኣባላታ ኣብ ብጫ ማልያ ቀዳማይን ካልኣይን ምስ ምህላዎም፡ ብጫ ማልያ ክትዕቅብ ዝልዓለ ዕድል ሒዛ'ያ ናብዚ ጸወታ ኣትያ።
ጆሪስ ዴልቦቭ ብ16 ሰዓት፡ 25 ደቂቕን 33 ካልኢትን ቀዳማይ፣ ወዲ ጋንታኡ ፋብያን ዶበይ ከኣ ብኽልተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፣ ኦሊቨር ማትያስ ካብ ጋንታ ባይክ አይድ ብሓሙሽተ ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣባል እስራኤል ፕሪሜርቴክ ብራዲ ግሊሞር ሸሞንተ ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ፣ ኣብ 2023 ናይ ውድድር ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ 12 ካልኢት ድሒሩ ሓሙሻይ ኰይኖም'ዮም ናብዛ መድረኽ ኣትዮም።
እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ዝነበረ ዓወት ኣማን'ውን ካብ ቀዳማይ 50 ካልኢት ጥራሕ'ዩ ድሒሩ ነዛ መድረኽ ኣትይዋ።
እታ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ብርዋንዳውያን ዝተዓብለለት፡ ነቲ ካብ ዓባይ ጕጅለ ዝመጽኣ ዝነበረ ሃድን ብምጽዋር ፍልልያ ዓቂባ ንዝተረፋ 40 ኪሎ ሜተር ከተማዕዱ ጀመረት።
ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ኣብ ኪጋሊ ካናል ኦሎምፕያ እያ ክትውዳእ፣ ኣብ 2023 ኣብ ሻሙናይ መደረኽ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብዛ ቦታ እዚኣ'ዩ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነታ ብድሮኡ ዝሓዛ ብጫ ማልያ ብናይ መደረኽ ዓወት ገይሩ ዝደርዓ።
ሎሚኸ ካናል ኦሎምፕያ ንሄኖክ ዘልመደቶ ዓወትዶ ትደግሞ ትኸውን? ካናል ኦሎምፕያ ድሕሪ 30 ደቂቕ ፍርዳ ክትህብ'ያ።
ጽብቕ ምውህሃድ ዝነበራ መራሒት ጕጅለ ኣብ መበል 109 ኪሎሜተር ናብ 3 ደቂቕን 40 ካልኢት ኣብጽሓቶ።
ኣብ መበል 114 ኪሎ ሜተር ኣብ መራሒት ጕጅለ ናህሪ ስለ ዝወሰኸ፡ ፋሕ ፍሕ ክብሉ ጀመሩ። ካብቶም ዝሃደሙ ኣብ ብጫ ማልያ ዘሰክፍ ተቐዳዳማይ ስለ ዘይነበረ ዓባይ ጕጅለ ዝቐሰነት ትመስል።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ርዋንዳ ሓንቲ ናይ መደረኽ ዓወት'ያ ኣመዝጊባ ዘላ፣ ኣብ 2022 ኣብ ሻሙነይቲ መደረኽ ብመንገዲ ዳንኤል ሙጉሻ።
እቲ ቦታ ድማ ኣብዛ ሎሚ ጸወታ ዝውድኣላ ካናል ኦሎምፕያ'ያ ነይራ። ሎሚኸ ካናል ኦሎምፕያ ንርዋንዳ ካልኣይቲ ናይ መደረኽ ዓወት ተርእያዶ ትኸውን? ጸወታ ክምልሶ'ዩ።
ምስ ዓባይ ጕጅለ ሒዛቶ ዝጸንሐት ፍልልይ በብቝሩብ ክሸራረፍ ስለ ዝጀመረ ግን ሕልሚ ርዋንዳውያን'ውን ኣብዛ መደረኽ ደጊሞም መድረኽ ናይ ምዕዋት ሕልሞም ክሸራረፍ ግድን'ዩ።
ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ እቲ ፍልልይ ናብ ክልተ ደቂቕን ፈረቓን በጽሐ። ጸወታ ክዛዘም ሓሙሽተ ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ከኣ እቲ ፍልልይ ናብ ክልተ ደቒቕ ወረደ።
ናብቲ ተሪር ዓቐበት ኣብ ዝቐረበትሉ ድማ ዓባይ ጕጅለ በብሓዲ ክትጐብጦም ጀመረት።
ናሆም ዘርኣይ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ካብ ዓባይ ጕጅለ ናብ ቅድሚት ወጽአ። ናብ ዛዛሚ ሕንጻጽ ንኽበጽሕ ግን ዘላህልህ 2 ኪሎ ሜተር ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ። ርዋንዳዊ ሞየስ ሞጉሻ'ውን ኣብ ቅድሚት ይርከብ - ፍልልዮም 10 ካልኢት ጥራሕ እዩ።
ኣርኪቡ'ውን ሓለፎ። ቀዳማይ ኰይኑ ነዛ መደረኽ ተዓወተላ፣ ናሆም ኣብ ዙር ርዋንዳ በዅሪ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ሳልሳይ፡ ዓወት ኣማን ታሽዓይ ወጺኦም።
ብጫ ማልያ ካብ ጆሪስ ዴልቦቭ ናብ ወዲ ጋንታኡ ፋብያን ዱበይ ተሰጋጊራ ኣላ።
ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ብጫ ማልያ ፍልልዩ ናብ ሽዱሽተ ካልኢት ኣውሪድዎ ኣሎ።
ካብ ኤርትራውያን ዩኤል ሃብተኣብ 14፡ ዳዊት የማነ 17፡ ዓወት ክብሮም 20፡ መትከል እዮብ 30፡ ያፌት ምሉጌታ 42፡ ናታን መድሃኔ 43 ወጺኦም።
ካብ ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣማኑኤል ደስታ 24፡ ኣማኑኤል ተስፋይ 26፡ ፊልሞን ዘርኣብሩኽ 31፡ ብዛይ ተስፉ 38፡ ሃይለሚካኤል ኣማኑኤል 51፡ ኣሚር ጣሃ 52 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ እትወሃብ ማልያ ክኽደና እንከሎ፡ ዩኤል ሃብትኣብ ድማ ንዝበለጸ መንእሰይ ኣፍሪቃዊ እትወሃብ ማልያ ወድዩዋ ይርከብ።
እቲ ጽባሕ ዝካየድ ዛዛሚ ሻውዓይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ኰይኑ፡ ኣብ 'ኮንቨንሺን ሰንተር' ፈሊሙ ኣብኡ ክዛዘም እዩ።
እዚ 74 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ጸወታ፡ ሓጺር ርሕቀት ደኣ ይምሰል'ምበር ተሪር ዓቐበት እምባ ኪጋሊ ስለ ዝሓዅሩ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ለውጢ ክኽሰት ተኽእሎ ኣሎ።
ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ፡ ፕረዚደንት ፖል ካጋመን ካልኦት ሰበስልጣንን ኣብ መወዳደርቲ ቦታ ተረኺቦም፡ ነቲ ሄኖክ ምሉእብርሃን ዝተዓወተሉ መድረኽ ተኸታቲሎሞ ምንባሮም ይዝከር።