ትግራይ: ን250 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ሓድሽ ፋብሪካ ቴራናይት ስራሕ ጀሚሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ፋብሪካ ቴራናይት ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተተኺሉ ፍርያት ምሃብ ጀሚሩ።
ወናኒን ዋና ፈፃሚ ስራሕን እቲ ትካል ኣይተ ገብረመድህን ገብረማርያም እቲ ፋብሪካ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ክትከል ዘድሊ ኩሉ ተማሊኡ ዘመናዊ ማሽናት ኣብ ምጉዕዓዝ ምንባሩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኮይኑ ግና ብሰንኪ እቲ ኲናት ተዓናቒፉን ተደናጉዩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ወሲኾም ገሊፆም።
ብምኽንያት እቲ ምትዕንቓፍን ምድንጓይን ምስ ባንክ ኣብ ዝነበረ ልቓሕ: ግዜ እፎይታን ወለድን ዘይተደለየ ዕዳ ከምዘጓነፎም ድማ ተዛሪቦም።
ኣይተ ገብረመድህን ኣብዚ ወቕቲ'ዚ ዋላ እኳ ዝተደላደለ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ኣይሃሉ: ነገር ግን "ሕውየት ትግራይ ንክመፅእ ንእሽቶ ከበርከት ይኽእል እዩ" ዝብል ሓቦን ኒሕን ሰኒቖም ናብ ተግባር ከምዝሰገሩ ኣረዲኦም::
"ዋና መበገሲና እቲ መንእሰይ ክንሰርሕ ኢና! ክንሓዊ ኢና! ዝብል መንፈስ ክሕዝ ዝዓለመ እዩ። ዓድና ባዕልና እምበር ማንም ከመሓይሸልና ከምዘይኽእል ኩሉ ትግራዋይ ክኣምን ኣለዎ" ይብሉ።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን: ሕውየት ትግራይ ክረአ እንተኾይኑ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ማሽን ተኺሉ ስራሕ ክፈጥር ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣቶ ገብረመድህን "እቲ መንእሰይ ከዓ ናተይነት መንፈስ ሒዙ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ" ኢሎም::

እንታይ እዩ ዘፍሪ?
ቴራናይት ብዋጋ ሴራሚክ ብፅፈት ንግራናይት ዝትክእ ተመራፂ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ምዃኑ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ "ሰላም ቴራናይት" ኣይተ ከሰተ ገብረመድህን ተዛሪቡ::
"ቴራናይት ዋላ እኳ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝተለመደ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ፈላሚ እዩ:: ምሉእ ንምሉእ ኮምፒተራይዝድ ብምዃኑ ድማ ልዑል ፅፉፍን ውፁእን ፍርያት ክነቕርብ የኽእለና ኣሎ ማለት እዩ" ኢሉ::
ቅድሚ ሎሚ ዝስራሕ ዝነበረ ቴራዞ 10 መዓልቲ ማይ ሰትዩ ናብ ዕዳጋ ይቐርብ ነይሩ።
ኣብዚ ሎሚ ተጀሚሩ ዘሎ ቴራናይት ግን ኣብ ውሽጢ 10 ሰዓት ተሰሪሑን ናይ ግራናይት ጥንካረ ሒዙን ናብ ኣገልግሎት ንምብቃዕ ከምዝተኻእለ እቲ መብርሂ ይሕብር።
"ሰላም ቴራናይት" ኣብ ኣስታት 20 ሽሕ ትርብዒት ሜትር: ኣብ መቐለ ሓሚዳይ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብልዕሊ ሓደ ቢልየን ብር ዝተሃነፀ ፋብሪካ እዩ::
ማሽነሪ እቲ ፋብሪካ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተወ ስራሓት ጀርመን ከምዝኾነን: ንመፃረዪ ማሽን ሓዊሱ ኣውሮጳዊ ደረጃ ዝሓዘ ፅፉፍ ምህርቲ ዝህብ ፋብሪካ እዩ ይብል ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ቴድሮስ ኣብርሃ።
ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዝሓ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ፋብሪካታት፡ ብቢልዮናት ዝግመት ዕንወት ዝበፅሐን ዀይነን ዛጊድ ዳግመ ህንፀት ከምዘይተግበረለን እዩ ዝንገር።
በዚ ምክንያት ድማ፡ ብዙሓት መናእሰይ እቲ ክልል ካብ ስራሕ ተፈናቒሎምን ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖምን ይርከቡ።

ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ሰፊሕ ስእነት ስራሕ ጠንቂ ሰላምን ፀጥታን ኮይኑ ስርቂን ካልኦት ኣነወርቲ ተግባራትን ክበዝሑ ኮይኑ ኣሎ::
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን እቲ ክልል ትኹረት ስለዝሰኣነ ከቢድ ማሕለኻን ፅልዋን ፈጢሩ ምህላዉ ብዙሓት ይኣምኑ።
ብደቂ ዓዲ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣፍረይቲ ትካላት ተዘሚቶምን ተዳኺሞምን ዳግም ክለዓሉ ኣይከኣሉን። ብናይ ደገ ሰብ ሃብቲ ዝውነና ዝነበራ ፋብሪካታት ድማ ዛጊድ ስራሕ ኣይጀመራን።
ኣብተን ፋብሪካታት ክዋፈሩ ዝነበሮም መናእሰይ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ናብ ስደትን ምብተታንን የማዕድዉ ኣለዉ::
እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መቐለ ፍርያት ውፅኢት ህንፀት ዝጀመረ ፋብሪካ ሰላም ቴራናይት ዛጊድ ኣብ ዝጀመሮ መባእታዊ ስራሕ ን250 ሰብ ሞያን መናእሰይን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ካብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ፋብሪካ ንቴራናይት መስርሒ ዘድሊ እታዎት ካብ ትግራይ ይጥቀም ምህለዉ ድማ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፡ እቲ ፋብሪካ ኣብ ሃገረሰላም: ውቐሮን ነጋሽን ማእከላት ማሽን መጥሐኒ እምንን ሑፃን ከምዘለዎ ምፍላጥ ተኻኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







