ጥሩፍነት፡ ንኢትዮጲያ ማዕረ ክንደይ እዩ ዘስግእ?

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ብሔርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት ተፈጺሞም እዮም።

ንምዃኑ መሰረቱ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝግበረ ጥሩፍ ኣተሓሳስባታት ዝመንቀሊኡ ጐንጺ ንኢትዮጵያ ማዕረ ክንደይ የስግኣ?

መለለዪታት ጥሩፍነት እንታይ እዮም?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ አበባን ኮሌጅ ስነ መለኮትን መምህር ዝኾነ ዶ/ር ተካልኝ ነጋ ከምዝብሎ፡ ጥሩፍነት፡ እቲ ናተይ ኣረኣእያ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ብዝተኽኣለ መጠን ከልግስ ኣለዎ ወይ ክንቃለሶ ኣለና ዝብል ቅኒተ ኣእምሮ ዘለዎ ይገልጽ።

ብሓባራዊ ምዝርራብን ምርድዳእን ፍልልያትካ ካብ ምፍታሕ ሓይሊን መጥቃዕቲን ምጥቃም ከም መፍትሒ ይወስድ።

ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርስቲ ፍሎሪዳ ማእከል ሃይማኖትን መጽናዕቲን ኣፍሪቃ ፕሮፌሰር ዝኾነ ቴሪ ኣስቴቦ ጥሩፍነት ዝብል ቃል ዝተፈላለየ ትርጕም ዝወሃቦ ይዅን እምበር፡ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ሃይማኖትካ ጥራይ ፍሉይ ገይርካ ምርኣይ ክበሃል ይኽእል እዩ ይብል።

ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ ጥሩፍነት ሃይማኖትን ኣብዚ እዋን ዝጀመረ ከምዘይኰነ ዶ/ር ተካልኝ የረድእ።

ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ዓመታት [1991-1995 ኣ.ኤ] ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ 1994ን 1995ን ጥሩፍነት ከም ዓቢይ ኣጀንዳ ይለዓል ነይሩ። መንቀሊኦም ድማ፡ ኣብቲ እዋን ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ቦምባ ምዃኖም ይዝክር።

ኣብ ሆቴል ዋቢ ሸበሌ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ነበር ዓብዱልመጂድ ብዝተፈፀመ ፈተነ ቕትለት፣ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ዝተኻየደ ፈተነ ቕትለትን ተኣሳሲሩ ጥሩፍነት እስልምና ይለዓል ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።

ሽዑ ካብ ደገ ዝኣተወን ኢትዮጵያውያን ዘይተሳተፉሉ ዓይነት ጥሩፍነት ኣሎ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያውያን ይስትውዓል ነይሩ።

ጸኒሑ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብሃይማኖት እስልምና ተማሂሮም ዝተመልሱ መናእሰይ ዘርኣይዎ ኣመለኻኽታ እዩ ዝብሉ ሰባት ክስምዑ ከም ዝጀመሩ ዶ/ር ተካልኝ ይገልጽ።

ብድሕሪኡ፡ ብ2006 [ኣ.ኣ.] ኣብ ጅማ ሃይማኖት ብዝጠንቁ ግጭት ሰባት ምስ ተቐትሉ፡ ጥሩፍነት ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ቦታ ከምዝረኸበ ዘንጸባርቝ ኣተሓሳስባታት ዕድል እናረኸቡ መጺኦም ይብል ዶ/ር ተካልኝ።

ድሕሪ 2011 ድማ ድምጽና ይሰማዕ ምስ ዝብል ምንቅስቓስ ተተሓሒዙ እቲ ሓሳብ እናሓየለ መጺኡ። ዶ/ር ተካልኝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተወሰነ ደረጃ ማሕበረ ቅዱሳን’ውን ምንቅስቓሳት ጥሩፍነት ይገብር እዩ ክብል ጀሚሩ ከም ዝነበረ ወሲኹ ይገልጽ።

ብድሕሪ እዚ እውን ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ስዒቡ እዚ ቃል ብተደጋጋሚ ክፅዋዕ ይስትውዓል ነይሩ። ፕሮፌሰር ቴሪ ኣስቴቦ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተኸተልቲ ሃይማኖታት፡ ባህርያት ጥሩፍነት ከምዝርእዩ ይገልጽ። እዞም ሰባት ቦታ ክረኽቡ፡ ሃይማኖቶም ብምኽራር ኣብ ካልኦት ሰባት ጽልዋ ከምዘሕድሩ እቲ ፕሮፌሰር ሓሳብ ይህብ። እዚ ድማ ናብ ግጭት የምርሕ ይብል።

ሃይማኖት ንምስፍሕፋሕ ፈተነ ካብ ምግባር፡ ሃይማኖቶም ንምክልኻል ወይ’ውን ዝነበሮም ነገር ከምልሱ ጻዕሪ ክገብሩ እንከለው፡ ፍርሒ፡ ጭንቀትን ግጭትን ክኽሰት ይኽእል።

ብናተይ ኣመለኻኽታ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ካልኦት ሃገራት ባህሪ ጥሩፍነት ዘርእዩ ውልቀ ሰባት ኣለዉ፡ ይብል ዶ/ር ተካልኝ። ኰይኑ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚቝን ትካላዊን ዝኾነ ሱር ዝሰደደ ጥሩፍነት ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ይብል።

“ጥሩፍነት ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሰረት ሃልይዎ፡ ብዙሓት ሰባት ተቐቢሎምዎ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ኣተሓሳስባ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።”

ዶ/ር ተካልኝ ኣተሓሒዙ፡ ጥሩፍ ኣተሓሳስባ፡ ብቐሊሉ ሰባት ዘለዓዕል ስለዝዀነ ግን፡ ሰባት ከም መሳርሒ ክጥቀሙሉ ይመርጹ ይብል።

ጥሩፍነት ካብ ሃይማኖታዊ ትካላት ወጻኢ

ፕሮፌሰር ቴሪ ኣስቴቦ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር ዝመሰረቱ ጥሩፍነት ከም ዝርአ ይጠቅስ። እዚ ድማ ‘ሓደ ብሄር ካብቲ ካልእ ብሄር ይበልጽ’ ብዝብል ኣተሓሳስባ ዝንጸባረቕ ምዃኑ የረድእ።

ዶ/ር ተካልኝ ብወገኑ ፖለቲካን ብሄርን ብዙሕ ተቐባልነት ከም ዘለዎ የልዕል። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ፌደራላዊ ስርዓት ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ወገን ዝፈላለዩላ ሃገር ከምዝኾነት ይዛረብ።

ዝተፈላለዩ ብሄራት ሓባራዊ ኣመለኻኽታ እንተስኢኖም፣ ነቲ ኻልእ ናይ ምጥፋእ ሓሳብ እንተሃልይዎም ከምኡ’ውን ዝደልይዎ መሰል ክረኽቡ ሓይሊ ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙን እንተዀይኖም ጥሩፍነት ኣሎ ክበሃል ይኽእል እዩ፡ ይብል።

ምኽንያታት ምስራት ጥሩፍነት እንታይ እዮም?

ዶ/ር ተካልኝ ከምዝገልጾ ጥሩፍነት ኵልሳዕ ምስ መሰል ዝተተሓሓዘ ሕቶ እዩ።

መንቀሊኡ፡ ኣብ ፖለቲካ ክንዲ እቲ ንደልዮ ተሳትፎ ኣይረኸብናን፣ ከም ብሄር ዝግብኣና ጥቕሚ ኣይረኸብናን ዝብል ክኸውን ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ቴሪ ኣስቴቦ የብርህ።

“ተጠቒዐ፡ መሰለይ ተኸልኪለ፡ ዝግብኣኒ ኣይረኸብኩን፣ ዝዕንቅፉ ኣካላት ኣለዉ፡” ብዝብል እቲ ቓልሲ ከምዝጅመር እቶም ምሁራን ይገልጹ።

ዶ/ር ተካልኝ ከምዝብሎ እቲ ስርዓት ቝጠባ ሚዛናዊ ኣጠቃቕማ ዘየተባብዕ እንተዀይኑ፡ ማዕርነት ካብ ምቕባል ጥሩፍነት ዝስፋሕፍሐሉ ዕድል ከምዝፍጠር ይገልጽ።

መፍትሒኡኸ እንታይ እዩ?

እቲ ወትሩ ግጭት ከም ዝህሉ ዝዛረብ ዶ/ር ተካልኝ እቲ መፍትሒ ነቲ ግጭታት እንፈትሓሉ መገድታት ምምችቻእ ምዃኑ ይገልጽ። ግጭታት ከነአንግድ ከለና ኣብቲ ኻልእ ሰብ ጸቕጢ ናይ ምፍጣር ድልየት ከምዝርአ ይጠቅስ።

"ጉዳያት፡ ሓሳባትን ባህግታትን ካልእ ወገን ኣይግድሰንን፣ ሓይሊ ስለዘለኒ ብሓይለይ ድልየተይ ክፍጽም እየ፡" እንተኢልና ጸኒሑ ዝፍንጀር ጥሩፍነት እናተፈጠረ ከም ዝኸይድ ይገልጽ።

ኣብ ኵሉ እቲ ዘጋጭወና ጉዳያት ንሓድሕድና ማዕረ ገይርና ምርኣይ፣ ንሕናን ንሳቶምን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምውፃእ፡ ከምኡ’ውን ጌጋ ኣብ ዝፍጠረሉ ብሓባር ፍታሕ ናይ ምንዳይ ስርዓት ክፍጠር ከሎ ጥሩፍነት ቦታ ኣይህልዎን፡" ይብል ዶ/ር ተካልኝ።

መንግስቲ’ውን ውልቀ ሰባት ንሕቶኦም ግቡእ መልሲ ዝረኽብሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከጣጥሕ፣ ሕጊ ዝኽበረሉ መንገዲ ከመቻችእን እንተኽኢሉ፡ ጥሩፍነት ዝዕምብበሉ ዕድል ከም ዘይህሉ እቲ ዶክተር ይገልጽ።