ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ንጣሊባን ጸቕጢ ትፈጥረሉ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ እቲ ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዘሎ ጣሊባን ኣብታ ሃገር ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንክሓምቕ ደረኽቲ ዝኾኑ ፖሊሲታቱ ክቕይር ፀዊዓ።
ዋሽንግተን፡ ጣሊባን ብፍላይ ከኣ ንደቂኣንስትዮ፣ ኣዋልድን ተቓላዕቲ ማሕበረሰብን ቀየድቲ ዝኾኑ ፖሊስታቱ ንክቕይር እያ ፀቕጢ ገይራ ዘላ።
ኣሜሪካ ምስቲ ኣኽራሪ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ኳታር ኣብ ዘካየደቶ ዝርርብ፡ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ክፍትሑ’ውን ፀቕጢ ገይራ።
ጣሊባን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ መራሕቱ ዝተነበሩ እገዳታት መገሻ ክለዓሉ ጠሊቡ።
እዚ ጉጅለ ኣብ ነሓሰ 2021 እዩ፡ ናብ መንበረ ስልጣን ተመሊሱ።
ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብታ ብኵናት ዝዓነወት ሃገር ብሕንፍሽፍሽ ምውፅኦም ስዒቡ፡ ጣሊባን መንበረ ስልጣን ዝጨበጡ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ “ምስ ላዕለዎት ተወከልቲ ጣሊባንን ሰብሞያ ቴክኖክራትን” ብሰንበትን ሰኑይን ኣብ ዶሃ ከም ዝተዘራረበ ኣፍሊጡ።
ልኡኽ ጉጅለ ኣሜሪካ፡ “ህዝቢ ኣፍጋኒስታን መሰላቱ ክኽበርን ድምፅታቱ መፃኢ እታ ሃገር ቅርፂ ከትሕዝን ንጠለባቱ ከም ዝድግፍ” ገሊፁ።
ኣሜሪካ፡ ጣሊባን ኣዋልድ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ከይመሃራን ደቂኣንስትዮ ከይሰርሓን ዘንበሮም እገዳታት ከልዕል ትጠለብ።
ብተዛማዲ እቲ ልኡኽ ጉጅለ፡ ጣሊባን፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን መሻርኽታን ንዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ባይታ ክትኸውን ከይፈቅድ ተኣማንነት ምርኣዩ ኣስተብሂሉ።
ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ኣፍጋናውያን ዝፍፀም መጠነ ሰፊሕ ግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕትታት ከም ዝነከየ’ውን ሓቢሩ።
ጣሊባን ብወገኑ፡ ዝደስከሉ ሃፍትታት ኣፍጋኒስታን ክልቀቕ ከም ዝደልይ ገሊፁ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ 2021 ዓሰርተ ቢልየን ዶላር ርእሰ-ማል ማእኸላይ ባንክ ከም ዝኣገደት ይፍለጥ።
ጉጅለ ጣሊባንን ኣሜሪካን ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ፀላእቲ’ዮም ነይሮም።
ንግብረ-ራዕዳዊ መጥቃዕቲ 9/11 ስዒቡ ብኣሜሪካ ዝተዓለዉ ጣሊባን፡ ንወተሃደራት ኣሜሪካን መሻርኽቶምን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ቀፂሎም።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን እንትወፅኡ ግና፡ ተቓለስቲ ጣሊባን ንካቡል መሊሶም ንምሓዝ ሒደት መዓልታት ጥራሕ እዩ ወሲድሎም።
ንምምሕዳር ጣሊባን ኣፍልጦ ዝሃበት ሃንቲ ሃገር እኳ እንተዘይሃለወት፡ ብዘይ ሕገ-መንግስታዊ መገዲ ኣብ ስልጣን ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







