'ኣወዳት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ክርኢ እንከለኹ ኣዝዩ ይስመዓኒ'

"መዓልታዊ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስየ ዝብል ተስፋ ሒዘ እየ ዝበራበር። ንሳቶም [ጣሊባን] ቤት ትምህርቲ ክንከፍት ኢና'ኳ እንተበሉ፡ ሕጂ ግን ዳርጋ ክልተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ ኣይኣምኖምን እየ። በዚ ከኣ ልበይ ተሰይሩ፡" ትብል ጓል17 - ዓመት ሓቢባ፡ ንብዓት ከይስዕራ ብምቅላስ ከንፈራ እናነኸሰት።
ሓቢባን መማህርታ ነበር፡ ማህታብን ታማናን፡ ሒደት ካብተን ብጣሊባን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከይመሃራ ዝተኸልከላ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኣዋልድ እየን።
ህይወተን ካብ ዝመዛበል ዓመትን ፈረቓን'ኳ እንተቝጸረ፡ ሓዘነን ግን ክሳብ ሕጂ ሓድሽ እዩ። እተን ኣዋልድ፡ ዋላ'ኳ መዓልታዊ ምስቲ ቃንዛ ዝነብራ እንተዀና፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣዋልድ ዘይብሉ ካልእ ናይ ትምህርቲ ግዜ ምስ ተጀመረ ተጋዲዱ፤ ንጸገመን ክወሃብ ዝጸንሐ ዓለማዊ ቍጥዐን ግብረመልስን ይሃስስ ምህላዉ'ውን ከምዝሰግኣን ይዛረባ።
ታማና ድምጻ እናኣንቀጥቀጠን እናነብዐትን “እቶም ኣወዳት ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ዝደለይዎ ክገብሩ ክርኢ ከለኹ ብሓቂ ይጐድኣኒ፣ ብጣዕሚ ሕማቕ ይስምዓኒ። ሓወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ክርኢ ከለኹ ኣዝዩ ይስምዓኒ" ትብል።
ወሲኻ፡ "ቅድሚ ሕጂ ሓወይ ብዘይ ብኣኺ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከይድን እየ ይብለኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ሓቚፈዮ ንስኻ ኪድ ድሒረ ክጽንበረካ እየ ኢለዮ፡" ትብል።
"ሰባት ንወለደይ ክትጭነቝ የብልኩምን፡ ኣወዳት ኣለዉኹም እንዶ ይብልዎም። ንሕና እውን ተመሳሳሊ መሰል እንተዝህልወና ጽቡቕ ነይሩ።"

ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ክኽፈታ እየን ዝብል ተስፋ ዝነበሮም ወገናት፡ መንግስቲ ጣሊባን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘንበሮ ገደብ እናወሰኸ ብምምጽኡ ተስፋኦም ጸልሚቱ።
"ኣብ መጀመርታ ቅሩብ ናጽነት ነይሩ፡ በብቕሩብ ግን እዚ ተቐይሩ" ትብል ሓቢባ።
ድሕሪ እገዳ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እቲ ናይ መጀመርታ ገደብ ኣብ ታሕሳስ 2021 ኰይኑ፡ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 72 ኪ.ሜ እንተተጓዒዘን ብደቂ ተባዕትዮ ዘመድ ክዕጀባ ከምዘለወን ኣዚዙ።
ኣብ መጋቢት 2022 መንግስቲ ጣሊባን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣዋልድ ክኽፈታ ምዃነን ኣፍሊጡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ድማ ዓጽዩወን።
ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ርእሰን ክሳብ እግረን ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ኣለወን ዝብል ኣዋጅ ወጺኡ፤ እንተላይ መሸፈኒ ገጽ።
ኣብ ሕዳር፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ካብ መናፈሻታት፡ ጂምን መሐንበሲታትን ተኸልኪለን ነይረን። ኣዋልድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከም ስነቝጠባ፡ ምህንድስናን ጋዜጠኝነትን ዝኣመሰሉ ትምህርትታት ክመርጻ ኣይፍቀደለንን ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ዩኒቨርሲቲታት ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ተዓጽዋ፤ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይካ ኣብ ጽላት ጥዕና፡ ኣብ ዘይመንግስታውያንን ኣህጉራውን ትካላት ከይሰርሓ ምስተኣገዳ፡ ዓቢ ነውጺ ተፈጢሩ።

ማህታብ፡ "እዚ ድሩትነት እንተበዚሑ፡ እዚ ህይወት’ዚ ድሕሪ ሕጂ ንደቂ ኣንስትዮ ምንባር ዝበቅዕ ኣይመስለንን። ከም ደቂ ሰባት መሰረታዊ መሰላትና ተነፊግና ኢና። ህይወት ብዘይ ትምህርቲ ትርጕም የብላን። ካብ ከምዚ ዓይነት ህይወት ሞት ይበልጽ ይመስለኒ" ትብል እዛ ጣሊባን ምስ ሓይልታት ናይቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝዋግኣሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ግንቦት 2021 ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰይድ ኣ'ሹሃዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ዝቘሰለት ጐርዞ።
"ኣብ ክሳደይ፡ ገጸይን እግረይን ማህረምቲ ነይሩኒ፡ ቃንዛ እዩ ነይሩ። ግን ትምህርተይ ክቕጽል ቈሪጸ ነይረ። ኣብ ፈተና ርብዒ ዓመት ከይተረፈ ተሳቲፈ፡ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን ጣሊባን መጺኡ ኵሉ ከምዘይነበረ ኰይኑ።”
ጣሊባን፡ "ምቹእ ሃዋህው" ክሳብ ዝፍጠር ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንግዚኡ ጥራይ ከምዝዕጸዋ ገሊጹ።
"ይዅን እምበር ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ጣሊባን ኣብዚ ጉዳይ ምፍልላይ ከምዘሎ ርዱእ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣዋልድ ክመሃራ ክፍቀደለን ኣለዎ ዝብሉ ሰባት ዝገብርዎ ዝዀነ ይዅን ጻዕሪ ውጽኢት ኣይረኸበን።"
ኣተገባብራ ሕግታት ጣሊባን ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት ሓደ ዓይነት'ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ድንጋገ ሃዋሁ ፍርሕን ምድንጋርን ፈጢሩ ኣሎ። ንገለ ካብቶም ካልኦት እገዳታት ብዝምልከት'ውን ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ሒጃብ ስለዘይገበራ ወይ እስላማዊ ሕግታት ስለዘይተኸተላ ከምዝተገብረ ይዛረቡ።
ታማና ግን፡ "ኵሉ ግዜ ሒጃብ ኢና ንኽደን። ግን ለውጢ ኣየምጽእን'ዩ። እንታይ ማለቶም ምዃኑ ኣይርድኣንን'ዩ" ትብል ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝጸናሕናሉ ግዜ፡ ቅድሚ ጣሊባን ይዅን ጣሊባን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ሒጃብ ዘይለበሰት ኣፍጋናዊት ጓል ኣንስተይቲ ፈጺምና ረኺብና ኣይንፈልጥን።

ላይላ ባሲም ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ህዝባዊ ቦታታት ንምምካት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ቤተ-መጻሕፍቲ ብሓባር መስሪታ ነይራ። እቲ ኣብ ካቡል ዝርከብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ዝበጻሕናዮ ቤት ንባብ፡ ኣብቲ ሰለስተ መንደቕ ናይቲ ክፍሊ ዝሽፍን መደርደሪታት ኣሽሓት መጻሕፍቲ ብጽፉፍ ተደራሪቦም ነበሩ። ደቂ ኣንስትዮ ድማ መጽሓፍቲ ከንብባ ይኣትዋ ነይረን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ ውሽጢ ገዛ ካብ ምዕጻው ንምህዳም፡ ንሓድሕደን ንምርኻብ ጥራይ እየን ዝኣትዋ።
ሕጂ ግን እቲ ቤተመጻሕፍቲ ተዓጽዩ ኣሎ።
ላይላ፡ “ጣሊባን ነቲ ቤተመጻሕፍቲ ምስ ዓጸዎ፡ ዳግማይ ከፊትናዮ። እቲ ምፍርራህ ግን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከይዱ፡ ከመይ ጌርኪ ደፊርኪ ንደቂ ኣንስትዮ ቤተ-መጻሕፍቲ ከፊትኪ ዝብሉ ደወላት መጺኦምኒ። ሓደ እዋን ናብቲ ቤተመጻሕፍቲ መጺኦም ደቂ ኣንስትዮ ከተንብባ መሰል የብልክንን ምስ በልወን ንምክያዱ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ንኽዓጽዎ ዘይተርፍ ውሳነ ክወስድ ግድን ኰይኑኒ" ትብል።

ንሳ፡ ንፖሊሲታት ጣሊባን ንምምካት ካልእ መገድታት ምድላይ ክቕጽል እየ ትብል።
"ብርግጽ ፈሪሐ ኣለኹ፡ ምዕጻው እቲ ቤተመጻሕፍቲ ግን መወዳእታ መንገዲ ኣይኮነን። ካልእ ኣገባባት ኣሎ፡ ብእኡ ኣቢልና ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ከነስምዕ እንኽእለሉ። ከቢድ'ዩ፡ መስዋእቲ'ውን ዝሓትት'ዩ፤ እንተዀነ ጀሚርናዮ ኣለና፣ ንዕኡ ድማ ተወፋይነት ኣሎና" ትውስኽ።
ነተን እንኮ ጠወርቲ ስድራአን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ድራር እለተን ምምእራር ኣጸጋሚ እዩ።
ሜራ (ስማ ተቐይሩ) ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት እትርከብ መበለት እያ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ከም ጽሬት እናሰርሐት ነታ 10 ዝኣባላታ ስድራቤታ ትድግፍ ነይራ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ግን ስራሕ ስኢና። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ድማ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዙሕ ስራሕ ኣይረኸበትን።
ሕጂ ኣብ ጐደናታት ካቡል ትልምን ኣላ።
"ዳርጋ ብህይወት ዘየለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ። ሰባት ዋላ ሓንቲ ከምዘይብለይ ስለዝፈልጡ ክሕግዙኒ ይፍትኑ። ግን፡ ክብሪ ዘይብሉ ህይወት ካብ ምንባር ምማት ይሓይሽ" ትብል ኣምሪራ እናበኸየት።
ይዅን እንበር ኣብ መንጐ ሽግራታ'ውን እንተዀነ፡ ሜራ ኣዋልዳ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተዝኸዳ ትምነ።
"ክምሃራ እንተዝኽእላ ስራሕ ምረኸባ። ሓንቲ ካብ ደቀይ ሕጊ ሓንቲ ድማ ሕክምና ክትመሃር ትደሊ። ዋላ'ውን ክልምን እንተተገደድኩ ንትምህርትኽን ዝኸውን ገንዘብ ክረክብ እየ እብለን፡ ግን ጣሊባን ስለዘይፈቅድ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸዳ ኣይክእላንየን።"
"ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ብዘይካ ቃንዛን ሓዘንን ካልእ የለን።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







