እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ‘ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ምጥራዝ ስደተኛታት ክህሉ’ዩ’ ኢሉ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምል፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ትማሊ ምሸት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዓለም ዝበሎም ኲናት፡ ስደትን ካልኦት ቍጠባዊ ብድሆታትን ኣብ ምፍታሕ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ፔንሲልቬኒያ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ቅትለት ክግበር እንከሎ፡ የማናይ እዝኑ ተሃሪሙ ብሓይልታት ጸጥታ ካብቲ መድረኽ ከም ዝወረደ ይዝከር።
ትማሊ ሓሙስ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ምዃኑ ኣመልኪቱ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ፡ “ሎሚ ምሸት ኣብዚ ኣይምሃለኹን፤ ኣምላኽ ግን ጸግዐይ ስለዝነበረ ኣብዚ ተረኺበ ኣለኹ" ኢሉ።
ዜጋታት እታ ሃገር፡ ንዘርኣዩዎ ደገፍ ብምምስጋን “ኣመሪካውያን ሓንቲ ዕጫን ሓባራዊ ጽሕፍቶን’ዩ ዘለና። ሓቢርና ንለዓል ወይ ሓቢርና ንወድቕ” ኢሉ።
ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዝዀነ ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝቕባበ ዋጋ ንኽወርድ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ከብቅዕን ንሱ ፕረዚደንት እንተዝኸውን ነይሩ ኣይመጋጠሙን ዝበሎም ኲናታት ደው ክብሉን ከም ዝገብር ተዛሪቡ።
“ናይ ለውጢ ግዜ’ዩ፤ ኣዝዩ ከቢድ ግዜ’ዩ” ዝበለ ትራምፕ፡ "ነፍሲ ወከፍ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ከም ዘብቅዕ ክገብር'የ" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ኣብቲ ሰልፊ ሪፓብሊካን ወኪሉ ንፕረዚደንትነት ንኽወዳደር ዝተዋህቦ ሕጹይነት ምቕባሉ ኣመልኪቱ ዘስምዖ መደረ፡ ዝተፈላለዩ ዘቤታውን ግዳማውን ጕዳያት ስደት፡ ፖለቲካን ቍጠባን ተንኪፉ ኣሎ።
ንሱ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ እንተተመሊሱ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ዝፈጠሮም ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት፡ ‘ዘስካሕክሑ’ ዝበሎም ኲናታት ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ጠጠው ከም ዘብሎም ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ “ባይደን ሰላም ዝነበራ ዓለም'ኳ እንተወረሰ፡ ናብ ናይ ኲናት ዓለም ቀይሩዋ’ዩ” ብምባል ክነቅፍ እንከሎ፡ “ኣነ ኣብ ስልጣን እንተዝህሉ ነይረ፡ እቶም ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ኲናት ኣየመጋጠመን ነይሩ” ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ‘ኵሉ ዓለምለኻዊ ቅልውላው ከምዘብቕዕ ክገብር’የ’ ብምባል ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ስደተኛታት ሎሚ’ውን ኣዝዩ ኣዘራራቢ ርእይቶ ሂቡ ኣሎ።
ደጊሙ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ሜክሲኮ ዝርአ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ “ወራር” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ክሃንጾ ዝጀመረ መንደቕ ክዛዝሞን ዘይሕጋዊ ስደት ክዓግትን ከም ዝዀነ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ሰባት ኣምለኪቱ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘልዓሎ ዛዕባ፡ “መጕሓፊ ኰይንና ዓለም ትስሕቐና ኣላ” ክብል’ዩ ተሰሚዑ።
ቀጺሉ፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ተዓዊቱ ናብ ዋይት ሃውስ እንተተመሊሱ፡ ምምሕዳሩ “ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝዓበየ ናይ ምስጓግ ስርሒት ክጅምር’ዩ” ይብል።
“ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ እዚ ምምሕዳር [ባይደን] ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ድልዱል ዶብ ኣረኪበዮ፤ ግን ንነፍሲ ወከፍ ጽቡቓት ፖሊሲታት ትራምፕ ከም ዝሰናኸሉ'ዩ ገይሩ። ሕጂ ኣብ ሃገርና ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ወራር’ዩ ዝፍጸም ዘሎ። ካብ ደቡብ ኣመሪካ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ካብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን - ካብ ኵሉ’ዮም ዝመጽኡ ዘለው። እዚ ምምሕዳር ከኣ ነዚኦም ደው ንምባል ዋላ ሓደ ነገር ኣይገበረን” ኢሉ።
ፕረዚደንትነት ትራምፕ ብኣዝዮም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ዝልለ ኰይኑ፡ ናብ ዋይት ሃውስ እንተተመሊሱ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ብዝተፈለየ ስጕምቲታት ክወስድ ምዃኑ ፈኪሩ ኣሎ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ 'እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣውን ጸጥታውን ቅልውላው ደው ንምባል' ኣብ ዶብ ኣመሪካ-ሜክሲኮ ሓጹር ክህነጽ ከም ዘለዎ እዩ ዝኣምን።
ኣብ ፈላመይቲ መዓልቲ መሪሕነቱ ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ውሽጣዊ ስርሒት ምስጓግ ክጅምር” ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።
ሰነዳት ካብ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝውለዱ ቈልዑ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መሰል ዜግነት ከብቅዕን ኣብ ልዕሊ ጕጅለታት ዕጸ-ፋርስ ሜክሲኮ ስጕምቲታት ክወስድ ምዃኑን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ካብ ሃገራት እስላም ዝመጽኡ ገያሾ ዝግበር እገዳ ጕዕዞ ከስፍሖ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝግበር ምስጋር ዶባት ካብቲ ኣብ 2000 ዓ.ም [ኣ.ኤ] 1.6 ሚልዮን ዝነበረ ብ2018፡ ናብ 400 ሽሕ ምውራዱ ይፍለጥ።
ትራምፕ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ወኪሉ ንፕረዚደንትነት ንኽወዳደር ዝተዋህቦ ሕጹይነት ምቕባሉ ኣመልኪቱ ዘስምዖ መደረ፡ ዳርጋ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ክበሃል ዝክኣል እቲ ኣዝዩ ነዊሕ መደረ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እዚ ዘረባ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን 30 ደቒቕን ዝኸደ'ዩ ነይሩ፤ ካብ ሕጹይ ፕረዚደንት ብተሌቪዥን ዝቐረበ እቲ ዝነውሐ መደረ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ትራምፕ፡ ኣብ 2016 ከምኡ’ውን 2020 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ እቲ ዝነውሐ ዘረባ ዘስምዐ ክኸውን እንከሎ፡ ብ2016 ኣብ ኦሃዮ ኣብ ዝገበሮ መደረ ንሓደ ሰዓትን 15 ደቒቕን፤ ኣብ 2020 ድማ ንሓደ ሰዓትን 10 ደቒቕን ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ብኣንጻሩ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ 2020 ዘስምዖ ዘረባ ን24 ደቓይቕ ጥራይ ዝጸንሐ’ዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ደገፍቲ ትራምፕ ብዘስምዖ ዘረባ ኣብ ልዑል ታሕጓስን ጽምብል ዘለው ኰይኖም፡ ጐስጓስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ሓያል ጸቕጢ ኣትዩ ይርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጸለውቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፡ ባይደን ኣብቲ መረጻ ዝዕወተሉ ዕድላታት ይጽንቀቕ’ዩ ዘሎ ብምባል ሕጹይ ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ኰይኑ ካብ ምውድዳር ክስሕብ ከም ዝሓተቱ ይግለጽ ኣሎ።
ኣፈ ጉባኤ ነበር ናንሲ ፔሎሲ ከምኡ’ውን ነባራት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት ዝዀኑ ሃኪም ጀፍሪሰን ቸንክ ሻመርን፡ ባይደን ነቲ ሰልፊ ብምሕላይ ካብቲ ውድድር ክወጽእ ከም ዝሓተቱ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣትን ጸለውትን ፖለቲከኛታት ዝዀነ ኣዳም ቺፍ፡“ሃገርና ኣብ ቀራና መንገዲ’ያ ዘላ፤ ትራምፕ ፕረዚደንት ኰይኑ እንተተመሪጹ ከኣ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ኣብ ሕቶ ክኣቱ’ዩ፣ በዚ ዘሎ ከኣ ጆ ባይደን ንትራምፕ ክስዕሮ’ዩ ዝብል ግምት የብለይን” ኢሉ።
ኣብዚ ጕዳይ፡ ባይደን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጐስጓስ ባይደን ቲጄይ ራስኪን ግን፡ እቶም ዝለዓሉ ዘለው ስግኣታት መሰረት ዘይብሎም ወግዓዊ ካብ ዘይኰኑ ምንጪታት ዝመጽኡ ዘለው’ዮም ብምባል ሞጒቱ።
“ጆ ባይደን ሕጹይ ውድቡ’ዩ፤ ዳግም ንኽምረጽ ከኣ ክወዳደር’ዩ” ብምባል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።