ዙር ርዋንዳ 2024፡ ትሽዓተ ኤርትራውያን፡ ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ክሳተፉ’ዮም

ኣብቲ ካብ ሰንበት 18 ክሳብ 25 ለካቲት ንመበል 16 ግዜ ዝካየድ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ ሓሙሽተ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ድማ ምስ ካልእ ጋንታ ብምዃን ብሓፈሻ 9 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይን ያፌት ሙሉጌታን ኣሰሊፋ ነቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘለዋ ዓብላልነት ንምርግጋጽ ክትወዳደር’ያ።

ብዘይካ እዞም ሓሙሽተ ሻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ'ዮም።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት የማነ’ውን ምስታ ብኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝቖመት ጋንታ ናይ ዩሲአይ ብምዃን ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበት ማልያ ገይሩ ክወዳደር’ዩ።

ምስታ ብኤርትራዊ ብዓለ ጸጋ እትውነንን ብኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነበር ኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥን ኮንቲነታል ጋንታ መይስታርስ ከኣ ኤርትራዊ ዳዊት ተወልደብርሃን ክውዳደር'ዩ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተሓቚፎም ካብ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ዓበየ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃን መርሃዊ ቅዱስ ብጫ ማልያ ክዕወት እንከሎ፡ ድሕሪ 2019 ንመጀርታ ግዜ ናብቲ ውድድር ብምምላስ ነቲ ኣብ 2019 ዝተጎናጸፎ ዓወት ንምድጋም ክረጋረግ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2012 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ካብ ኪጋሊ ናብ ንያጋታረ ተሰሪዓ ዝነበረት ካልኣይቲ መድረኽ ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ እቲ ዝንኣሰ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዚኡ’ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ። ካብ 2019 ናብ ዙር ርዋንዳ ዝገበሮ ምልሶት ብጫ ማልያዶ የግዝሞ ይኸውን ግን ጸወታ ዝምልሶ'ዩ ክኸውን።

መትከል እዮብ ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ርዋንዳ ንዓስራይ ግዜ’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ብሓፈሻ ኣብ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ብምዃን ካብ ኩሎም ኤርትራውያን ዝበዝሐ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈን ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበን ክኸውን እንከሎ ብሓፈሻ ኣብ ዙር ርዋንዳ ነቲ ሽዱሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ክኸውን ዝኽኣለ ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስትሬፖ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝበዝሐ ናይ መድረኽ ዓወት ዝጨበጠ ተቐዳዳማይ’ዩ።

መትከል እዮብ ብሓፈሻ ኣብ ዙር ርዋንዳ 29 ግዜ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ብምዃን ውድደሩ ዛዚሙ።

ምስ ጋንታ ኢንተርማርቸ ዝወዳደር ዘሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ጽቡቕ ተወዳዳርነት ብምርኣይ ሰለስተ ግዜ ንዝበለጸ ተጻዋታይ ንዝውሃብ ማልያ ክዕወት ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ኮይኑ፡ ብመትከልን መርሃዊ ቅዱስን እናተሓገዘ ንብጫ ማልያ ክዕወተላ ካብ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ክስራዕ ዝቕስብ ብቕዓት ወኒኑ ዘሎ ተጻዋታይ’ዩ።

ናሆም ዘርኣይ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዚኡ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ ያፌት ሙሉጌታ ግን ፋልማዩ እዩ።

ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝጻወት ዳዊት የማነ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ’ዩ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ፣ ዓሚ ኣብ መዛዘምን ሻሙናይን መድረኽ መውደቕትን ምብልሻው ብሽክለታን እንተዘየጋጥሞ ጸወታ ክዛዘም ፍርቂ ኪሎሜተር ክሳብ ዝተርፎ ንበይኑ ኣብ ቅደሚት ኮይኑ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ንምዃን ተቓሪቡ ነይሩ’ዩ። ዩኤል’ውን ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ስለዝነበረ ነዚ ውድድር ሓዲሽ ኣይኮነን።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማን ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ነይሩ’ዩ፡ ሎሚ ዓመት ከአ ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ክሳተፍ’ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሶሎሞን መኩርያ፡ ሃይለሞለኮት ሃይሉ፡ ተስፉ ረዳእ፡ ተስፋይ ተኽለሃይማኖትን ጃዓፋር ጣሃን ብምሓዝ ክትሳተፍ’ያ፡ ብዘይካ እዚኦም ኪያ ሮጋራን ጽጋቡ ግርማይን’ውን ምስታ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ’ዮም።

ተስፉ ረዳእ ቻምፕዮን ኢትዮጵያ 2023 ክኸውን እንከሎ ጽጋቡ ግርማይ ከኣ ኣብ ናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ቻምፕዮን ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ 2023’ዩ።

ናይ ፕረፈሽናል ጸወትኡ ኣብ ርዋንዳ ዝጀመረ ጽጋቡ ግርማይ እዚ ውድድር እዚ ናይ መወዳእትኡ ከምዝኾነ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ሓቢሩ ነይሩ።

ካብቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ሃይለመለኮት ሃይሉ ንሳልሳይ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት ከኣ ንካልኣይ ግዚኦም’ዮም ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ዘሉ።

ዙር ርዋንዳ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ኣብ 2019 ክብ ምስ በለ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ብምዃን ተዓዊተሙሉ።

ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2023 ከኣ ሄኖክ ሙሉብርሃን።

ኣብ 2021 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ 2.2 ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ኣስታና ካዛኪስታን፡ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ ዲቨሎፕመንት ቲም፡ ቶታል ኢነርጂ፡ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ባይክ አይድ፡ ቲም ፖልቲ፡ ዩኤኢ፡ ዲኤስኤም ፈየርመንች፡ ኢኲፕ፡ ሎቶ ቲም፡ ብኤርትራዊ ኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥን መይስታርስ፡ ቢንጎል፡ ጃቫን ዝብሃላ ጋንታታን'የ ዝሳተፋ ዘለዋ።

ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮንን ክኾና እንከለዋ ሓንቲ ኣብ ዩሲኣይ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ጋንታ’ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ’ያ።

ተሰሪዖም ዘለዉ መድረኻት

ዙር ርዋንዳ 2024 ብዝሒ ዝሽፍኖ ኪሎሜተራት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ሓጺሩ’ኳ እንተሃለወ [ብሓፈሻ 740 ኪሎሜተር] እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበታት ዝበዝሖ ክኸውን'ዩ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ’ኳ ኣይካየድ እንተነበረ [ብዘይካ ዓሚ] ሎሚ ዓመት ግን ኣብ መበል ሓሙሻይ መድረኽ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

ካልእ ኣብዚ ዝምጽእ ውድድር ተኣታትዩ ዘሎ ከኣ ናይ ጋንታ ናይ ውልቂ ውድድር’ዩ።

  • ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 18 ኪሎሜተር ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር
  • ካልኣይ መድረኽ፡ ካብ ሙሆጋ ናብ ኪበሆ 130 ኪሎሜተር
  • ሳልሳይ መድረኽ፡ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ 141 ኪሎሜተር
  • ራብዓይ መድረኽ፡ ካብ ካሮንጊ ናብ ሩባቩ 92 ኪሎሜተር
  • ሓሙሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ኪንጊ 13 ኪሎሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
  • ሳዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ናብ ማውንት ኪጋሊ 93 ኪሎሜተር
  • ሻውዓይ መድረኽ፡ ካብ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 163 ኪሎሜተር
  • ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 90 ኪሎሜተር