ባርዕ ጫካ፡ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 20 ሬሳታት ይርከብ ኣሎ

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሃዋይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ገዛውትን ኣብ መካይንን ኣብ ዝገብርዎ ተፍትሽ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 20 ሬሳታት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

እቲ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዘመን ተራእዩ ዘይፈለጥ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ፡ ክሳብ ሰንበት ቁጽሪ በቲ ባርዕ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 96 ክብጽሕ ክኢሉ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ክፈለ ግዝኣት ሃዋይ ጆሽ ግሪን ምስ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ቁጽሪ ምውታት ንምፍላጥ ክሳብ 10 መዓልታት ክወስድ ከምዝኽል ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ብዘሎ ሓበሬታ ቁጽሪ ሃለዋቶም ዝጠፈአ ሰባት ኣስታት 1300 በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሃዋይ እትርከብ ከተማ ላሃይና ብሰንኪ እቲ ባርዕ ጫካ ምሉእ ንምሉእ ዓንያ’ያ።

እቲ ኣመሓዳሪ ምስታ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነት መደበር ተለቪዥን ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት “ኣብታ ከተማ እንትርፎ ምሉእ ንምሉእ ዝዓነወ ካልእ ዝርአ ነገር የለን” ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ 12 ሽሕ ሰባት ይነብርዋ ከምዝነበሩ ብምጥቓስ፤ "እቶም ነበርቲ ወይ ሃዲሞም ወይ በቲ ባርዕ ጸኒቶም’ዮም" ብምባል ንሓደገኝነት ናይቲ ባርዕ ገሊጽዎ።

እቲ ኣለሻ ይቅጽል ከምዘለዎ ዝሓበረ ዶሽ ግሪን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ እዋን ዳህሳስ ብዙሓት ግዳያት እቲ ባርዕ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ንግዳያት ንምልላይ ግዜ ክወስድ ከምዝኽል ኣተንቢሁ።

ክሳብ ቀዳም ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ ካብ ክፋል እታ ከተማ 3 ሚኢታዊት ጥራይ’ዩ ተዳህሲሱ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ንግዳያት ንምርካብ ብዕሉማት ኣኻልብ እናተሓገዙ’ዮም ዘካይድዎ ዘለዉ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ጀፍ ፐሌተር ብሰንበት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ካብታ ከተማ ሓሙሽተ ትርብዒት ማይል ጥራይ ኢና ዳህሲስና ዘለና፡ እቲ ቦታ ከኣ ብሬሳታት ናይቶም ንፈትዎም’ዮ መሊኡ ጸኒሕና” ኢሉ።

ኣብቲ ዳህሳስ 10 ዕሉማት ኣኻልብ ኣብ ምፍታሽ መካይንን ኣባይትን ተዋፊሮም ኣለዎ፡ ካብ ደቡብ ካልፎርንያ ከኣ ኣኻልብ ተወሲኾምዎም ኣለዉ።

ሓላፊ ፌደራል አጄንሲ ምክልኻል ሓደጋታት ዲን ክሪስወል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መስርሕ ተፍትሽ ክሳብ ክንደይ መዓልታት ከምዝወስድ’ኳ ክገልጽ እንተዘይደለየ እቲ ህሉው ኩነታት ‘ኣዝዩ ሓደገኛ’ ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ “እቲ ከባቢ ኣዝዩ ሃሩር ዝኾነ ሙቐት ስለዘለዎ እቶም ተፍትሽ ዘካይዱ ዘለዉ ኣኻልብ ከምቲ ዝድለ ክዓሙ ኣይክኣሉን” ክብል ገሊጽዎ።

ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ‘ዋይት ሃውስ’ ብማንዛ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ክሳብ ሕጂ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ገና ዘይቕሃመ ባርዕ ስለዘሎ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ንምጥፍኡ ይረባረቡ ኣለዉ” ኢሉ።

እቶም ኣኻልብ ሬሳታት ኣብ ምልላይ ኣዝዮም ውጽኢታውያን ከምዝኾኑ’ዩ ዝንገረሎም።

ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተረኸበ 96 ሬሳታት ብመንገዲ መርመራ ዲኤንኤ መንነት ናይቶም ክልተ ሰባት ጥራይ ተፈሊጡ ከምዘሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ጀፍ ፐሌተር ገሊጹ።

ኣብታ ኣብ ደሴት ትርከብ ከተማ ኣዩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ባርዕ ጫካ ምስ ኣጋጠመ ቁጽሪ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ሰባት ልዕሊ 2000 በጺሑ’ኳ ኣንተነበረ፡ መስመራት ቴሌፎን ክሰርሕ ምስ ጀመረ ግን ሰብ ንሓድሕዱ ደሃይ ክተሓታተት ስለዝጀመረ ቁጽሪ ናይቶም ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ናብ 1300 ወሪዱ።

ኣመሓዳሪ ክፈለ ግዝኣት ሃዋይ ጆሽ ግሪን፡ “ካብ ኩልና ነዚ ዝተጸበየ ኣይነበረን፡ ዘይድበስ ሓዘን’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ፡ ተፍትሽ ኣብ ዝካየደሉ ብዙሕ ዘሕዝን ነገር ገምዘጋጥም ፈሊጥና ተዳሊና ኣለና” ኢሉ።

ቤተ ዘመዶም ሃለዋት ዘጥፍኡ ሰባት፡ ዲኤንኤ ክህቡ’ውን ጻውዒት ቀሪብሎም ኣሎ።