ኤርትራ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ጋንታ ሙቪስታር ተጸንቢሩ

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 20 መስከረም 2024 ኣብ በልጂም ኣብ ዝተኻየደ መበል 108 ውድድር ካፕዮንስካብ ቫን ቭላንደረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 20 መስከረም 2024 ኣብ በልጂም ኣብ ዝተኻየደ መበል 108 ውድድር ካፕዮንስካብ ቫን ቭላንደረን

ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024 ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድል ትረክ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ስጳኛዊት ጋንታ ሙቪስታር ክሳብ 2026 ንኽልተ ዓመት ዘጽንሖ ውዕል ከምዝኸተመ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ።

ኣብ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ከምኡ ከኣ ኣብ 2022 ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ክኸውን ዝኸኣለ ናትናኤል ምስ ጋንታ ሊድል ትረክ ብምዃን’ውን ዓበይቲ ዓወታት ክሓፍስ ክኢሉ’ዩ።

ናትናኤል ኣብ ጥሪ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ውድድር ካደል ኢቫነስ ኦሽያን ሮድ ረይስ ካልኣይ ኰይኑ ምውጽኡ ዝዝከር’ዩ።

ብሓፈሻ ናትናኤል፡ ኣብ 2024 ኣብ 41 ናይ ውድድር መዓልታት 6423 ኪሌሜተር ብምዝዋር 443 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ’ዩ።

ኣብ 2023’ውን ን64 መዓልታት ኣብ ውድድር ተጸሚዱ 9320 ኪሎሜተር ብምዝዋር 333 ነጥቢ ንዕኡ፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ከዋህልል ክኢሉ’ዩ።

እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣብ ዝዘርግሓቶ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእካ ጽሑፍ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስታ ኣስታት 50 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ጋንታ ክጽንበር ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ገሊጻ።

እታ ጋንታ ብተወሳኺ፡ “ነዛ ጋንታ ብዝያዳ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር’ዩ ንክላለያ ዕድል ረኺበ፡ ኣዝዮም ሓያላትን ጥዑማትን ዝዀኑ ተጻወትቲ’ዮም ዘለዉዋ፡ ኣነ ንነብሰይ ኣብ ሓጸርቲ እምባታትን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድርን ኣድማዒ ምዃነይ’የ ዝፈልጥ፤ ምስዛ ጋንታ ኰይነ ከኣ ንዘለኒ ክእለት ከንጸባርቕን ዝበለጸ ዓወት ከመዝግብን ክጽዕር’የ፤ ሎሚ ዓመት ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ናብ ዓወት ዝተቓረበ ውጽኢት’የ ኣመዝጊበ፡ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ክዕወት ተስፋ ይገብር” ምባሉ ሓቢራ።

ሻምፕዮና ዓለም 2025 ኣብታ ናትናኤል ክልተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዝዀነላ ርዋንዳ’ዩ ክካየድ።

ኣብ ደረጃ ዎርልድ ቱር ትርከብ ጋንታ ሙቪስታር ሙቮኢዝታር ከም ናይሮ ኵንታና፡ ፌርናንዲ ጋቪርያ፡ ኣሌክስ ኣራንቡሩ፡ ጆሃን ጃኮብሰን፡ ደቪድ ሲሞልያን ኣልበርት ሎረስን ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝሓቘፈት ዓባይ ጋንታ’ያ።