ፕረዚደንት ብደው ኣብ ስረኡ እናሸነ ዘርኢ ቪድዮ ብምምላቝ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም

ኣብ ዝለፈ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ ብደው ኣብ ስረኡ ሽንቲ ክሞልቈ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርጋሑ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ ሞሊቝ ዝወጽአ ቪድዮ፡ እቲ ፕረዚደንት ንሃገራዊ መዝሙር ደው ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሽንቲ ኣብ ስረኡ ልሒዅ፡ ኣብ ባይታ ወረር ክብል የርኢ።

በዚ ድማ ሽዱሽተ ኣባላት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ሰሙን ተኣሲሮም ኣለዉ።

ኮሚተ ድሕነት ጋዜጠኛታት [CPJ]፡ እቶም ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ይጽውዕ ኣሎ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ደቡብ ሱዳን ፓትሪክ ኦየት፡ “እቶም ጋዜጠኛታት ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ኣብ ስረኡ እናሸነ ዘርኢ ዝወጽአ ቪድዮ ዝምልከት ኣፍልጦ ኣለዎም ዝብል ጥርጣረ ኣሎ፡” ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ደቡብ ሱዳን፡ እቲ ቪድዮ [ብወግዓዊ መገዲ] “ፍጹም ኣይተፈነወን” ክብል ኣፍሊጡ።

ሙቶኪ ሙሞ፡ ወኪል ሲፒጄ ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ እቲ ማእሰርቲ፡ “ምስቲ ሰበልጣን ንዓታቶም ምቹእ ዘይኰነ ሸፈነ ኣብ ዝፍነወሉ፡ ኣባላት ጸጥታ ዝወስድዎ ዘይሕጋዊ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ዝመሳሰል እዩ፡” ክትብል ነቲ ኵነታት ገሊፃቶ።

ሙቶኪ ኣተሓሒዛ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ብዘይቅድመ ዅነት ንኽፍትሑ ጸዊዓ።

ሚኒስተር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ሚካኤል ማኩይ፡ ንራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰባት እቶም ጋዜጠኛታት ስለምንታይ ከም ዝተኣስሩ ንኽፈልጡ ቅሩብ ክዕገሱ ኣለዎም ኢሉ።

ጕጅለታት ተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝገብርዎ ቀጻሊ ምውራድን ምፍርራህን ደው ከብሉ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ሚስተር ሳልቫ ኪር፡ እታ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ 2011 ከም ሃገር ካብ እትቐውም ኣትሒዙ ዝመርሓ ዘሎ ቀዳማይ ፕረዚደንት እዩ።

እንተዀነ እታ ሃገር፡ ብሓያለ ቅልውላዋት፡ ደማዊ ግጭታት፡ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ፡ ባህሪያዊ ሓደጋታትን ጥሜትን ትሳቐ’ላ።