እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ውሕጅ ናብ ሜዳ ነተጉቲ ዝሃደሙ ደቡብ ሱዳናውያን
ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ካብ ዝተረኣዩ እቲ ዝኸፍአ ዕልቕላቕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ከባቢኦም ሃዲሞም ኣብ ሓደ ኣረጊት ድፋዕ ሰራዊት ተዓቝቦም ይርከቡ።
ቁሸት ካናል ተባሂላ ትፍለጥ።
ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ጆንግለይ ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ ቦታ ነይራ።፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሓደስቲ ነበርታ ኣብ ውሽጢ እታ ቁሸት ሓደ ኣረጊት ሜዳ ነተጉቲ ከም ዘሎ ምፍላጦም ጭንቀት ፈጢሩሎም ኣሎ።
እዚ ጸገማቶም፡ ቅልውላው ክሊማ ኣብ ልዕሊ እታ ገና ካብቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዘይሓወየት ሃገር ዘስዕቦ ጽልዋ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ለብዒ ዓመጽ ደው ኣብ ምባል ብዙሕ ለውጢ ኣየፍረየን።
እቶም ድሮ ብሰንኪ እቲ ግጭት ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ተገዲዶም ዝነበሩ ሕጂ’ውን መሊሶም ይሃድሙ ኣለዉ፤ እቲ ኣብ ግዝኣት ዩኒቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ቤንቲዩ ዝተራእየ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ኮይኑ ይርከብ።
2.2 ሚልዮን ሰባት (ዳርጋ 20 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ) ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ዝተመዛበሉ ይግመት።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2023 ክሳብ 10 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮም ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሜሪ እንያንተይ (ስእላ ኣብ ላዕሊ ዘሎ) ስድራኣ ካብቲ ንዓዳ ዘዕለቕለቐ ማያት ንኸምልጡ ሓጊዛ እያ።
ንሳ፡ ዛውቲ ካብ ዝናብ ንምሽፋን ዝጥቀሙሉ ፕላስቲክ ኣምጺኣ ሓሙሽተ ደቃ ኣብ ውሽጢ እቲ ፕላስቲክ ገኣሲራቶም።
ነቶም ክቡራት ደቃ ብድሕሪኣ እናጎተተት ንሓደ መዓልቲ ሓምቢሳ፡ ኣብ ሩባ ተንሳፊፋ እያ ናብ ቤንቲዩ ክበጽሑ ገይራ።
ስድራቤታ ሕጂ ኣብ ቤንቲዩ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ይነብሩ ኣለዉ፡ መግቢ ስለ ዘይብሎም ግን ናብቲ ሩባ ከይዶም "የል" ዝበሃል ተኽሊ ብምዕጻድ እዮም ዝምገቡ።
ኣብ ቤንቲዩ ዝርከብ መዓስከር ልዕሊ 112 ሽሕ ሰባት ዘዕቁብ ኮይኑ ኣብ ልዕል ዝበለ ደንደሳት ዝተተኽለ እዩ።
ኣብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ዝሰርሕ ጆሹዋ ካንያራ ከም ዝብሎ፡ ዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መሬት ደረቕ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ሳላ እቶም ብሰብኣዊ ጉጅለታት ዝተሃንጹ ኣስታት 2.5 ሜተር ቁመት ዘለዎም ደንደሳት እዩ።
ስእሉ ኣብ ላዕሊ ዝርአ ጋትኩት ማካልኩይር፡ ኣብ 2014 ቁሸቱ ንተቓወምቲ ትድግፍ ኣላ ኢሎም ካብ ዝኣመኑ ሰራዊት መንግስቲ ሃዲሙ፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ናብቲ መዓስከር ክበጽሕ ከሎ ወዲ 19 ዓመት እዩ ነይሩ።
እቲ ሕጂ ወዲ 27 ዓመት ዝኾነ መንእሰይ ትምኒቱ፡ ስድርኡ ናብታ ቁሸቱ እንተዝምለሱ እዩ፡ እንተተመሊሶም ግን ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ንበዓልቲ ቤቱን ንውላዱን ክድግፍ ዘኽእሎ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ኮይኑ ኣይስምዖን።
ንሱ፡ መዓልታዊ ዕንጨይቲ ክኣርይ ብዙሕ ርሕቀት ይጓዓዝ። እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ኣብ ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ዝነበሩ 30 መንእሰያት ብሓይሊ ብሰራዊት ተመልሚሎም ኣብ ውግእ ከም ዝሞቱ ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምስምዑ ዘይውሕስነት ኣዝዩ የሻቕሎ ኣሎ።
ኣብ ኬንያ ከም ስደተኛ ኮይና ክትነብር ዝጸንሐት ጓል 17 ዓመት እንያዎራ ዳክ ቶፕ (ኣብ ላዕሊ ትርአ)፡ ንኣዲኣ ክትደሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እያ ናብዚ መዓስከር መጺኣ።
ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት ኣዲኣ ከም ዝሞተት ተነጊርዋ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቤንቲዩ ክትከውን ከም እትኽእል ምስ ሰምዐት ግን ክትደልያ ወሲና።
ምስ ኣዲኣ ዳግማይ ምርኻባ ስምዒታውን ኣዝዩ ዘሐጉስን ነይሩ፤ ሕጂ ብሓባር ይነብራ ኣለዋ።
እንያዎራ ግን ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ውሕጅ ኣብቲ መዓስከር ዝተዓጸወት ኮይኑ ይስምዓ።
ትምህርቲ ክትማሃር ድልየት ኣለዋ፡ ግን እቶም ኣዝማዳ ደፊኦም ናብ ዝደልይዎ ሓዳር ከየእትውዋ ትሰግእ።
ኣብ መላእ 36 ካብ 79 ኣውራጃታት ደቡብ ሱዳን ዘጋጠመ ዕልቕልቕን ብርቱዕ ዝናብን፡ ሰባት ናብቲ ምንጪ ኣታዊታት ዝረኽቡሉ ስራሕቲ ሕርሻ ክምለሱ ኣይከኣሉን።
እዚ ድማ ኣብ እንስሳታት ዘቤት ጽልዋ ስለ ዘሕደረ ኣብ ብዙሓት እንስሳታት ድኻምን ሞትን ኣስዒቡ’ዩ።
መነባብሮ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜብነፋሪት ዝመጽእ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመርኮሰ እዩ።
ንደቡብ ሱዳን ዝወሃብ ምወላ ካብቲ ዝድለ ናብ 67 ሚእታዊት ምውራዱ ኣብ ነበርቲ እቶም መዓስከራት ቤንቲዩ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።
"ሰብኣውያን ሰራሕተኛታት ኩሉ ነገርና እዮም። ንሳቶም ኣምላኽና፡ ኣቦና፡ መግቢና፡ ትምህርትና፡ መጽለሊናን ድሕነትናን እዮም። ብዘይ ንሳቶምን እቶም መዓስከራት ተመዛበልትን፡ ኩሎም ኣብዚ ትርእይዎም ዘለኹም ሰባት ምሞቱነይሮም" ይብል ነባሪ እቲ መዓስከር ዝኾነ ወዲ 80 ዓመት ዲው ሉኦንግ ፒት።
ፍሉጥ ባህላዊ መራሒ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሓያሎ ኣንስቲ ዘጠቓልል ዓቢ ስድራቤት ኣለዎ።
ካብ 2014 ኣትሒዙ፡ ሸሞንተ ደቁ ብሰንኪ እቲ ግጭት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 15 ድማ ብሕማም ሞይቶም’ዮም።
ብሰንኪ እቲ ዘይውሕስነት፡ ናብ ዓዱ ንምምላስ ድሕነት ኣይስምዖን።
ከምዞም ኣብ ላዕሊ ኣብ ኣብዬ ኣብ እትበሃል ምስ ሱዳን እትዳወብ ከተማ ዝርኣዩ፡ ንስድራቤታት ኣብ ጎኒ ግዙፋት ቐላያት ማይ ምንባርን ምድቃስን ሓደገኛ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሜኤስኤፍ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዕቋር ማይ፡ ዓሶን ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ክውስኽ ገይሩ እዩ፡ከምኡ’ውን ክቱር ሕጽረት መግቢ፡ ተደጋጋሚ መንኸስቲ ተመንን እናወሰኸ ዝኸድ ዘሎ ሕማም ሽኮርን ክውስኽን ኣበርክቶገይሩ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተደጋጋሚ ለበዳ ሕማም ዕንፍሩር ከም ዘጋጥመ እውን ይጠቅስ።
ነባሪ ኣብዬ ዝኾነ ወዲ 58 ዓመት ዳው ጃች ቻን (ኣብ ላዕሊ ዝርአ) ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ንተመዛበልቲ ዝኸውን እኹል መዕቆቢ ስለዘየለ፡ ብሰንኪ ውሕጅ ዝተመዛበሉ ካልኦት ክልተ ስድራቤታት የዕቚቡ ኣሎ።
ሕጂ፡ ንናይ ገዛእ ርእሱ ሸሞንተ ህጻናት ሓዊሱ ንኹሎም መግቢ ንምርካብ እናተቓለሰ ይርከብ።
ሕጂ ሓደስቲ ነበርቲ ቁሸት ካናል (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ) ገለ ዝራእቲ ክተኽሉ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ረኺቦም ኣለዉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ብፍላይ ዘይተፈንጀሩ ነተጉቲ ዝኣልይ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢ መጺኡ ናይ ምድሓን ስራሕቲ ኣይይዱ፤ 17 ሽሕ ትርብዒት ሜተር መሬት ኣጽሪዩ - ልዕሊ 25 ጸረ-ሰብ ነተጉቲ ኣልዩ’ዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ዜና ብጽምብል ዝተቐበሎ ክኸውን ከሎ፡ ሕጂ ኣስታት 1500 ሰባት ኣብቲ ዝጸረየ ከባቢ ብግቡእ ክሰፍሩ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ይገብር።
ይኹን እምበር ሓደ ካብቶም ዘይተፈንጀሩ ነተጉቲ ዝኣልይ ጉጅለ ዝኾነ ፍራን ኦግሬዲ፡ ብዙሓት ደቡብ ሱዳናውያን ዝርከቡሉ ኩነታት፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ዓመጽን ሽፍትነትን ዝበዝሖ ክፋል ሩባ ኣባይ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይተረጋገጸ ከም ዝኾነ ኣስሚሩሉ።
"ብሰንኪ ዓሌታዊ፡ ሕሉፍ ግጭታትን ዋንነት መሬትን ህዝቢ ቁሸት ካናል፡ ኣአንገድቲ ማሕበረሰባትን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲን ካልእ ዝኸዱሉ ቦታ የብሎምን" ይብል።
"ንኣብነት መዕቖቢ ክረኽቡ ናብ ማላካል እንተኸይዶም፡ ካብ ጃልባ ምስ ወረዱ ብኡንብኡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ።"