ግብጽን ሊግ ዓረብን ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ምዃኖም ኣፍሊጦም

ግብጽን ሊግ ዓረብን፡ ብሰንኪ'ቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝበጽሓኦ ስምምዕ ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጠጥ፡ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ከም ዝብላ ኣፍሊጠን።

ሊግ ዓረብ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንልኡላዊነት ሶማሊያ ዝግህስ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውዕል ከምዘይቅበላ ገሊጸን።

ብፍላይ፡ “መንግስቲ ሶማልያ ምስታ ግዝኣት ዘካይዶ ንዘሎ ዘተ ናብ ሓደጋ ከእትዎ ስለዝኽእል ቅቡል ኣይኰነን” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሊግ ጋማል ረሽዲ፡ “ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ዓለምለኻዊ ሕጊታት ዝጠሓሱ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማሊያ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትዉ’ዮም” ከምዝበለ ብመግለጺ ኣንቢቡ።

ረሽዲ ኣስዒቡ፡ “ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ጉዳይ ወደብ ሓቢረን ንኽሰርሓ ዝኣተዋኦ፡ ካቢነ ሶማልያ 'ቅቡል ኣይኰነን' ንዝበሎ፡ ውሳነ ሊግ ዓረብ ምሉእ ብምሉእ ይድግፎ’ዩ” ኢሉ።

እዚ ዓይነት ተግባር ኣብቲ ከባቢ ኣኽረርቲ ሓይልታት ንኽጫጭሑ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ስለዝዀነ ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝዀነ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።

ብኻልእ ዜና ኣህራም ኦንላይን ኣብ ዝሓተሞ ጸብጻብ፡ ግብጺ “ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማሊያ ምኽባር” ኣገዳሲ ከምዝዀነ ምግላጻ ኣቃሊሑ።

ኣህራም ኦንላይን ኣብቲ ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ጠቒሱ ዝሓተሞ ጸብጻብ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብ ውሽጥን ደገን ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርጉ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሩሉ።

ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማሊያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ግን ድማ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ ሰነድ ዝሃለፈ ሰኑይ እያ ከቲማ።

ምስ ሶማልያዊ መዘናኡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብተሌፎን ዝተዘራረበ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ንምባል ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ” ከም ዘረጋገጸሉ ወሃቢ ቃል ኣሕመድ ፋሚ ተዛሪቡ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ፡ ግብጺ “ድሕነትን ምርግጋእን ሶማልያ ንምድጋፍ” ሓገዝ ከም እትገብር ምግላጹን ክልቲኦም መራሕቲ “ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘለው ምዕባለታት” ከምኡ’ውን ክልተኣዊ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡን ኣመልኪቱ።