ደቂ ኣንስትዮ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣንስቲ ዘሕረሰት ህንዳዊት ነርስ

ሓካይምን ሰብ ሞያ መዋልዳንን ኣብ ስርዓተ ጥዕና ህንዲ ዓብይ ተራ’ኳ እንተለወን ብሰንኪ ልዑል ጠለብን ድሩት ሃብትን ጸገማት ኣይተፈለዮን።
ኣብ ቀረባ ግዜ ብጥሮታ ዝወጽአትን ልዕሊ 10 ሽሕ ቆልዑት ዘዋለደትን ህንዳዊት ሓኪም ካቲጃ ቢቢ ካብ መንግስቲ ሽልማት ተበርኪቱላ።
ንኣስታት 33 ዓመት ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝሰርሐት ካቲጃ “ካብቶም ዘዋለድክዎም 10 ሽሕ ህጻናት ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዋላ ሓደ ዕሸል ብዘይ ምሟቱ ሕብንቲ’የ” ክትብል ገሊጻ።
እታ ጓል 60 ዓመት ሓኪም ኣብ ናይ ሕክምና ኣጎልግሎታ ኣብ ኢዳ ዋላ ሓደ ህጻን ብዘይ ምሟቱ ካብ መንግስቲ ሽልማት ከምዝተበርከተላ ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ህንዲ ማ ሱብራማንያንን ገሊጹ።
በዓልቲ ሞያ ስነ ተዋልዶ ካቲጃ ኣብ ደቡባዊ ክልል ታሚል ናዱ ንኣስታት 30 ዓመታት ዘገልገለት ኮይና ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣብ ዝውለዳ ደቂኣንስትዮን ብዝሒ ዝውለዱ ቆልዑትን ኣተሓሳስብኡ እንዳተቐየረ ምምጽኡ ተዓዚባ።
ህንዲ ካብተን ብዙሕ ቁጽሪ ሞት ህጻናት ዝምዝገበለን ሃገራት ሓንቲ’ያ ነይራ። ኣብዚ እዋን ግን ኣብቲ መዳይ ብዙሕ ለውጢ ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ይግለጽ።
ካቲጃ ኣብ 1990 [ኣ.ኣ] ስራሕ ኣብ ዝጀመረትሉ ግዜ ንባዕላ ነብሰ ጾር እያ ነይራ።
“ናይ 7 ወርሒ ነብሰ ጾር እየ ነይረ… ይኹን እምበር ንኻልኦት ደቂኣንስትዮ ይሕግዝ ነይረ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ናብ ስርሐይ ተመሊሰ። ነብሰ ጾራት ኣብ ስራሕ ክኣትዋ እንከለዋ ክሳዕ ክንደይ ከደኽማ ከምዝኽእል ተረዲኤ ምችኡነት ክስምዐን ምግባር ቀዳማይ ተግባራይ’ዩ ነይሩ” ኢላ።
ካቲጃ ናይ ገዛእ ርእሳ ተሞክሮ ኣዶነት፡ ነብሰ ጾር ደቂኣንስትዮ ክሳዕ ወሊድ ክገብርኦ ዘለወን መምርሕታት ኣብ ምሃብ ከምዝሓገዛ ገሊጻ።
ኣሰር ኣብ ገጠር ሓኪም ኮይና ትሰርሕ ናይ ዝነበረት ወላዲታ ሓኪም ዙላካ ከምዝስዓበት እትገልጽ ካቲጃ፡ “ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ብስሪንጋ ይጻወት ነይረ። ጨና ሕክምና ካብ ግዜ ንእሰነተይ እየ ኣስተማቒረዮ” ክትብል ብኸመይ ሓኪም ክትከውን ከምዝበቕዐት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, KATIJA BIBI
ካብ ግዜ ንእስነታ ጀሚራ ናይ ኣደኣ ስራሕ ክንደየናይ ዝኣክል ንድኻታትን ዘይተምሃራን ደቂ ኣንስትዮ ጠቓሚ ከምዝኾነ ክትርዳእ ጀሚራ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ህንዲ ውሑዳት ናይ ብሕቲ ማእኸላት ሕክምና ስለዝነበረ መብዛሕተኤን ደቂኣንስትዮ ኣብ መንግስታዊ ማእኸላት ጥዕና ክግልገላ ይግደዳ ከምዝነበራ’ያ ትዝክር።
እታ ተሸላሚት በዓልቲ ሞያ ስነ ተዋልዶ “ስራሕ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዜ ሓደ ዶክተርን 7 ሓገዝቲ ምስ ክልተ ነርስታት ኔርና። ኣብቲ ናይ ፈለማ ዓመታት ስራሕ ኣዝዩ ኣድካሚ ስለዝነበረ ደቀይ ዝሕብሕበሉ ግዜ ኣይነበረንን። እንተኾነ እቲ ግዜ ንሱ ጠቓሚ ዝኾነ ተሞክሮ ወሲደሉ”
ኣብ 1990 [ኣ.ኣ] ካብ 100 ሽሕ ዝውለዱ ህጻናት እቶም 556 ሕንጣያት ይሞቱ ከምዝነበሩ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና የርኢ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጽአ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ግን ኣብ ህንዲ ካብ ዝውለዱ 100 ሽሕ ዕሸላት እቶም 97 ጥራይ’ዮም ዝሞቱ።
ካቲጃ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ሕክምና ጻኒሒታ፡ ቁጽሪ ኣንስቶም እንትወልዳ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ኣትዮም ዝከታተሉ ሰብኡት ከምዝወሰኸ እያ ተዓዚባ።
“ሕማቕን ጽቡቕን ተጓንፎታት እየ ሓሊፈ። ገለ ሰብኡት ኣንስቶም ጓል እንተወሊደን ተመሊሶም ክርእይወየን ኣይደልዩን። ገለ ሓራሳት ድማ ጓል ከምዝወለዳ ምስፈለጣ እንከይተፈለጠን ንብዓት ዘረብረብ ከብላ ርእየ’የ” ክትብል ኣብ ሃገራ ክሳዕ ክንደይ ጓል ምውላድ ባህላዊ ርድኢት ዝፈጠሮ ጸገም ከምዘስዕብ ኣካፊላትና።
ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ነታ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብስራሕ መዋልዳን ዘገልገለትን ልዕሊ 10 ሽሕ ዕሸላት ብዘይ ገለ ሞት ዘዋለደትን ጓል 60 ዓመት ካቲጃ ሽልማት ኣበርኪቱላ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







