ፀገም ጥዕና ልቢ ዘለዎም ዓማዊል ዘለልያ ዓረብያታት ሱፐርማርኬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መትሓዚአን ፍሉይ ሃዋሲ (‘ሴንሰር’) ዝተገጠመለን ዓረብያታት ሱፐርማርኬት፡ ንሓደጋ ወቕዒ (‘ስትሮክ’) ዝውስኽ ሕቡእ ኵነታት ህርመት ልቢ ንምፍላጥ ክሕግዛ ከምዝኽእላ ሓደ ፈተነ ኣረጋጊጹ።
ኣብ እንግሊዝ - ሊቨርፑል ዝርከቡ ተመራመርቲ ነተን ዝተመሓየሻ ዓረብያታት፡ ዓማዊል ኣብ ዝዕድጉሉ እዋን ዝዀነ ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ እንተሃልይዎም ንኽምርምራ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለያ ሱፐር ማርኬት ንኣገልግሎት ክውዕላ ሓቲቶም።
ልዕሊ 2 ሽሕ ዓደግቲ ድማ ናብተን ሱፐርማርኬት ብምኻድ ዝደልይዎ ኣቝሑ ንምእካብ ነተን ዓረብያታት ተጠቒሞም።
ኣብቲ ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ መጽናዕቲ ከኣ 39 ሰባት ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎ ‘ኣትሪያል ፊብሪለሽን’ (AF) ማለት ዘይስሩዕን ኣዝዩ ቅልጡፍን ህርመት ልቢ ከም ዘለዎም ክልለ ተኻኢሉ።
ማዕዳ ሰብሞያ ንክረኽቡ ብዝብል’ውን ናብ ሓኪም ልቢ ክኸዱ ተነጊርዎም።
መራሒ ናይቲ ምርምር ዝዀነ ፕሮፌሰር ኢያን ጆንስ ካብ ሊቨርፑል ጆን ሙርስ ዩኒቨርሲቲ "እዚ መጽናዕቲ መዓልታዊ ንጥፈታት ደቂሰብ ብዘይምትእጉጓል ንብዙሓት ሰባት ምርመራ ጥዕና ምክያድ ከምዝከኣል ዘርኢ እዩ" ኢሉ።
"ነተን ዓረብያታት ክጥቀሙ ካብ ዝሓተትናዮም ዓደግቲ እቶም ዳርጋ ክልተ ሲሶ ሕጉሳት እዮም ነይሮም። ነቲ ሕቶ ካብ ዝነጸጉ እቶም መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ክንዲ ኵነታት ጥዕናኦም ክግምገም ምፍቃድ ኣብ ጸደፍደፍ ነይሮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
‘ኣትሪያል ፊብሪለሽን’ (ኤ.ኤፍ - AF) እንታይ’ዩ፤ ሓደገኛ ድዩ?
- ኤ.ኤፍ ማለት ልቢ ብዘይስሩዕ ወይ ብናህሪ ክትሃርም እንከላ ኰይኑ፡ እዚ ከኣ ጭዋዳ ልቢ ብግቡእ ክዛነ ወይ ዕረፍቲ ክህልዎ ኣይገብርን
- ኤ.ኤፍ ዘለዎም ሰባት ዘይስሩዕን ቅልጡፍን ናህሪ ወይ ህርመት ልቢ ከስተብህሉ ይኽእሉ
- ገሊኦም ግን ምልክታት ዘይረኣዮም ብምዃኖም ኣብ እዋን መርመራ ጥራይ ይልለዩ
- ኤ.ኤፍ ናብ ወቕዒ ዘብጽሕ ሓደጋ ምርጋእ ደም ኣብ ልቢ ከስዕብ ይኽእል
ኤ.ኤፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብደረጃ ዓለም ድማ ን40 ሚልዮን ሰባት ከምዘጥቅዕ ይግመት።
ንምርጋእ ደም ዝከላኸል መድሃኒት ንከም ወቕዒ (‘ስትሮክ’) ዝኣመሰሉ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት ጥዕና ንምንካይ ክወሃብ ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, LIVERPOOL JOHN MOORES UNIVERSITY
ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ፡ ምስተን ኣብ ማእከላት ጂምናዚየም ዝርከባ ማሽናት ምውስዋስ ኣካላት ዝመሳሰላ፡ ሃዋሲ (‘ሴንሰር’) ዘለወን ዓሰርተ ዓረብያታት፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሱፐርማርኬታት ክቕመጣ እዩ ተገይሩ። እተን ሱፐርማርኬት ድማ ፋርማሲታት ዝነበረን እየን።
ዓደግቲ ከኣ ነቲ ለዓት (መትሓዚ) ንሓንቲ ደቒቕ ክጭብጥዎ ተሓቲቶም።
ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ ሰብ እንተተረኺቡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ፋርማሲስት ብኢዱ ህርመት ልቦም ክምርመር ይግበር እሞ፡ ካብኡ ‘ኤሌክትሮካርዲዮግራም’ (ECG - መዐቀኒ ህርመት ልብን ኢለክትሪካዊ ንጥፈታትን) ብምጥቃም ኵነታት ልቢ ተመርሚሩ ብሓኪም ልቢ ይግምገም።
ካብቶም 220
- 115 ሰባት ናይ ‘ኣትሪያል ፊብሪለሽን’ (ኤ.ኤፍ - AF) ተርእዮ ኣይተረኸቦምን
- 59 ሰባት ኤ.ኤፍ ዘለዎም ኰይኖም ተረኺቦም፣ 39 ድማ ምርመራ ኣይተገብረሎምን
- 46 ንጹር ዘይኰነ ተርእዮ ነይርዎም




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







