ኦሎምፒክ፡ ኲናት ትግራይ ንኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብኸመይ ሃስዩዎ?

ረዳኢ ገብረየሱስ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ክወዳደር ይኽእል ነይሩ፤ እንተዀነ ኣብ ዘይዕድመኡ ብኲናት ሓድሕድ ተቘጽዩ ተሪፉ።

እቲ ንፉዕ ጐያዪ ማእከላይ ርሕቐት ኣብ መወዳእታ 2020 እዩ ተቐቲሉ።

ትግራይ ወትሩ ኣገዳሲት ኣካል ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ኰይና ዝጸንሐት እያ፤ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ- ፓሪስ እትርከብ ጋንታ ጕያ እታ ሃገር፡ እቶም ሲሶ ኣባላታ ካብ ትግራይ እዮም።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ደማዊ ውግእ እንተዘይቅተል፡ ረዳኢ ኣካል ናይታ ጋንታ ናይ ምዃን ልዑል ተኽእሎ ከምዝነበሮ ኣሰልጣኒኡ ይዛረብ።

“ረዳኢ፡ ብዘይ ጥርጥር፡ ናብታ ጋንታ ተሓርዩ ምኸደ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዳልያ ከምጽእ ይኽእል ነይሩ ” ክብል ጌትየ መኩርያ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ካብቶም ዘለዉ ኣትለታት ዝሓሸ ምዀነ ነይሩ። ሞቱ ኢትዮጵያ ሓንቲ ዓይኒ ከም ዝሰኣነት እዩ ዝቝጸር።”

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ምስ ተፈራረሙ ተዅሲ ኣብቂዑ ኣሎ።

ብዩኒቨርሲቲ ጌንት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ክሳብ 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት፣ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተመዛቢሎም፣ ኣስታት 900 ሽሕ ድማ ስደተኛታት ኰይኖም ክሃድሙ ተገዲዶም።

ኣብታ ካብ ዶብ ኤርትራ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ነባሪት ዝዀነት ኣደ ረዳኢ ገብረየሱስ ክሳብ ሕጂ ብሞት ወዳ ብሓዘን ትቕንዞ ኣላ።

“ኵሉ እየ ስኢነ” ትብል ሓደራ ስዩም ኣብ ገዛኣ ዀይና።

“እንተዀነ ደቁ ምሳይ ኣለዉ፤ ውላድ እንተዘይገድፈለይ ነይሩ፡ ንነብሰይ ከም ዘየላ ምቘጸርኩዋ ነይረ።”

ትእምርቲ ክኸውን ተኽእሎ ዝነበሮ ኣትሌት

ረዳኢ ገብረየሱስ ኣብ ማይጨው ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መሰልጠኒ ኣትለቲክስ ትግራይ ልምምድ ብምክያድ ኣብ መላእ እታ ክልል እናተወዳደረ ብዙሕ መዳልያታት ተዓዊቱ እዩ።

ኣብ ኦሎምፒክ 5,000 ሜትሮን 10,000 ሜትሮን መዳልያታት ዝዓተሩ ካብ ትግራይ ብዝወጹ ኣትለታት ሓጐሰት ገብረሂወትን ለተሰንበት ግደይን እዩ ዝነቓቓሕ ነይሩ።

ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ 2021 ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ክልቲኡ ርሕቐት ክብረወሰን ዝወነነት ትግራወይቲ እያ።

"ኣብ 2006 (ስልጠና) ከምዝጀመረ ይዝከረኒ" ትብል ዓይና ብንብዓት ዝመልአ ኣደኡ።

“ድሕሪ ትምህርቲ ቅድሚ ናብ ገዛ ምምጽኡ ይጐዪ ነይሩ። ንግሆ’ውን ኣንጊሁ ተሲኡ ልምምድ ይገብር ነይሩ።

“ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ እየ” እናበለ፡ ናብራ ስድራኡ ንምቕያር ቃል ኣትዩ ከምዝነበረ’ውን ኣደኡ ትዛረብ።

እቲ ኣብ ስርሃት ህንጸት፡ ካብ ሓጺነ መጺን ገለ ናውቲ ሕርሻ ኣብ ምስራሕ ዝነጥፍ ዝነበረ ካብ ሓደ ክቡር ስድራቤት ዝተረኽበ ረዳኢ፡ ወተሃደራት ብ19 ሕዳር 2020 ንቁሸቱ ኣብ ዝወረሩሉ እዩ ታሪኹ ተቐዪሩ።

ኣደኡን ሓፍቱን ናብ በረኻታት ሃዲመን፡ ንሱ ግን ንሓይልታት ትግራይ መሬቶም ክከላኸሉ ክሕግዝ ንድሕሪት ተሪፉ።

ስድራኡ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣይዎ ሽዑ እዩ ነይሩ።

አብ ኣትለቲክስ ምስ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ምስ ረዳኢ ዝተላለየት በዓልቲቤቱ ትምኒት ኣረጋዊ፡ ሕጂ ደቆምን ሓማታን ትኣሊ ኣላ።

"ንሃገሩ ትእምርቲ ምዀነ ነይሩ" ትብል ትምኒት።

“ንስድርኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ተባዕ እዩ ነይሩ። ንዓይ ኵሉ ትርጕም ኣለዎ። ድሕሪ ሞቱ ብህይወት ዳርጋ የለኹን።"

“ንሕማምን ጸገማትን ተቓሊዐ’የ። ብስነ-ልቦና ተሃስየ’የ፣ ስንባደ’ዩ ዝስምዓኒ።”

በሰላ ኲናት

እቲ ውግእ ደው ካብ ዝብል ልዕሊ 20 ኣዋርሕ ኰይኑ ኣሎ። እንተዀነ፡ ምስቲ ኲናት ተኣሰሲሩ ዝተፈጥረ ጥሜት ዘስዓቦ ስነ-ኣእምሮኣውን ኣካላውን በሰላ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ እታ ክልል ጐሊሑ እዩ ዝርአ።

ከምቲ ኣብ ኵሉ ክፋል እታ ክልል፡ ስፖርት’ውን ተሃስዩ እዩ፤ ኣብ መሰልጠኒ ማእከላት 1.7 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጉድኣት ከምዝወረደ ይግመት።

ሓላፊ ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ክልል ትግራይ፡ ኪዳነ ተኽለሃይማኖት፡ እቲ ኲናት ህይወት ኣስታት 100 ኣትለታት፡ ኣሰልጠንትን ኣመሓደርትን ከምዝበልዐ ይዛረብ።

ኪዳነ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ምበጽሑ ነይሮም። ንስድራቤቶምን ሃገሮምን ምንጪ ቍጠባ ክዀኑ ይኽእሉ ነይሮም።"

መንእሰይ በላይነሽ ያያ ካልእ ኣብ ትራክ ውድድር ጉያ ብሩህ መጻኢ ዝነበራ ኣትለት እያ።

ሓዋ ሃብታሙ ያያ፡ ኣትለቲክስ ኣብ ዞባኦም እንዳመዀኒ ከም "ባህሊ" ከምዝርአ ብምግላጽ፡ በላይነሽ " ጉያ ካብ ኣቦሓጐታታ ከም ዝወረሰቶ" ይዛረብ።

"ሃገራ ክትውክል ከምእትኽእል ኣጸቢቐ እየ ዝኣምን ነይረ" ኢሉ።

“ሎሚ ዓመት ንኦሎምፒክ ዝተጓዕዘ ጋንታ ኣካል ምዀነት ነይራ። ሕልመይ ኣብ ዓለማዊ ውድድራት ክርእያ እዩ ነይሩ።”

እታ ጓል 18 ዓመት ንሻምፕዮን ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ መሰረት ደፋርን ሃይለ ገብረስላሰን ክትመስል ተስፋ'ኳ እንተነበራ፡ ዕድል ግን ናብ ካልእ ኣንፈት ወሲድዋ።

እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ገንዘብ ስለ ዘድልያ፡ ናብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጸንቢራ - እዚ ኣንጻር ድሌት ኣቦኣ እዩ ነይሩ።

ያያ ገብረሳሙኤል፡ “ኣይተሓጐስኩን ነይረ”ይብል።

“ኣቦ ከመይ ኢሉ እዩ ዓይኑ እናረእየ ውሉዱ ናብ ሓዊ ክኣቱ ዝፈቕደሉ? ካብ ኣብ ውትህድርና፡ ኣብ ኣትለቲክስ ክርእያ እየ ዝመርጽ ነይረ።”

ኣብ ከባቢ ዓዲ ስድራኣ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ኣዕሩኽታ ከም ዝሞቱ ንኣቦኣ ነገረቶ።

“ኣነ ክስሕባ ፈቲነ’የ፡ ግን ‘ካብ ንድሕሪት ምምላስ ክመውት ይሕሸኒ’ ኢላ ኣቕቢጻትኒ” ክብል ገብረሳሙኤል ይዝክር።

እታ ጐያዪት ኣብ መወዳእታ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ትግራይ እናተዋግአት እያ ተቐቲላ።

ስድራኣ ገና እቲ ዝተቐብረትሉ ቦታ ኣይረኣዩዎን።

ሎሚ'ውን ናብ ልምምድ

ኣሰልጣኒ መኩርያ፡ ኣብ ማእከል ትራክ ማይጨው ንበላይነሽ ያያ'ውን ኣሰልጢኑዋ እዩ።

“ከም ጓለይ እየ ዝርእያ ነይረ። ስነስርዓት ዝነበራ፣ ሰላማዊት እያ ነይራ” ኢሉ።

“ለይትን ቀትርን ጽዑቕ ልምምድ ዝገብሩ፡ ጻዕራማት እዮም ነይሮም።

“ኲናት ኣይተጸበናን፤ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክጽንበሩ’ዮም ኢልና ኣይንሓስብን ነይርና።”

ትራክ ማይጨው፡ ኣብ 2020 ኣብ ውድድር ቶክዮ ኣብ 5000 ሜትሮ ነሓስ ዝወሰደትን ኣብዚ እዋን’ዚ ሻምፕዮን ዓለም 10 ሽሕ ሜትሮ ዝዀነትን ከም በዓል ጉዳፍ ጸጋይ ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ፡ ንኢትዮጵያ ተዓወትቲ መዳልያ ኦሎምፒክ ንምፍራይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ።

ዋላ’ኳ ገለ ካብ መሳለጥያታት ዝዓነወ እንተሃለወ፡ መጻኢ ወለዶ ስፖርተኛታት ትግራይ ናብ ማእከል ልምምድ ስፖርቲ ማይጨው ተመሊሶም ኣለዉ።

ኣብ መንደቕ እቲ ማእከል ልምምድ ዓበይቲ ነቐዓትን ዕንወትን ይርአ፣ መንድቕ ካብ ብዙሕ ገጻት ወዲቑ ኣሎ።

ካብቶም ዝተመለሱ ተስፋ ዘለዎም ሓደ ፍቅር ሰሎሞን ንዝሓለፈ ጽቡቕ እዋናትን ዓርኩ ረዳኢን ይዝክር።

“ረዳኢ ፍሉይ ዝገበሮ ንግሆ ኣንጊህና ምስ ተበራበርና መዓልትና ብዋዛ እዩ ዝጅምራ።”

ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ጽልዋ ርግጸኛ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሰፊሕ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘስዕብ ግን ዘጠራጥር ኣይኰነን።