በዓል ልደት፡ ክርስቲያን ዘይኰኑ ሰባት ብኸመይ የሕልፍዎ?

ምንጪ ስእሊ, Bobby Rao
ኣህጉራዊ ተጻዋታይ ክሪከት ነበር ቦቢ ራኦ፡ ወትሩ 25 ታሕሳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ኣለዎ - ተርኪ ምድላው።
ኣብ ሃይደራባድ ዝተወልደ ቦቢ፡ ኣብ ሰብዓታት ንህንዲ ናይ ፈተነ ክሪከት ይጻወት እኳ እንተነበረ፡ ካብ 1980 ጀሚሩ ግን ኣብ ስትራበን፡ ካውንቲ ታይሮን ይነብር ነይሩ።
ከም ሂንዱ መጠን 25 ታሕሳስ ንዕኡ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ትርጕም የብሉን፤ እንተዀነ ንሱን ክርስትያን በዓልቲ ቤቱ ጆሴፊንን ናይ ሓድሕዶም ልምዲ ከብዕሉ እንከለው ደስ ይብሎም።
"ከም ሂንዱ መጠን፣ ንዅለን ሃይማኖታት ኢና ነኽብር፤ ከምኡ'ዩ ኣተዓባብያና።"
"ኣብ ህንዲ ብዙሓት ክርስትያን ኣዕሩኽ ኣለዉኒ፤ ስለዚ ምስኦም [በዓል ልደት] ኣኽቢረ፡ ናብ ገዛኦም ከይደ እናኽበርኩ ኢና ዓቢና፤ ዲዋሊና [በዓል መብራህቲ ሂንዱ] ምስ ኰነ ድማ መጺኦም ምሳይ የኽብሩ፡" ይብል።
በዓል ልደት፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን መሓዙቶም ብምዕዳም፡ ኣብ በዓል ልደት ዝተለምደ ተርኪ ክበልዑ እዮም፤ ድሕሪኡ ድማ ናይ ህንዲ ድግስ ክገብሩ'ዮም።
"ኣነ ተርኪ እየ ዘዳሉ፤ በዓልቲ ቤተይ ነዚ ኵሉ ከመይ ጌረ ከም ዝሰርሖ ምሂራትኒ። ስለዚ ጽቡቕ በዓል ልደት ኢና ነሕልፍ።"
ሱዳናዊት ፋሪዳ ሓሰን፡ ንፈለማ እዋን በዓል ልደት ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ተሕልፎ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, North West Migrants Forum
ሕጂ ኣብ ለንደንደሪ እትነብር ኰይና፡ በዓል ልደት ንስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ኣብ ሓደ ዘራኽበሉ ኣገባብ ከም ዝፈትዎ ገሊጻ።
"በዓል ልደት ክኽበር ንመጀመርታ ግዜ እየ ዝርኢ ዘለኹ፡"ትብል።
"ንኣመንቲ ክርስትና ሰባት ብዙሕ ትርጉም ከም ዘለዎ እፈልጥ እየ፤ ንክርስትያን ዓቢ ጽምብል'ዩ ምስ ስድራኦም ጥራይ ኣብ ገዛኦም የሕልፉዎ፤ እዚ ድማ ዘገርም ነገር'ዩ።"
"ኣብቲ ዝነብረሉ ቦታ [ኣብ ቦግሳይድ] ብዙሓት ሰባት መብራህቲ ክገብሩ ይርኢ'የ። ክሓልፍ ከለኹ ድማ 'ርሑስ በዓል ልደት' ይብሎም፡ ንሳቶም ድማ 'ርሑስ በዓል ልደት፡ ርሑስ ልደት' ይብሉኒ።"
ናይ ገዛእ ርእሳ ንልደት ዝተዳለወ ጽሕዲ ልደት እኳ እንተዘይሃለዋ፡ ጐረባብታ ዝገብሩዎ ስልማት ምርኣይ ግን ደስ ይብላ።
ኣብ መዓልቲ ልደት ክኣ፡ ምስ ኣዕሩኽታ ብኣሰራርሓ ባህሊ ሱዳን ዝተዳለወ ደርሆ ሰሪሓ ትሓልፎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃኑካ፡ ንሸሞንተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣይሁዳውያን ዘኽብወዎ በዓል መብራህቲ እዩ፤ ኣብዚ ዓመት ብ22 ታሕሳስ ተዛዚሙ።
ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድ ቤልፋስት ዝዀነ ማይክል ብላክ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ቦንዲ ቢች ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ጭንቀት ዝመልኦ እዋን ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ብ14 ታሕሳስ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ጽምብል ሃኑካ ተዅሲ ብምኽፋት 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም።
"ዘስካሕክሕ'ዩ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዒ'ዩ፡" ዝበለ ማይክል፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰፊሕ ማሕበረሰብ "ኣዝዩ ሓጋዚ" ምንባሩ ገሊጹ።
ከም ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት፡ ገሊኦም ኣይሁድ ገለ ካብቲ ምስ በዓል ልደት ዝተሓሓዝ ልምድታት ተቐቢሎም እዮም።
ኣብ 2023 ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ፖሊሲ ኣይሁድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣስታት ሰለስተ ካብ 10 (28%) ኣይሁዳውያን፡ ጽሕዲ ልደት ንገለ ዓመታት፡ መብዛሕትኡ ዓመታት ወይ ዓመት ዓመት ከም ዝገብሩ የመልክት።
"ሃይማኖታዊ በዓል ልደት ኣይነብዕልን ኢና። ምስ በዓል ኣይሁድ ሃኑካ ግን ይራኸብ'ዩ።"
"ግን፡ ገለ ስድራቤታት - ብፍላይ ኣብቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰብ ሓዳር ዘለዎ- ናይ ልደት ድራር ይገብሩ እዮም፡ ዘይሃይማኖታዊ፡ ምናልባት ነቶም ቈልዑ ህያባት ክህቡ ኢሎም፤ እዚ ድማ ደቅና ካብ ካልኦት ቈልዑ ዝተፈለዩ ኰይኑ ንኸይስምዖም እዩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







