ጌታቸው ረዳ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝዕንቅፍ ኣካል ስጕምቲ ከምዝውሰዶ ኣጠንቂቑ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌቻው ረዳ፡ ኣብ ልዕሊ ስርሓት ምደባ ዀነ ካልኦት ዕዮታት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝዕንቅፍ ኣካል ‘ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰዶ’ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ ተሪር መግለጺ ኰይኑ፡ ናብ ገለ ዞባታት በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ፡ በቲ ካብ ዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ‘ተቐባልነት የብሉን’ ዝብል ደብዳበታት ናብ ዞባታትን ወረዳታትን ብዝተልኣኸ ደብዳበ ምልዕዓላት ስዒቡ እዩ።

እዚ ካብ ኣቶ ጌታቸው ዝተወሃበ ተሪር መጠንቀቕታ፡ መሪሕነት ህወሓት ንኽልተ ተገሚዑ ነንሕድሕዱ ይካሰስ ኣብ ዘለውሉ ኰይኑ፡ እቲ ምትፍናን ከይጋደድን ናብ ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ከይሰግርን ስግኣት ኣሎ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኵሎም ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ጥሒሱ ጉባኤ ዘካየደ ዝበሎ ጕጅለ ህወሓት፡ ኣብቲ ክልል ‘ስርዓት ኣልቦነት ከስፍን ይንቀሳቐስ ኣሎ’ ክብል ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕንቅፋት ዝፈጥር ዝዀነ ይዅን ሓይሊ፡ ሰጕምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ኣኣንፊቱ ኣሎ።

“ግዝያዊ ምምሕዳር ቅልጡፍን ውፅኢታውን ብዝዀነ ኣገባብ መደባትና ንምፍፃም፡ ህዝብና ንምግልጋልን ካብ ልዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘካይዶም ክልላዊ ምደባታት ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኰይኑ፡ ነዚ ናይ መንግስቲ ውሳነ ዝዕንቅፍ ዝዀነ ይዅን ኣካል [ሓይሊ] ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ናብ ተሓታትነት ዝሰግርን ሕጋዊ ስጕምቲ ዝወስድን ምዃኑ፡ ኵሉ ኣብ ደገ ይዅንን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ለባም ህዝብና ክፈልጠልና ንደሊ” ይብል።

ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ፣ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብን ዘይተሳተፍሉ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ደጊሙ ከም ኣቦመንበር ምምራጹ ዝዝከር እዩ።

እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጕጅለታት ከሰሓሕብ ዘጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ጉባኤ ሕጋዊነት ከምዘይብሉን ውሳነታቱ ከምዘይፀንዑን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓደስቲ ኣመሓዳርቲ ዞባታት ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ድሕሪ ምምዛዙ ካብቲ ካልእ ጕጅለ ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ናብ ኵለን ኣብያተ ጽሕፈት ዞባን ወረዳታትን ህወሓት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ "ሕጋዊ ኣሰራርሓን እቲ ውድብ ዝተኸተለ ኣይኰነን" ዝብል ኰይኑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይገልፅ።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈት፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ዝነበረት ወይዘሮ ሊያ ካሳ ካብ ሓላፍነታ ኣልዒሉ ሓደሽቲ ኣማሓደርቲ ድሕሪ ምምዳቡ እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጐ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝፀንሐ ወጥሪ ክብ ኣቢልዎ ይርከብ።

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብቲ ኣካታዒ መበል 14 ዋዕላ ህወሓት ዘይተረኽቡ፡ ኣብ ሓላፍነት ምምሕዳር እቲ ክልል ዘለዉን ኣካላት ኣመራርሓ፡ ነቲ ውድብ ከምዘይውክሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ብወገኑ፡ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት "ኣዕናዊ ጕጅለ" ብምባል ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምንዛዕ ዝግበር ፈተነ እዩ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ሓላፊ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ንምህዳእ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸጥታ እቲ ክልል ንምርግጋጽ ኵሎም ወገናት "ቀይሕ መስመር" ክሰግሩ ከምዘይብሎም ኣጠንቂቑ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ኣብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ህወሓትን ትግራይን ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ከምዝተማኸረ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ነይሩ።

ንሰለስተ መዓልታት ናብ መቐለ ዝገሸ እቲ ኣምባሳደር ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሰ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውድባዊ ወጥሪ ኣብ ምዝሕሓል ብዛዕባ ዝበጽሖ ውጽኢት ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።