'ህወሓት'ዩ ሰብ ዝምድብ ኢና ክንብል'- ዶ/ር ደብረጽዮን

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዳግም ኣቦመንበር ህወሓት ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እቲ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ነቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣካላት ከግልስ ስልጣን ከምዘለዎ ኣሚቱ።

እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍንጫል ሕጂ'ውን "እታ ተዋጽእ ምዝርራብ'ያ" ክብል ገሊጹ።

"እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር 50 +1 ናይ ህወሓት'ዩ። በቃ [ምሳና] ስለዘየለኹም ካብ ጽባሕ ጀሚርኩም ኢልና ንሕና ሕዚ ኣይንእውጅን፡ ንኽእል ኢና ግን፡ ንኣና ኣይውክሉን"።

"ዘተ ኢና ክንገብር። ስለዚ እዚ 50 +1 ናይ ህወሓት ስለዝኾነ ህወሓት'ዩ ሰብ ዝምድብ ኢና ክንብል" ክብል ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ኣፍሊጡ።

ናብ ጎነጽ ከምዘይከዱ ዘነጸረ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት (ፌደራላዊ መንግስቲ፡ ሰራዊትን ምሁራትን ዝርከብዎም) ክላዘቡ ከምዝደልዩ ኣመልኪቱ።

ብስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት "ዝተመረጸ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ'ያ ክትከውን ዘለዋ እታ ጀንዳ" ክብል'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

"ህዝቢ ትግራይ [ናብ] ዝመረጾ መንግስቲ ምኻድ እምበር፡ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ዲና ክንነብር? ከምቲ ዝተገለጸ'ውን፡ ግዚኡ'ኳ ሓሊፍዎ'ዩ ባዕሉ፡ መጀመርያ ሽዱሽተ ወርሒ ኢልና፡ ሓደ ዓመት ኢልና፡ ሕዚ ናብ ካልኣይ ዓመት'ዩ ዝኸይድ ዘሎ"

ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር እንተይኮነ እቲ ኣጀንዳ፡ ዝተመረጸ መንግስቲ መዓዝ ነጣይሽ ንዕኡ ዝኸውን ምድላው'ዩ ክኸውን ዘለዎ"።

ብሄራውያን ውድባት ትግራይ- ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ውድብ ነፃነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን፡ ንዅሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘሳተፈ ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ክምስረት ጸዊዐን ምህላውን ይፍለጥ።

እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ብዶ/ር ደብረጽዮንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ክልተ ጉጅለታት ህወሓት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናዓረገ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት'ዩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዶ/ር ድበረጽዮን ዝምራሕ ወገን፡ ኣፍልጦ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተነፍጎ መበል 14 ጉባኤ ኣካይዱ፡ ነቶም ኣብኡ ዘይተሳተፉ ኣቶ ጌታቸው ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ብምእጋድ፡ ሓደስቲ መራሕቲ መሪጹ ምዝዛሙ ይዝከር።

ዶ/ር ደብረጽዮን ባዕሉ ካብ ኣቦመንበርነትን ማእከላይ ኮሚቴን ንኽእለ ሕቶ እኳ እንተቕረበ ኣብቲ ጉባኤ ግን ክትጸንሕ ኣለካ ከምዝተባህለ ገሊጹ።

ነቲ ኣካታዒ መበል 14 ጉባኤ ዝተቓወሙ ኣባላት እቲ ውድብ ብወገኖም 'ምድሓን ህዝብን ውድብን' ዝዓለመ ኣኼባ ኣብ መቐለ ኣካይዶም ነይሮም።

እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ቊርቊስ ስልጣን ኣምሪሑ'ሎ።

ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ኣብ ኩለን እተን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝርከባ ዞባታት ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ኣጊዱ'ሎ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኵለን ዞባታት፡ ወረዳታት፡ ከተማታትን ከባቢያዊ ኣብያተ ምኽርን ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ ዝዀነ ይዅን እቲ ፕረዚደንት ዘይፈለጦ ኣኼባ ከይካየድ፡ ክካየድ ግድን እንተዀይኑ ድማ ኣቐዲሙ ንዕኡ ከፍልጥ ከምዘለዎ የተሓሳስብ።

ሓላፊ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ንምህዳእ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸጥታ እቲ ክልል ንምርግጋጽ ኩሎም ወገናት "ቀይሕ መስመር" ክሰግሩ ከምዘይብሎም ኣጠንቂቑ።

እቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ክልቲኦም ወገናት ዘሻቕል ከምዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፡ እቲ ኣብ መቐለ ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤን ኣኼባታትን ብሰላም ምውድኡ መርኣያ ናይቲ ዘሎ ህዱእ ኩነታት ምዃኑ እቲ ጀነራል ጠቒሱ።

"ከም ጸጥታ ሓይሊ ሕጂ፡ እቲ ሓደ ዓቢ ዕማምና፡ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓይሊ ወይ ምምሕዳራዊ መገዲ" ከይፍታሕ ምዃኑ ጀነራል ታደሰ ኣነጺሩ።

"ብዝሰልጠነ መገዲ ክፋታሕ እውን እዩ ዝብል እምነት'ዩ ኣለና፡ ብሰልጠነ ማለት ምንም ዓይነት ናይ ጸጥታ ህውከት ብዘየልዕለሉ መገዲ ክፍታሕ'ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለና" ይብል ጀነራል ታደሰ።

"እዚ ንክግበር'ውን ምቹእ ባይታ ከም ናይ ጸጥታ ሓይሊ ክንፈጥር ኢና፡ ካብዚ ሓጹር ወጻኢ ከይኸይድ ማለት'ዩ። ስለዚ ጭንቀት ወይ ስግኣት ክህሉ ዘለዎ ኣይኮነን"።

ሓደ ካብቲ "ቀይሕ መስመር" እቲ ኣቐዲሙ ዝተኣገደ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ ጸጥታ፡ ካልእ ማሕበራዊ በዓላት ምጽንባል ፍቑድ ምዃኑን ህዝቢ ብናጽነት ኣብ ጎደናታት ክመላለስ ከምዝኽእል ኣብሪሁ'ሎ።

ብጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ከባቢታትን ዝሙጹን ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተመርጹን ሓደስቲ መራሕቲ ንክቆጻጸር ዓቢ ብድሆ ከምዘጋጥሞ ትጽቢት ይግበር።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ካድራት ህወሓት ኣባላት እቲ ክልላዊ መንግስቲ ብምዃኖም፡ ንስልጣን ኣቶ ጌታቸው ዕሽሽ ክብልዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ምምሕዳራዊን ማሕበረ-ቁጠባዊን ህይወት ህዝቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተመረጸ ፈጻሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ትማሊ ነናቱ ኣኼባታት ብምክያድ "ኣብ ሓፂር እዋን ክስርሑ ኣብ ዝግበኦም ተግባራት ዘትዩ"።

እዚ ጋጢሙ ዘሎ ምምቕቓልል ኣብ ታሪኽ ህወሓት ካብ ዝጥቀሱ ዓበይቲ ቅልውላዋት ምዃኑ ይግለጽ።

ካብዚ'ኸ ናበይ? ዝብል ሕቶ ገና ዘይተመለሰ ግድል ኮይኑ፡ ናበይ ከምዘምርሕ ብዙሓት ተጋሩን ተዓዘብትን ብኣንክሮ ዝከታተልዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ።