'ኣቦይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ኣለዎ' - ጓል ዶምኒክ ፔሊኮት ካሮላይን ዳርያን

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ዝገልጽ ትሕዝቶታት ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ሰኑይ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ምሸት 20፡25 እዩ ነይሩ።

ካሮላይን ዳርያን ተሌፎን ይድወለላ።

እዚ፡ መጻኢ ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ዝቐየረ ነበረ።

ኣዲኣ፡ ጂዘል ፔሊኮት ነበረት።

ካሮላይን ዳርያን "[ኣቦይ] ዶሚኒክ ዝተፈላለዩ ደቂ-ተባዕትዮ ንኽዕምጽዋ ንኣስታት 10 ዓመታት ብመድሃኒት የደንዝዛ ከም ዝነበረ ከም ዝፈለጠት ነጊራትኒ፡" ትብል።

"ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ንቡር ህይወት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ጠፊኡኒ፤ ኣእውየ፡ ነቢዐ፡ ከም ዝተጻረፍኩ'ውን ይዝከረኒ። ልክዕ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዩ ዝነበረ - ሱናሚ፡" ትብል።

ካሮላይን፡ ሕጂ ጓል 46 ዓመት እያ።

ዶሚኒክ ፔሊኮት፡ ብ19 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ፡ ብኸቢድ ዓመጽ ገበነኛ ከም ዝተባህለ ይዝከር።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ወሲዱ።

ፔሊኮት ድማ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ዶሚኒክ ፔሊኮት ነታ ውነኣ ዘጥፍአት ብዓልቲ ቤቱ ጂዘል ክዕምጹን ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽሙን ብኢንተርነት ዝመልመሎም 50 ደቂ-ተባዕትዮ እውን ብማእሰርቲ ተፈሪዶም'ዮም።

ካሮላይን፡ ኣቡኣ ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ ዘብጽሖ በደል ካብ እትፈልጥ ድሕሪ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት፡ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክመውት ኣለዎ፡" ትብል።

ዶምኒክ ፔሊኮት፡ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት ብትሕቲ ቀምሽ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክርኢ እንከሎ'ዩ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣአትዩዎ።

ድሕሪኡ፡ መርመርቲ ብቐረባ ክከታተሉዎ ጀሚሮም።

እዚ ንጹህ ዝመስል ጡረተኛ፡ ኣብ ላፕቶፕን ተሌፎናትን ብዓልቲ ቤቱ ጂዘል፡ ውነኣ ኣጥፊኣ ብዘይፈልጦም ሰባት ክትዕመጽ እንከላ ዘርኢ ኣሽሓት ቪድዮታትን ኣሳእልን ተረኺቡ።

ነዚ ስዒቡ፡ ቤት ፍርዲ ንጕዳያት ዓመጽን ጾታዊ ዓመጽን ክርኢ ክጅምር እንከሎ፡ ነቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ጉዳይ ብመድሃኒት ብምድንዛዝ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ትዅረት ክህበሉ ተገዲዱ።

ካሮላይን ዳርያን፡ ነዚ ሽምጣ ገቲራ ክትቃለሶ ጀሚራ።

ብዙሓት በዚ ኣገባብ ግዳያት ዝዀና ደቂ-ኣንስትዮ ኣቤቱታአን ኣየቕረባን።

ጂዘል፡ ነቲ ዘጋጠመ ብተሌፎን ምስ ነገረታ ካሮላይን ዳርያንን ኣሕዋታን ፍሎርያንን ዴቪድን ናብቲ ወለዶም ዝነብሩሉ ዝነበሩ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ገዛኦም ብምኻድ ንኣዲኦም ከጸናንዑ ጀሚሮም።

ዶምኒክ፡ "ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ 20 ወይ 30 ዓመታት ዝተራእዩ ዝኸፍኡ ዓመጽቲ እዩ ነይሩ፡" ትብል።

ድሕሪኡ ነዊሕ እንከይጸንሐት፡ ካሮላይን ዳርያን ካብ ፖሊስ መጸዋዕታ ቀሪቡላ።

ዓለም ዳግም ጸልመተታ።

ፖሊስ፡ ኣብ ላፕቶፕ ኣቡኣ ዝረኸብዎም ክልተ ኣሳእል ኣርእዮማ።

ማልያን ኵስትሞን ጥራይ ዝለበሰት፡ ኣብ ዓራት ዝደቀሰት ውነኣ ዝስሓተት ሰበይቲ ኣርእዮምዋ።

መጀመርታ፡ እታ ኣብ ስእሊ ዘላ ሰበይቲ ባዕላ ኣይመሰላን።

"ኣይተረድኣንን፣ መጀመርታ ንነብሰይ ከለልያ ተጸጊመ ነይረ፡" ትብል።

"ድሕሪኡ እቲ ፖሊስ፡ 'ርኣይዮ፡ ኣብ ምዕጕርትኺ ተመሳሳሊ ቡናዊ ምልክት ኣለኪ፡ ንስኺ ኢኺ' ኢሉኒ። ሽዑ ነተን ክልተ ኣሳእል ብዝተፈለየ መንገዲ ክጥምተን ጀሚረ፣ ልክዕ ከም ኣደይ ብጸጋማይ ጐድነይ ተደፊአ'የ ተሳኢለ፡" ትብል።

ካሮላይን፡ ኣቡኣ ግህሰት ከም ዝፈጸመላን ከም ዝዓመጻን እያ ትኣምን።

ንሱ ግን ነዚ ይነጽጎ።

"ምናልባት ጾታዊ ዓመጽ ንምፍጻም ብመድሃኒት ከም ዘደንዘዘኒ እፈልጥ እየ። ግን ዝዀነ መርትዖ የብለይን፡" ትብል።

ሓቂ'ዩ፡ ዘይከምቲ ኣብ ጉዳይ ኣዲኣ ዝነበረ፡ ፔሊኮት ኣብ ልዕሊኣ እንታይ ከም ዝገበረ ዝሕብር መርትዖ የሎን።

"እዚ ኣብ ልዕሊ ክንደይ ግዳያት'ዩ ዘጋጥም ዘሎ ክፈልጣ መርትዖ ስለ ዘይብለን ግን ኣይእመናን። ሰማዒ የብለንን። ዝሕግዘን የሎን፡" ትብል።

ገበናት ኣቡኣ ክቕላዕ ምስ ጀመረ ካሮላይን መጽሓፍ ጽሒፋ።

እታ 'I'll Never Call Him Dad Again' እትብል መጽሓፍ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታ ዝስዓበ በሰላታት ትድህስስ።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቶም "ካብ ከብሒ ስድራቤት" ዘይፍለዩ መድሃኒታት ብምጥቃም ዝፍጸሙ ግህሰታት ተዘንቱ።

"መዐገሲ ቃንዛ፡ መደንዘዚ፡ መድሃኒት'ዩ፡" ትብል ዳርያን።

በዳሊ "ካብ ርሑቕ" ኣይመጽእን እዩ ትብል።

ኣዲኣ ጂዘል፡ንልዕሊ 200 ግዜ ብዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዝተዓመጸት ምስ ፈለጠት ድሕሪ ዘጋጠማ በሰላ [ትራውማ]፡ ብዓል ቤታ ኣብ ልዕሊ ጓላ'ውን ዓመጽ ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ክትቅበሎ ከም ዝተጸገመት ትዛረብ።

"ንሓንቲ ኣደ፡ ነዚ ኵሉ ብሓንሳብ ከተሰላስሎ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ትብል።

እንተዀነ ጂዘል፡ ነቲ ብሰብኣያን ካልኦት ዓሰርተታት ደቂ-ተባዕትዮን ዝበጽሓ ዓመጽ ንምቅላዕ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ንህዝብን ማዕከናት ዜናን ክፉት ክኸውን ምስ ወሰነት፡ ኣደን ጓልን ተሰማሚዐን።

"ገለ ነገር ከም ዝሓለፍና ፈሊጠ... ዘስካሕክሕ . . . ግን ከኣ ብኽብርን ጥንካረን ክንሓልፎ ከም ዝነበረና ተገንዚብና፡" ኢላ።

ሕጂ፡ ካሮላይን ዳርያን ጓል እቲ ዘሳቐያን ግዳይን ምዃና እናፈለጠት ብኸመይ ክትነብር ከም ዘለዋ ክርድኣ ትደሊ።

ነዚ፡ "ዘስካሕክሕ ጾር፡" ኢላ ትገልጾ።

ሕጂ ምስ ዶሚኒክ ብዛዕባ ዝነበራ ናይ ቍልዕነት ግዜ ክትሓስብ ኣይትኽእልን።

"ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ነቲ ኣቦ ዝመስለኒ ዝነበረ ብሓቂ ኣይዝክሮን እየ። ትኽ ኢለ ናብቲ ገበነኛ፡ ነቲ ገበነኛ ጾታዊ ዓመጽ ዝዀነሉ [መንነት] እየ ዝጥምት፡" ትብል።

ወሲኻ፡ "ግን፡ ናቱ ዲኤንኤ ኣብ ደመይ ኣሎ። እቲ መንነተን ንዘይቀልዓ ግዳያት ክጣበቕ ዝገበረኒ ምኽንያት ድማ ካብዚ ሰብ እዚ ክርሕቕ ስለ ዝደሊ'ዩ። ኣነ ካብ ዶሚኒክ ፍጹም ዝተፈለኹ እየ፡" ኢላ።

ካሮላይ ዳርያን፡ ኣቡኣ "እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ዝፈልጥ ስለ ዝዀነ"፡ ከምቲ ካልኦት ዝብሉዎ ግናይ ኣይኰነን ብምባል ትዛረብ።

"ሓደገኛ ሰብ'ዩ። [ካብ ቤት ማእሰርቲ] ክወጽእ ዝኽእለሉ መንገዲ የሎን፣ ዋላ ሓደ።"

ወዲ 72 ዓመት ዶሚኒክ ፔሊኮት፡ ድሕሪ ደጊም ስድርኡ ዝርእየሉ ዕድል ጸቢብ'ዩ።

እተን ብመስርሕ እቲ ፍርዲ ዝደኸማ ኣደን ጓልን፣ ከምኡ'ውን፡ ካልኦት ኣባላት ስድርኣ ከኣ ንቡር ህይወቶም ንምቕጻል ኣብ ጻዕሪ ኣለዉ።