ንዓመታት ሰበይቱ ብኻልኦት ደቂ ተባዕትዮ ክትዕመጽ ዝገበረ ኣቦ፡ ንስድራ ዝሓመሰ ዛንታ

ጓል 71 ዓመት ጂዘል ፔሊኮት፡ ማእከል ታሪኽ ናይዚ ኣዕናዊ ስድራቤታዊ ፍጻመ እያ።

ሰብኣያ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ንዓሰርተታት ብኢንተርነት ብዝመልመሎም ሰባት ተጠቒሙ ብመድሃኒት እናደንዘዘ ጾታዊ ግህሰት ክበጽሓ ገይሩ።

እዚኦም ኣስታት 80 ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ቤት ፍርዲ ይገልጽ።

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣቪንዮን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣትያ መርትዖ ክትህብ ክትዕዘብ እንከለኻ፡ ኣካላታ ክሳብ ክንደይ ግህሰት ከም ዝበጽሖ ንምግማት ዘሰንብድ እዩ።

ካልኦት ኣባላት ስድራቤታ ቃሎም ኣብ ዝህብሉ እዋን ግን፡ በቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሐ ግህሰት ዘይተጸልወ ሰብ ከም ዘየለ ብግልጺ ትዕዘብ።

ኣብ ልዕሊ እዛ ስድራ ዘጋጠመ ጕድኣት ንጹር እዩ። ነፍሲወከፎም ድማ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዓ.ም [ኣ.ኤ] “ከም ሱናሚ” ዝወረሮም ማዕበል ዘይተንከፎ ከም ዘየለ ግልጺ ኰይኑ።

ዶሚኒክ ፔሊኮት፡ ሓደ ዋርዲያ ብትሕቲ ቀምሽ ደቂ ኣንስትዮ ቪድዮ ክስእል ምስ ሓዞ’ዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ፖሊስ፡ ነዛ ስድራ ዘናግዐ ሙሉእ ሓቂ ንክርዳእ ግን ሰሙናት ወሲዱሉ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽ ዝኽእል ትሕዝቶ ዝሓዘ’ዩ።

ንዓመታት፡ ብመድሃኒት እናደንዘዘ ውኒኣ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኵነታት ኰይና እናሃለወት ብኦንላይን ብዝመልመሎም ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዓመጽ ክበጽሓ ገይሩ።

ነዚ ግህሰት ብቪድዮ ይስእሎ፤ ነፍሲ ወከፍ ቪድዮ ክኣ ኣብ ‘ሃርድ ድራይቭ’ ገይሩ ኣጻፊፉ የቐምጦ።

ነዚ መትርዖ ሓዊሱ፡ ዶሚኒክ ፔሊኮት ምስቲ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ዓመጽ ተኣሚኑ’ዩ።

ጐና ጐኒ ንቪድዮታቱ ዝገልጽ ጽዩፍ ቋንቋ፡ ኣስማት ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝሓዘ ጽሑፍ ወሲኹሉ’ዩ።

ካልኦት ሓምሳ ደቂ ተባዕትዮ ምስኡ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እንከለዉ፡ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጥራይ እዮም ነቲ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ዝኣምኑ።

ካልኦት ልዕሊ 20 ሰባት መንነቶም ክፍለጥ ኣይከኣለን፤ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣይኣተውን።

ጂዘል ፔሊኮት ዳርጋ ኣብ ኵሉ መስርሕ እዚ ቤት ፍርዲ ተረኺባ።

መንነታ ግልጺ ብምግባር ህዝቢ እቲ ንዓመታት ዝጸረቶ በደል ክርኢ ኣፍቂዳ።

እቶም ዝተቐድሑ ቪድዮታት፡ ብዘይጥርጥር እቲ ጾታዊ ተግባራት ብስምምዕ ዝፍጸም ከም ዘይነበረ የርእዩ።

ጂሰል ፔሊኮት ኣብ ዓራት ደቂሳ ተዅርፍ፤ በዓል ቤታ ድማ ንዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ክትንክፍዋ፡ ክደፍእዋ፡ ሰብነታ ክጥቀሙሉ እናሕሾኽሾሐ መምርሒታት ይህቦም።

እቲ ኣርቲፊሻል ድቃስ ንኣእምሮኣ ብመጠኑ መከላኸሊ እንተዀኖ፡ ኣካላታ ግን ከም ኣቕሓ እዩ ዘገልግል ነይሩ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ “ከም ካብ ጨርቂ ዝተሰርሐት ኣሻንጉሊት፡ ከም መትሓዚ ጐሓፍ” እዩ ኰይኑ።

ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ሕጂ ጓል 72 ዓመት’የ፤ ክንደይ ግዜ ከም ዝተረፈኒ ኣይፈልጥን” ኢላ።

‘እናሓሰኻ ክትመውት ኢኻ'

ጥልቀት ጥልመትን ገበናትን ዶሚኒክ ፔሊኮት፡ ካብታ በዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ብዝሰገረ፡ ንብዙሓት ዝጸለወ’ዩ።

ማእከለይቲ ውላድ ስድራ ፔሊኮትስ ዝዀነት ሕጂ ጓል 45 ዓመት ካሮላይን ዳርያን፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ሓቃውነት እቶም ስእልታት ክትፈልጥ ኣብ ልዕሊ ኣቡኣ ቁጥዐ ዝመልኦ ሕቶ ሓቲታ።

እዞም “ዕርቃና ዝወጽአት ጓለይ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎም ምስልታት፡ ፍርቂ ዕርቃና ከም ዝዀነትን ብንጹር ብመድሃኒት ከም ዝደንዘዘትን የርእዩ።

ፔሊኮት፡ ኣብቲ እዋን ንጓሉ ከም ዝበደለ እኳ እንተኸሓደ፡ ብዛዕባ እቶም ስእልታት ዝተፈላለየን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ቃላት ሂቡ’ዩ።

“ኣነ ተንኪፈኪ ኣይፈልጥን እየ” ኢሉዋ።

ግን፡ እምነት ጓሉ ስኢኑ።

“ሓሳዊ ኢኻ፤ ናትካ ሓሶት ምስማዕ ደኺሙኒ እዩ፤ ሓሶት ሒዝካ ተሪፍካ፤ እናሓሰኻ ኽኣ ክትመውት ኢኻ”።

ምስ ንብዓታ እናተቓለሰት፡ ኣቦኣ “ሕሩም ወሲብ ብዝፈጸመ ዓይኒ” ይጥምተኒ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።

ካሮላይን ዳርያን፡ ዘይከም ጕዳይ ኣዲኣ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ግህሰት ዝገልጽ መዝገብ ብዘይምህላዩ “ዝተረሰዐት ግዳይ” ናይቲ ፍርዲ ኰይና ከም ዝስምዓ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ።

ንሳ፡ ብሰንኪ ሓሽሽ ብምጥቃም ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምቅላስ ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ መስሪታ።

ኣብ 2022 ድማ ንስድራኣ ዘጋጠመ ስንባደ ብዝርዝር ዝትርኽ መጽሓፍ ኣሕቲማ።

ኣብኡ፡ ምስ ኣዲኣ ዘይምስምማዕ ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ኣዲኣ፡ እቲ ሰብኣያ ዝነበረ ገበናቱ ምስ ተቐልዐ ድሕሪ ሰሙናት ናብ ቤት ማእሰርቲ እናተመላለሰት ቅያር ክዳውንቲ ተብጽሓሉ ነይራ።

ካሮላይን “ክኣምኖ ኣይከኣልኩን፤ ነቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ክትዕመጽ ዝገበረ ሰብ ትከናኸኖ ነይራ” ኢላ።

እቲ ርኡይ ኣፈላላይ፡ ሓደ ጠበቓ ጂዘል ፔሊኮት ብዛዕባ እቶም ካሮላይን ዘላቶም ስእልታት ሓቃውነት ብዘይምሕታታ፡ ኣብ ክንዲ ጓላ ንሰብኣያ ነበር ከም ዝመረጸት ምስ ተዛረበ ተጋዲዱ።

ኣሕዋት ካሮላይን፡ ዴቪድን ፍሎርያንን ኣብ ጐኒ ሓፍቶም ብምዃን ነቲ ንሳ እትሓልፎ ዝነበረት ቃንዛ ተደጋጋሚ መወከሲታት ብምግባር ኣቦኦም ሓቂ ክዛረብ ተማሕጺኖም።

ወዲ 38 ዓመት ፍሎርያን ናብ ኣቡኡ ዶሚኒክ ፔሊኮት ገጹ ጠውዩ፡ “ዝዀነ ክብርን ሰብኣውነትን እንተሃልዩካ – ዝዀነ እትስእኖ ነገር የለን – ንካሮላይን ሓቁ ንገራ” ክብል እናነብዐ ተማሕጺኑዎ።

ብተወሳኺ፡ ንሱ ነቲ ኣዲኡ ኣብ 1980ታት ምስ ካልእ ሰብ ዝነበራ ርክብ ስዒቡ ዝተወልደ ምዃኑ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጥርጣረታት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

እዚ ድማ ኣቡኡ ካብኡ ንላዕሊ ንኣሕዋቱ ይፈቱ ምንባሩ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ነዞም ሕቶታቱ መልሲ ንምርካብ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዲኡ ዝተፈጸመ ንገበናት “ድርኺት” ኰይነዮ ክኸውን ይኽእል ድየ ብምባል ይሓስብ።

ንሱ፡ ወዲ ዶሚኒክ ፔሊኮት ዘይምዃኑ “ሩፍታ” ንምርካብ መርመራ ደም ክገብር ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ፍሎርያን ብወገኑ፡ እናነብዐ ድሕሪ’ዚ ኵነታት ህይወቱ እንታይ ከም ዝመስል ዝገልጽ ምስሊ ኣቕሪቡ።

ኣቡኡ ዶሚኒክ ፔሊኮት ብሕቡእ ስእሊ በዓልቲ ቤቱ ኣውሮር ከም ዝወሰደ ምስ ተፈልጠ ምስ ኣደ ሰለስተ ደቁ ዝነበሮ ሓዳር ፈሪሱ።

ክልቲኦም ድሕሪ ምፍልላዮም ግን፡ እዛ ንእሽቶን ልስሉስ ቃላት እትዛረብን ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብቲ ፍርዲ ብተደጋጋሚ ተረኺባ፡ ነቲ ግህሰታት ከም ዘቃልዐት ገሊጻ።

ኣውሮር፡ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኰይና፡ ነብሳ ብዛዕባ ፔሊኮት ዝነግራ ዝነበረ ስምዒታት ዕሽሽ ብምባላ ከም ዘጣዕሳ ትዛረብ።

'ቁልዕነተይ ጠፊኡ'ዩ’

ቦኽሪ ደቂ ፔሊኮት ወዲ 50 ዓመት ዴቪድ ንኣቡኡ’ዩ ዝመስል።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንርእሱ ኣቦ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዝያዳ ምስ ኣቡኡ ከም ዝተቐራረበ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ኣዲኡ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣቡኡ ክትሕብሮ እንከላ “ኵላትና እዚ ሱናሚ ክሃርመና እንከሎ ኣበይ ከም ዝነበርና ንፈልጦ ኢና” ኢሉ።

ኣብ መንጐ ሰነዳት ፔሊኮት፡ በዓልቲ ቤቱ ነፍሰ ጾር መንታ ደቍ እንከላ ዝተወስደ ናይ ዕርቃን ስእሊ ተረኺቡ።

እዚ ኣብ ሽቓቕ እንከላ ብሕቡእ ካሜራ ዝተወስደ ስእሊ እዩ።

ዴቪድ ኣዲኡ እናደኸመትን እናሃሰሰትን ክትኸይድ ከም ዝተዓዘበ ተዛሪቡ።

ወለዱ ንዕኡን ንኣሕዋቱን ዝድግሱዎ ዝነበረ ናይ ልደት ምድላዋት ብምዝካር፡ ሕጂ “ንእስነተይ ጠፊኡ፤ ተፋሒቑ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ እዛ ስድራቤት ዝፍልፍል ዘሎ ስንባደ መወዳእታ ዘይብሉ ይመስል።

ወዲ ዳዊት ሕጂ ወዲ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ዶሚኒክ ብንእስነቱ ከም “ዶክተር ክጻወት” ምስ ሓተቶ እንታይ ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ይግረም።

ንኣሽቱ ኣሕዋቱ፡ ኣብቲ “ዓባዮም፡ ኣዲኦም፡ ሓዎምን ኣኰታቶምን ኵሎም ግዳይ ኣባሓጎኦም ኣብ ዝዀንሉ ስድራቤት ዘለዎም ቦታ ክፈልጡ ክግደዱ እዮም” ክብል ጠበቓ እታ ስድራቤት ብሮቡዕ ተዛሪቡ።

ንእሽቶ ወዲ ካሮላይን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ እቲ ዝፈትዎ ኣባሓጉኡ ኣብ ልዕሊ ዓባዩ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ካብ ዝፈልጥ ንድሓር ክሳብ ሕጂ ኣብ ስንባደ ኣሎ።

ጠበቓ ስቴፋን ባቦኖ ኣብ መዛዘሚ ምጉቱ፡ “እዚ ምስክር፡ ዕምቈት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እታ ስድራቤት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘስዓቦ ስቓይ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

20 ታሕሳስ 2024 ውሳነ ቤት ፍርዲ ክወሃብ ትጽቢት ይግበር።

ፔሊኮት ማእሰርቲ 20 ዓመታት ይጽበዮ ኣሎ - እዚ ድማ ኣብ ፈረንሳ ብጾታዊ ዓመጽ ዝመሓላፍ እቲ ዝለዓለ ፍርዲ እዩ።

እቲ ዝተረፈ ኣባል ስድራቤት ግን ምስቲ ዘጋጠሞ ስንባደ ክነብር እዩ።