ብዛዕባ'ቲ ሓደገኛ ቫይረስ ማርበርግ ክንፈልጦም ዝግብኣና

ኣብ ርዋንዳ ዝተራእየ ለበዳ ቫይረስ ማርበርግ ድሮ ምኽንያት ሞት ሸሞንተ ሰባት ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ብልዑል ደረጃ ክላባዕ ዝኽእል ሕማም ምስ ኢቦላ ዝመሳሰል እዩ።

ከም ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ተቐማጥ፡ ተምላስን ሓሓሊፉ ልዑል ምፍሳስ ደምን ዝበሉ ምልክታት ዘርኢ ኰይኑ ንሞት ከቃልዕ ዝኽእል ሕማም እዩ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ብቫይረስ ማርበርግ ተታሒዞም ሞይቶም’ዮም።

እዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪቃ’ዮም።

እዚ ቫይረስ እንታይ’ዩ?

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ ብማእከላይ በዚ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ፍርቈም ይሞቱ።

ቅድም ኢሉ ብዘጋጠመ ለበዳ እዚ ሕማም ካብ መንጐ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 24 ክሳብ 88 ሚእታዊት ሕሙማት ሞይቶም’ዮም።

እዚ ቫይረስ ንፈለማ እዋን ብ1967 [ኣ.ኤ] ኣብ ጀርመን ከተማታት ማርበርግን ፍራንክፈርትን ከምኡ’ውን ኣብ ሰርቢያ ከተማ ቤልግሬድ እዩ ተራእዩ።

ኣብቲ እዋን በቲ ቫይረስ ካብ መንጐ ዝተትሓዙ ሰባት እቶም 31 ሞይቶም።

እዚ ለበዳ፡ ካብ ዩጋንዳ ናብ ኣፍሪቃ ዝተሰደዳ ሓምላይ ኣህባይ ኣፍሪቃ ዘንቀልኦ ከም ዝዀነ ይንገር።

ድሕሪኡ እቲ ቫይረስ ምስ ካልኦት እንስሳታት’ውን ክተሓሓዝ ጀሚሩ።

እዚ ቫይረስ፡ ብብዝሒ መንካዕ ኣብ ዝርከባኦም በዓቲታትን ቦታታት ዕደናን ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሑ ሰባት ይመሓላለፍ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ቫይረስ ማርበርግ፡ ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ጋና፡ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንግ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዩጋንዳን ዙምባብወን ተራእዩ ነይሩ።

ኣብ ኣንጎላ ብ2005 [ኣ.ኤ] ዝተላዕለ ለበዳ እዚ ቫይረስ ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ።

ኣብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ግን ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ክልተ ሰባት ጥራይ’ዮም በዚ ቫይረስ ሞይቶም።

እዚ ሓደ ኣብ ኣውሮጳ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኣመሪካ እዩ።

ክልቲኦም ውልቀሰባት ድማ ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ በዓቲታት በጺሖም ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

ዝበዝሑ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣበይ ይርከቡ?

ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ቫይረስ ኣብ ርዋንዳ ምህላው ኣብ መወዳእታ መስከረም 2024 ከም ዝተረጋገጸ ይገልጹ።

እዚ ንፈለማ እዋን ኰይኑ ምንጪ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

ጐረባብቲ ሃገራት ርዋንዳ ዝዀና ታንዛንያን ዩጋንዳን ብ2017ን 2023ን መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ረኺበን ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ርዋንዳ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ርክብ ነይርዎም ዝተባህሉ ኣስታት 300 ሰባት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።

በዚ ሕማም ካብ መንጐ ዝተለኸፉ ሰባት ገሊኦም ሰብ ሞያ ጥዕና’ዮም።

ርዋንዳ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል እትገብሮ ጻዕሪ ንምሕጋዝ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ሰብ ሞያ፡ ናውቲታት ሕክምናን ካልኦትን ይልእኽ ኣሎ።

ምልክታት እቲ ቫይረስ

እቲ ቫይረስ ሃንደበት ክጅምር እንከሎ ረስኒ፡ ከቢድ ሕማም ርእስን ቃንዛ ጭዋዳታትን የስዕብ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ፡ ቀጢን ውጽኣት፡ ሕማም ከብዲ፡ ስግድግድ ምባልን ተምላስን የርኢ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ “ኣብዚ ደረጃ ዘለው ሕሙማት ‘ናይ ምውት’ ዝመስል ኵነታት፡ ዝጐድጐዱ ኣዒንቲ፡ ስምዒት ዘይብሉ ገጽን ከቢድ ድኻምን ይርኣዮም” ብምባል በዚ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ኣመና ከም ዝህሰዩ የረድእ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሰብነቶም ደም ይፈሶም።

ገሊኦም ከቢድ ምፍሳስ ደምን ብምኽንያት ስንባደን እቶም ምልክታት ምርኣይ ምስ ጀመሩ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወይ ትሸዓንተ መዓልቲታት ይሞቱ።

መተሓላለፊ መገዲታት

ሓምላይ ኣህባይ ኣፍሪቃን ሓሰማታትን ነቲ ቫይረስ ክስከምዎ ይኽእሉ።

መንካዕ ግብጺ’ውን ነዚ ቫይረስ ትስከሞ።

ካብ ሰብ ናብ ሰብ ድማ፡ ካብ ሰብነት ብዝወጽኡ ፈሰስትን ምትንኻፍ ዝተበከለ ዓለባን ይመሓላለፍ።

ሰባት ካብዚ ሕማም ምስ ሓወዩ፡ እቲ ቫይረስ ተመሓላላፊ ኣብ ዝዀነሉ ደረጃ ኰይኑ ኣብ ደሞም ወይ ዘርኢ ተባዕታይ ንኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል።

ሕክምናኡ’ኸ?

ክሳብ ሕጂ ዋላ’ውን ፈተነታት ይግበሩ እንተሃለው ዝተፈለየ ሕክምና ወይ ክታበት ኣይተረኽበሉን።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ንሕክምና ዘገልግሉ ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ደም፡ መድሃኒታትን መከላኸሊ መገዲታትን ይዳለው ከም ዘለው ይገልጽ።

ሓካይም ኣብ ሆስፒታል ንዝርከቡ ሕሙማት ብዙሕ ፈሳሲ ብምሃብን ዝፈሰሰ ደም ብምትካእን ሓገዝ ይገብሩሎም።

ክንቈጻጸሮ ንኽእል’ዶ?

ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው ሰባት ካብ ጫካ ሃዲኖም ዝረኽብዎ ስጋ ካብ ምብላዕ ክቝጠቡ ከም ዘለዎም ጋቪ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ጥዕና ይገልጽ።

ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ኣብ ዝተራእየሎም ከባቢታት ዘለው ሰባት ምስ ሓሰማ ዝህልዎም ርክብ ከወግዱ ከም ዘለዎም ትካል ጥዕና ዓለም ይምዕድ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ደቂ ተባዕትዮ ምክልታት እቲ ሕማም ምስተርኣዩ ንኣስታት ሓደ ዓመት ወይ’ውን ናይ ፍረ ዘርኦም ክልተ ግዜ መርመራ ተገይርሉ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ክሳብ ዝረጋገጽ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ኮንደም ክጥቀሙ ኣለዎም።

በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ዝቐብሩ ሰባት ድማ እቲ ኣስክሬን ክትንክፉዎ የብሎምን።