እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሰካፊ ኲናት ሱዳን፡ 'ንጓለይ ገዲፍካ ንዓይ ዓምጸኒ'
ሱዳን ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ኣላ።
ድሕሪ እቲ ነታ ሃገር ዘዕነወ ናይ 17 ኣዋርሕ ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣሎ።
እዚ ነተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (ኣርኤስኤፍ) ዝርከባ ከባቢታት ዒላማ ዝገበረ’ዩ።
እቶም ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለው ሓይልታት ኣርኤስኤፍ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱም ክሕዙ እንከለው፡ ሰራዊት ድማ ነታ ኣብ ስግር ሩባ ኒል እትርከብ ከተማ ኡምዱርማን ይቈጻጸራ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ክኣ ሰባት ክሰጋገሩለን ዝኽእላ ቦታታት ኣለዋ።
ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ባርባራ ኣሸር፡ ኣብ ጫፍ እታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ሱዳን ናብ እትርከብ ኡምዱርማን ናብ ዘሎ ዕዳጋ ንኣርባዕተ ሰዓታት ብእግረን ተጓዒዘን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ረኺባ።
ኣብዚ ዕዳጋ፡ ሃለኽቲ ነገራት ሕስር ይብሉ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ተታሒዙ ዘሎ ዳሬ ሰላም ዝተባህለ ከባቢ ዝመጽኣ እየን።
ሰብኡተን፡ በቶም ዕጡቓት ሓይልታት ማህረምቲ ስለ ዝወረዶም፡ ዝረኸቡዎ ገንዘብ ስለ ዝሰርቁዎም ወይ ኣሲሮም ንመፍትሒኦም ገንዘብ ስለ ዝሓቱ፡ ካብ ገዛኦም ኣይወጽኡን’ዮም።
“ንደቅና ክንብል ድማ እቲ ጾር ንሕና ተሰኪምናዮ ኣለና፤ ጠሚና ኣለና፤ መግቢ ኢና ንደሊ” ትብል ሓንቲ ካብኣተን።
መጠንቀቕታ፡ ገለ ዝርዝራት እዚ ዛንታ ሕማቕ ስምዒት ዝፈጥሩ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም
እዘን ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን ክጕዓዛ ውሕስነት ይስምዐን ማለት’ዩ? ጾታዊ ዓመጽ’ከ?
ኵለን ትም ኢለን ድሕሪ ምጽናሕ ሓንቲ ካብኣተን ክትዛረብ ጀሚራ።
ንብዓት ክሳብ ክሳዳ እናወረደ፡ “ዓለም ኣበይ እያ ዘላ? ስለ ምንታይ ኢኹም ዘይትሕግዙና?” ትብል
“ብዙሓት ግህሰት ዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፤ ብዛዕባኡ ግን ኣይዛረባን። ድሕሪኡ እንታይ ለውጢ ከይመጽእ? ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓይልታት ዳዕመሰሪዕ ምሸት ኣብ ጐደናታት ክድቅሳ’ዮም ዝገብሩወን። ኣብዚ ዕዳጋ ውዒለን ኣምስየን እንተተመሊሰን፡ ንሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልቲታት የጽንሑወን” ብምባል ትቕጽል።
ነዚ ክትብል እንከላ፡ ኣደኣ ትበኪ ነይራ።
እተን ካልኦት ምስአን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ’ውን በኽየን።
“ኣብ ዓድኺ ጓልኪ ንበይና እንተወጺኣ ስቕ’ዶ ትብሊ? ደሃያ ክትገብሪ ኣይትወጽእን? ንገርና እስከ- እንታይ ክንገብር? ዝዀነ ኣብ ቍጽጽርና ዘሎ ነገር የለን፤ ብዛዕባ ዋላ ሓደ ኣይግደስን። ዓለም ኣበይ እያ ዘላ? ስለ ምንታይ ኢኹም ዘይትሕግዙና!” በለት።
ብዙሓት፡ ሓርቢቱዎምን ተስፋ ቈርጾምን እዮም ዘለው።
ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ሰባት፡ ስርዓት ኣልቦነት፡ ዝምታን ጭካነን ከም ዝተዓዘቡ ይዛረቡ።
ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 10.5 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይገልጽ።
ግን ድማ፡ እቲ ኣብ መንጐ እቶም ተራጸምቲ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ናይ ስልጣን ንሕንሕ እናሓየለ ምስ መጽአን ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽኡ ተዋጋእትን ምስታፍ ካብ ዝጅምሩን ንድሓር፡ ኣብዚ ግጭት ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ ኣብዚ ኲናት ከቢድ ጽልዋ’ዩ ዝፈጥር ዘሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም “ኣጽዋር ውግእ” ውዒሉ’ዩ ኢሉ።
ልኡኽ ምጽራይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ዓመጽን ምፍርራሓት ዓመጽን ይፍጽሙ ከም ዘለው ሰኒዱ።
ብብዝሒ ግን፡ ብሓይልታት ኣርኤስኤፍን መላፍንቱ ዝዀኑ ሚሊሻታትን ክፍጸም እንከሎ፡ ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጥሓሱ ግህሰታት ከም ዝዀኑ ኣመልኪቱ።
ቢቢሲ ዘዘራረባ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብኣባላት ኣርኤስኤፍ ከም ዝተዓመጸት ተዛሪባ።
ኣብቲ ሱኩ ኣል-ሃር ዝተባህለ ብዙሓት ቀረባት ኣዝዩ ሕሱር ዝዀነሉ ዕዳጋ ኢና ረኺብናያ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ብዙሓት ኣመና ዝደኸዩ ሰባት ናብዚ ዕዳጋ እናመጽኡ’ዮም ዝተዓዳደጉ።
ሚሪያን -ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን- ካብ ዳሬ ሰላም ወጺኣ ኣብ ኡምዱርማን ምስ ሓዋ ተዓቚባ ትነብር ኣላ፤ ስራሕ'ውን ጀሚራ።
ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት፡ ክልተ ዕጡቓት ናብ ገዛኣ ብምእታው ቈልዑ 17ን 10ን ዓመት ዝዀና ደቃ ክዕምጹወን ፈቲኖም ከም ዝነበሩ ትዛረብ።
“ነተን ቈልዑ ብድሕረይ ገይረ፡ ንኣርኤስኤፍ ‘ክትዕምጹ እንተዄንኩም ንዓይ ክኸውን ኣለዎ’ ኢለዮም። ሃሪሞምኒ፤ ድሕሪ ክዳውንተይ ከውጽኦ ኣዚዞምኒ። ቅድሚኡ ንደቀይ ኪዳ ውጽኣ ኢለየን። እቲ ሓደ ነተን ቈልዑ ሒዙ ምስ ወጽአ፡ እቲ ካልኣይ ዓሚጹኒ።”
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምስ ህግሰት ሰብኣዊ መሰላት ክዳረጉ ዝኽእሉ ካልኦት ዓመጻትን ንኸይፍጸሙ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ከም ዝወሰደ ንዓለምለኻዊ መርመርቲ ገሊጹ።
ይዅን’ምበር፡ ብዙሓት ጾታዊ ዓመጻት ብቐጻሊ ይፍጸሙ’ዮም ዘለው፤ እዚኦም ድማ ነባሪ በሰላ እዮም ዝሓድጉ።
ፋጢማ- ሽማ ዝተቐየረ- ክትሓርስ ኢላ ናብ ኡምዱርማን ምስ መጽአት ኣብኡ ክትጸንሕ ወሲና።
ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ጐረቤታ’ውን፡ ምስ ጓል 17 ዓመት ሓፍታ ብወተሃደራት ኣርኤስኤፍ ምስ ተዓመጻ ነፍሰ-ጾር ኰይና መጺኣ።
እቲ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጸም እንከሎ ሰብ ክረድአን'ኳ እንተኣእወያ፡ እቶም ዕጡቓት ካብ ገዛኦም ንዝወጽኡ ሰባት ከም ዝቐትሉዎም የፈራርሑዎም ስለ ዝነበሩ፡ ዝዀነ ሓገዝ ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ክልቲአን ኣሕዋት ጾታዊ ግህሰት ከም ዝተፈጸመን ዘመላኽቱ ምልክታት ኣብ ዝባነን ተረኺቡ።
“ኣብቲ ኲናት፡ ዳዕመሰሪዕ ክመጽኡ እንከለው፡ ክሳብ ኣብ ቅድመና ዝበጽሕ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጻት ክንሰምዕ ጀሚርና፤ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዝነበረ ጥርጣረታት ነይሩና፤ ግን እተን ደቂ ኣንስትዮ ብዕጡቓት ከም ዝተዓመጻ ንፈልጥ ኢና” ትብል ፋጥማ።
እተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብቶም ብሓይልታት ዳዕመሰሪዕ ተታሒዞም ዘለው ቦታታት ንኽምለሳ ጕዕዞ ጀሚረን።
ካብ ዳሬ ሰላም ወጺአን ከም ሚሪያም ሓድሽ ህይወት ክጅምራ ዓቕሚ የብለንን።
እቲ ኲናት ክሳብ ዝቐጸለ ክኣ፡ ናብቲ ራዕዲ ዝወረሮ ህይወተን ካብ ምምላስ ወጻኢ ካልእ ምርጫ የብለንን።